ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 77 ገጽ 182-ገጽ 183 ሕ.ጽ. 2
  • ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መሃራ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምምሃር
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኣብ ዔላ ምስታ ሰበይቲ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቲ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ዚብል መጸውዒ እንታይ እዩ ትርጉሙ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 77 ገጽ 182-ገጽ 183 ሕ.ጽ. 2
የሱስ ኣብ ጥቓ ዒላ ያእቆብ ምስታ ሳምራዊት ይዛራረብ

ትምህርቲ 77

ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ

ድሕሪ እቲ ፋስጋ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ገሊላ ተመሊሶም ንምኻድ፡ ብሰማርያ ኪሓልፉ ነበሮም። ኣብ ጥቓ ኸተማ ሲካር ከኣ፡ የሱስ ኣብ ጥቓ ዒላ ያእቆብ ተቐመጠ። ንሱ ኼዕርፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ እንጌራ ንምዕዳግ ናብ ከተማ ኸዱ።

ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ከኣ፡ “ኣስትይኒ” በላ። ንሳ ድማ፡ ‘ከመይ ጌርካ ትዛረበኒ ኣለኻ፧ ኣነ ሳምራዊት ሰበይቲ እየ። ኣይሁድ ከኣ ምስ ሳምራውያን ኣይዛራረቡን እዮም’ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ‘መን ምዃነይ እንተ ትፈልጢ፡ ንስኺ ምለመንክኒ እሞ፡ ኣነ እውን ማይ ህይወት ምሃብኩኺ’ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ‘እንታይ ማለትካ ኢኻ፧ መገለል እኳ ዘይብልካ’ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ‘ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ዘበለ፡ መሊሱ ኣይኪጸምእን እዩ’ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ነዚ ማይ እዚ ሃበኒ’ በለቶ።

ሽዑ፡ የሱስ፡ ‘ንሰብኣይኪ ናብዛ ዒላ ኣምጽእዮ’ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ‘ሰብኣይ የብለይን’ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ሓቂ ተዛሪብኪ። ሓሙሽተ ሳዕ ተመርዒኺ ኔርኪ፣ ሕጂ እውን ምስ ዘይተመርዓኽዮ ሰብኣይ ትነብሪ ኣለኺ’ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ‘ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ። ህዝብና ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከነምልኽ ከም እንኽእል ይኣምኑ እዮም፣ ኣይሁድ ግና ኣብ የሩሳሌም ጥራይ ከነምልኽ ከም ዚግባእ እዮም ዚዛረቡ። መሲሕ ምስ መጸ፡ ከመይ ጌርና ኸም እነምልኽ ኪምህረና ምዃኑ እኣመን እየ’ በለት። ሽዑ፡ የሱስ፡ ‘ኣነ መሲሕ እየ’ ኢሉ ቅድሚኡ ንዋላ ሓደ ሰብ ዘይነገሮ ነገር ንዓኣ ነገራ።

የሱስ ምስቶም ሳምራውያን ይዛራረብ

እታ ሰበይቲ ኸኣ ተቐላጢፋ ናብ ከተማ ኸደት እሞ፡ ነቶም ሳምራውያን፡ ‘ንመሲሕ ረኺበዮ ይመስለኒ። ብዛዕባይ ኵሉ ነገር ይፈልጥ እዩ። ንዑ እሞ ርኣይዎ!’ በለቶም። ንሳቶም ድማ ስዒቦምዋ ናብታ ዒላ መጹ እሞ፡ ትምህርቲ የሱስ ሰምዑ።

እቶም ሳምራውያን ከኣ ንየሱስ ኣብ ከተማኦም ኪቕኒ ዓደምዎ። ንሱ ድማ ክልተ መዓልቲ ምሳታቶም ጸንሐ፣ ኣብኡ ኸኣ መሃረ፣ ብዙሓት እውን ብእኡ ኣመኑ። ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ድማ፡ ‘ነዚ ሰብኣይ እዚ ምስ ሰማዕናዮ፡ ብሓቂ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና ኢና’ በልዋ።

“ዝጸምአ ኸኣ ይምጻእ፣ ዝደለየ እውን ማይ ህይወት ብናጻ ይውሰድ።”—ራእይ 22:17

ሕቶታት፦ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ በቲ የሱስ እተዛረቦ እተገረመት ስለምንታይ እያ፧ ንሱኸ እንታይ ኢሉ እዩ ነጊርዋ፧

ዮሃንስ 4:1-42

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ