ትምህርቲ 77
ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ
ድሕሪ እቲ ፋስጋ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ገሊላ ተመሊሶም ንምኻድ፡ ብሰማርያ ኪሓልፉ ነበሮም። ኣብ ጥቓ ኸተማ ሲካር ከኣ፡ የሱስ ኣብ ጥቓ ዒላ ያእቆብ ተቐመጠ። ንሱ ኼዕርፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ እንጌራ ንምዕዳግ ናብ ከተማ ኸዱ።
ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ከኣ፡ “ኣስትይኒ” በላ። ንሳ ድማ፡ ‘ከመይ ጌርካ ትዛረበኒ ኣለኻ፧ ኣነ ሳምራዊት ሰበይቲ እየ። ኣይሁድ ከኣ ምስ ሳምራውያን ኣይዛራረቡን እዮም’ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ‘መን ምዃነይ እንተ ትፈልጢ፡ ንስኺ ምለመንክኒ እሞ፡ ኣነ እውን ማይ ህይወት ምሃብኩኺ’ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ‘እንታይ ማለትካ ኢኻ፧ መገለል እኳ ዘይብልካ’ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ‘ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ዘበለ፡ መሊሱ ኣይኪጸምእን እዩ’ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ነዚ ማይ እዚ ሃበኒ’ በለቶ።
ሽዑ፡ የሱስ፡ ‘ንሰብኣይኪ ናብዛ ዒላ ኣምጽእዮ’ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ‘ሰብኣይ የብለይን’ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ሓቂ ተዛሪብኪ። ሓሙሽተ ሳዕ ተመርዒኺ ኔርኪ፣ ሕጂ እውን ምስ ዘይተመርዓኽዮ ሰብኣይ ትነብሪ ኣለኺ’ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ‘ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ። ህዝብና ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከነምልኽ ከም እንኽእል ይኣምኑ እዮም፣ ኣይሁድ ግና ኣብ የሩሳሌም ጥራይ ከነምልኽ ከም ዚግባእ እዮም ዚዛረቡ። መሲሕ ምስ መጸ፡ ከመይ ጌርና ኸም እነምልኽ ኪምህረና ምዃኑ እኣመን እየ’ በለት። ሽዑ፡ የሱስ፡ ‘ኣነ መሲሕ እየ’ ኢሉ ቅድሚኡ ንዋላ ሓደ ሰብ ዘይነገሮ ነገር ንዓኣ ነገራ።
እታ ሰበይቲ ኸኣ ተቐላጢፋ ናብ ከተማ ኸደት እሞ፡ ነቶም ሳምራውያን፡ ‘ንመሲሕ ረኺበዮ ይመስለኒ። ብዛዕባይ ኵሉ ነገር ይፈልጥ እዩ። ንዑ እሞ ርኣይዎ!’ በለቶም። ንሳቶም ድማ ስዒቦምዋ ናብታ ዒላ መጹ እሞ፡ ትምህርቲ የሱስ ሰምዑ።
እቶም ሳምራውያን ከኣ ንየሱስ ኣብ ከተማኦም ኪቕኒ ዓደምዎ። ንሱ ድማ ክልተ መዓልቲ ምሳታቶም ጸንሐ፣ ኣብኡ ኸኣ መሃረ፣ ብዙሓት እውን ብእኡ ኣመኑ። ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ድማ፡ ‘ነዚ ሰብኣይ እዚ ምስ ሰማዕናዮ፡ ብሓቂ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና ኢና’ በልዋ።
“ዝጸምአ ኸኣ ይምጻእ፣ ዝደለየ እውን ማይ ህይወት ብናጻ ይውሰድ።”—ራእይ 22:17