ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • es25 ገጽ 98-108
  • ጥቅምቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥቅምቲ
  • ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ረቡዕ 1 ጥቅምቲ
  • ሓሙስ 2 ጥቅምቲ
  • ዓርቢ 3 ጥቅምቲ
  • ቀዳም 4 ጥቅምቲ
  • ሰንበት 5 ጥቅምቲ
  • ሰኑይ 6 ጥቅምቲ
  • ሰሉስ 7 ጥቅምቲ
  • ረቡዕ 8 ጥቅምቲ
  • ሓሙስ 9 ጥቅምቲ
  • ዓርቢ 10 ጥቅምቲ
  • ቀዳም 11 ጥቅምቲ
  • ሰንበት 12 ጥቅምቲ
  • ሰኑይ 13 ጥቅምቲ
  • ሰሉስ 14 ጥቅምቲ
  • ረቡዕ 15 ጥቅምቲ
  • ሓሙስ 16 ጥቅምቲ
  • ዓርቢ 17 ጥቅምቲ
  • ቀዳም 18 ጥቅምቲ
  • ሰንበት 19 ጥቅምቲ
  • ሰኑይ 20 ጥቅምቲ
  • ሰሉስ 21 ጥቅምቲ
  • ረቡዕ 22 ጥቅምቲ
  • ሓሙስ 23 ጥቅምቲ
  • ዓርቢ 24 ጥቅምቲ
  • ቀዳም 25 ጥቅምቲ
  • ሰንበት 26 ጥቅምቲ
  • ሰኑይ 27 ጥቅምቲ
  • ሰሉስ 28 ጥቅምቲ
  • ረቡዕ 29 ጥቅምቲ
  • ሓሙስ 30 ጥቅምቲ
  • ዓርቢ 31 ጥቅምቲ
ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2025
es25 ገጽ 98-108

ጥቅምቲ

ረቡዕ 1 ጥቅምቲ

እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ሰማዕ . . . እያ።—ያእ. 3:17።

ተኣዛዝነት ይኸብደካዶ፧ ንጉስ ዳዊት ይኸብዶ ነይሩ እዩ። ስለዚ ናብ ኣምላኽ፡ “ክእዘዘካስ ናይ ፍታው መንፈስ ኣብ ውሽጠይ ኣለዓዕል” ኢሉ ጸለየ። (መዝ. 51:12) ዳዊት ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ እዙዝ ምዃን ይኸብዶ ነበረ፣ ንሕና እውን ከምኡ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ቀዳማይ፡ ናይ ዘይተኣዛዝነት ዝንባለ ወሪስና ኢና። ካልኣይ፡ ሰይጣን ከምኡ ዓለወኛታት ምእንቲ ኽንከውን ብቐጻሊ ይትዅትዀና እዩ። (2 ቈረ. 11:3) ሳልሳይ ከኣ፡ በቲ “ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ዚዓዪ ዘሎ መንፈስ” ተባሂሉ ዘሎ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ናይ ዕልወት መንፈስ ኢና ተኸቢብና ዘለና። (ኤፌ. 2:2) ስለዚ፡ ምስቲ ሓጢኣት ናይ ምግባር ዝንባለና ኽንቃለስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ድያብሎስን እዛ ዓለም እዚኣን፡ ንሕና ዘይእዙዛት ምእንቲ ኽንከውን ኢሎም ዜውርዱልና ጸቕጢ እውን ክንጻረሮ ኣሎና። ንየሆዋን ነቶም ስልጣን ዝሃቦምን እዙዛት ንምዃን ከኣ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። w23.10 6 ¶1

ሓሙስ 2 ጥቅምቲ

ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽኒሕካዮ።—ዮሃ. 2:10።

ካብቲ የሱስ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠሉ ተኣምር እንታይ ንምሃር፧ ትሕትና ኢና እንምሃር። የሱስ በቲ ተኣምር እቲ ኣይተመክሐን፣ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብዝዀነ ይኹን ዝገበሮ ነገር ከቶ ኣይተመክሐን። ብኣንጻሩ፡ ብትሕትና ተደሪኹ ዅሉ ኽብርን ምስጋናን ንኣቦኡ እዩ ብተደጋጋሚ ዚህብ ነይሩ። (ዮሃ. 5:19, 30፣ 8:28) ርእስና ትሕት ብምባል ንየሱስ እንተ መሲልናዮ፡ በቲ ዝገበርናዮ ነገራት ኣይንምካሕን ኢና። ብርእስና ዘይኰነስ፡ በቲ ዜደንቕ ኣምላኽና ንመካሕ። (ኤር. 9:23, 24) ዚግብኦ ኽብሪ እውን ንሃቦ። ስለምንታይሲ፡ ብዘይ ሓገዙ ዋላ ሓንቲ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። (1 ቈረ. 1:26-31) ትሑታት እንተ ዄንና፡ በቲ ንኻልኦት ዝገበርናሎም ክንምስገን ኣይንጽዕርን ኢና። የሆዋ ነቲ እንገብሮ ኸም ዚርእዮን ከም ዜኽብሮን ስለ እንፈልጥ፡ ዕግበት ይስምዓና እዩ። (ማቴዎስ 6:2-4 ኣረኣኢ፣ እብ. 13:16) ትሑታት ብምዃን ንየሱስ እንተ መሲልናዮ፡ እዚ ንየሆዋ ባህ የብሎ እዩ።—1 ጴጥ. 5:6። w23.04 4 ¶9፣ 5 ¶11-12

ዓርቢ 3 ጥቅምቲ

ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።—ፊል. 2:4።

ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንክርስትያናት፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ኪጥምቱ ኣተባቢዕዎም እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ኣኼባታት ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧ ካልኦት እውን ከማና ኺሳተፉ ኸም ዚደልዩ ኽንዝክር ኣሎና። ነዚ ዚስዕብ እስከ ሕሰበሉ። ምስ ፈተውትኻ ኸተዕልል ከለኻ፡ ንምዝራብ ዕድል ክሳዕ ዚስእኑ ዘረባ ተብዝሕ ዲኻ፧ ኣይፋልን! ኣብቲ ዕላል ኪሳተፉ ኢኻ እትደልዮም። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣኼባታት ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ሓሳብ ኪህቡ ኢና እንደሊ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ሓደ ኻብቲ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን እነተባብዓሉ መገዲ፡ እምነቶም ኪገልጹ ኣጋጣሚ ብምሃብ እዩ። (1 ቈረ. 10:24) ስለዚ፡ ሓጺር ሓሳብ ሃብ፣ በዚ ኸምዚ፡ ንተወሳኺ ተሳትፎ ግዜ ትፈቅድ። ዋላ እውን ሓጺር ሓሳብ ክትህብ ከለኻ፡ ብዙሕ ነጥብታት ኣይትሸፍን። ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ንዚርከብ ኵሉ ነጥብታት እንተ ሸፊንካዮ፡ ካልኦት ሓሳብ ዚህቡሉ ኺስእኑ እዮም። w23.04 22-23 ¶11-13

ቀዳም 4 ጥቅምቲ

እዚ ዅሉ ግና ምእንቲ እቲ ብስራት፡ ማለት ንኻልኦት ምእንቲ ኸካፍሎ ኢለ እየ ዝገብሮ።—1 ቈረ. 9:23።

ኵነታትና ምስ ዚልወጥ፡ ምናዳ ብክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣቢልና ንኻልኦት ሰናይ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኽንርስዕ የብልናን። ኣብ ኣገልግሎትና ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ኣሎና። በበይኑ እምነትን ኣረኣእያን ዘለዎም፡ ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ እውን ዝመጹ ሰባት ንረክብ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ተዓጻጻፊ እዩ ነይሩ፣ ካብ ኣብነቱ እውን ክንምሃር ንኽእል ኢና። የሱስ ንጳውሎስ፡ “ንኣህዛብ ሃዋርያኦም” ኪኸውን እዩ ሸይምዎ። (ሮሜ 11:13) ስለዚ፡ ጳውሎስ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ንሊቃውንትን ንትሑታት ገባሮን ንሰበ ስልጣንን ንነገስታትን ሰቢኹ እዩ። ነዞም እተፈላለዩ ሰባት ልቦም ምእንቲ ኺትንክዮም ኢሉ ድማ፡ ‘ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኵሉ ዀይኑ እዩ።’ (1 ቈረ. 9:19-22) ንባህልን ንድሕረ ባይታን ንእምነታትን ሰማዕቱ ድሕሪ ምስትብሃሉ፡ ንኣቀራርባኡ ኸከም ኵነታቶም ይቐያይር ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ተበላሓትቲ እንተ ዄንና፡ ኣቀራርባና እውን ከከምቲ ንሰማዕትና ዜድልዮም ንቐያይር እንተ ዄንና፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ውጽኢታውያን ክንከውን ንኽእል ኢና። w23.07 23 ¶11-12

ሰንበት 5 ጥቅምቲ

ባርያ ጐይታስ ንዅሉ ልኡም . . . ኪኸውን ይግብኦ እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ።—2 ጢሞ. 2:24።

ልእመት ብርታዐ ደኣ እምበር፡ ድኽመት ኣይኰነትን። ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት ህዱእ ንምዃን ውሽጣዊ ብርታዐ የድልየና እዩ። ልእመት ሓንቲ ኻብተን መዳያት “ፍረ መንፈስ” እያ። (ገላ. 5:22, 23) “ልእመት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓደ እተገርሐ ፈረስ በረኻ ንምግላጽ እውን ተዓይዩላ ኣሎ። ንሓደ ልኡም ዝዀነ ፈረስ በረኻ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ልኡም እኳ እንተ ዀነ፡ ብርቱዕ እዩ። ንሕና ሰባትከ ኸመይ ጌርና ኢና ብርቱዓት ክነስና፡ ልእመት ከነማዕብል እንኽእል፧ እዚ ብሓቦ ጥራይ ዚኸውን ኣይኰነን። መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ኺውሃበና ኽንጽሊ ኣሎና። ነዛ ጽብቕቲ ባህርይ እዚኣ ንምምዕባል፡ ሓገዙ ኽንልምን ኣሎና። እዚ ኺግበር ከም ዚክኣል ካብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጻረርቲ ምስ ኣጓነፍዎም፡ ልኡም ምላሽ ሂቦም እዮም። እዚ ድማ ኣብቶም ነዚ ዚዕዘቡ ሰባት ጽቡቕ ጦብላሕታ ኣሕዲሩ እዩ።—2 ጢሞ. 2:24, 25። w23.09 15 ¶3

ሰኑይ 6 ጥቅምቲ

ጸልየ፣ የሆዋ ድማ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ።—1 ሳሙ. 1:27።

ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ መስተንክር ራእይ፡ ኣብ ሰማይ ዚርከቡ 24 ሽማግለታት፡ ንየሆዋ ኼምልኽዎ ረኣየ። ንሳቶም ንየሆዋ፡ “ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ኢሎም ወደስዎ። (ራእ. 4:10, 11) እሙናት መላእኽቲ እውን፡ ንየሆዋ ንምውዳስን ክብሪ ንምሃብን ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎም። ስለምንታይሲ፡ ምስኡ ኣብ ሰማይ እዮም ዚነብሩ፣ ኣጸቢቖም እውን ይፈልጥዎ እዮም። ባህርያቱ ኣብ ተግባራቱ ኺግለጽ ከሎ ይርእዩ እዮም። ተግባራት የሆዋ ኺርእዩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንዕኡ ንምውዳስ ይልዓዓሉ እዮም። (እዮ. 38:4-7) ንሕና እውን ኣብ ጸሎትና ንየሆዋ ኽንውድሶ ንደሊ ኢና። ነቲ ብዛዕባኡ እንፈትዎን እነማስወሉን ነገራት ክንገልጸሉ ንደሊ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተጽንዕን ከለኻ፡ ነቲ ብፍላይ ዚስሕበካ ባህርያት የሆዋ ኣተኵረሉ። (እዮ. 37:23፣ ሮሜ 11:33) ድሕሪኡ፡ ንየሆዋ ብዛዕባ እዚ ባህርያቱ እንታይ ከም ዚስምዓካ ግለጸሉ። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ስለቲ ምእንታናን ምእንቲ ዅሎም መንፈሳውያን ስድራ ቤትናን ኢሉ ዚገብረልና ነገራት ክንውድሶ ንኽእል ኢና።—1 ሳሙ. 2:1, 2። w23.05 3-4 ¶6-7

ሰሉስ 7 ጥቅምቲ

ንየሆዋ እትበቕዑ ዄንኩም [ተመላለሱ]።—ቈሎ. 1:10።

ብ1919፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጹ። በታ ዓመት እቲኣ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዕዮኡ ጀመረ፣ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ከኣ ናብታ ሓዳስ እተኸፍተት “መገዲ ቕድስና” መርሓባ ኢሉ ተቐበሎም። (ማቴ. 24:45-47፣ ኢሳ. 35:8) ብኸፊል ሳላ እቶም ኣብ ሕሉፍ “መገዲ ዝጸረጉ” እሙናት ዓየይቲ ኸኣ፡ እቶም በታ ጐደና ዚጕዓዙ ሰባት ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ዘለዎም ፍልጠት ኬስፍሑ ኸኣሉ። (ምሳ. 4:18) ህይወቶም እውን ምስ መለክዒታት የሆዋ ኼሰማምዑ ኸኣሉ። የሆዋ ንህዝቡ ብሓንሳእ ለውጥታት ኪገብሩ ኣይተጸበዮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ በብደረጃኡ እዩ ኣጽርይዎም። ኵላትና ንኣምላኽና ኣብ እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ባህ ከነብሎ ምስ ከኣልና፡ ብሓቂ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና! ዝዀነ ይኹን መገዲ ስሩዕ ጽገና የድልዮ እዩ። ኣብ “መገዲ ቕድስና” እውን፡ ካብ 1919 ኣትሒዙ ቐጻሊ ዕዮ እዩ ዚግበር ዘሎ። እዚ ድማ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ካብ ዓባይ ባቢሎን ምእንቲ ኺወጹ ተባሂሉ እዩ ዚግበር። w23.05 17 ¶15፣ 19 ¶16

ረቡዕ 8 ጥቅምቲ

ኣይክሓድገካን . . . እየ።—እብ. 13:5።

ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ እተፈላለዩ ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል ንዚዓይዩ ሓገዝቲ ኼሰልጥንዎም ጸኒሖም እዮም። እዞም ሓገዝቲ እዚኦም ድማ፡ ኣብዚ እዋን እዚ እኳ ብተኣማንነት ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሞም ኣለዉ። ነቲ ንኣባጊዕ ክርስቶስ ናይ ምክንኻን ዕዮ ንምቕጻል እውን፡ ብጽቡቕ ተዳልዮም ኣለዉ። ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባ፡ እቶም ናይ መወዳእታ ቕቡኣት ናብ ሰማይ ምስ ተወስዱ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ምድሪ ኪቕጽል እዩ። ሳላ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ዋላ ሓንቲ ኣይኪጐድሎምን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብቶም ጎግ ብዓል ማጎግ ዚብሃሉ ስሙራት ኣህዛብ መጥቃዕቲ ኺወርደና እዩ። (ህዝ. 38:18-20) እቲ ሓጺር መጥቃዕቲ ግና ኪፈሽል እዩ፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ካብቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣምልኾ ኣይኬታርፎምን እዩ። የሆዋ ብሓቂ ኼናግፎም እዩ! ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ክርስቶስ ዝዀኑ “ብዙሓት ህዝቢ” ርእዩ እዩ። እቶም “ብዙሓት ህዝቢ፡” “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ” ተባሂሎም ኣለዉ። (ራእ. 7:9, 14) እወ፡ ብርግጽ ኪድሕኑ እዮም! w24.02 5-6 ¶13-14

ሓሙስ 9 ጥቅምቲ

ሓዊ መንፈስ ኣይተጥፍኡ።—1 ተሰ. 5:19።

መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እቲ መንፈስ እቲ ምእንቲ ኺውሃበና ኽንጽሊ፡ ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ከነጽንዕ፡ ምስቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ውድብ እውን ክንሓብር ንኽእል ኢና። እዚ ድማ “ፍረ መንፈስ” ከነማዕብል ይሕግዘና እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ኣምላኽ ነቶም ብኣተሓሳስባኦም ኰነ ብኣካይዳኦም ንጹሃት ኰይኖም ዚመላለሱ ጥራይ እዩ መንፈሱ ዚህቦም። ርኹስ ሓሳባት እንተ ኣሕዲርና፡ እዚ እውን ናብ ተግባር ዚመርሓና እንተ ዀይኑ፡ ብቐጻሊ መንፈሱ ኣይህበናን እዩ። (1 ተሰ. 4:7, 8) ብዘይካዚ፡ ብቐጻሊ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺውሃበና፡ ‘ትንቢት ክንንዕቕ የብልናን።’ (1 ተሰ. 5:20) ኣብዚ “ትንቢት” ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚፈሪ መልእኽትታት፡ እንተላይ ነቲ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋን ብዛዕባ ህጹጽነት ግዜናን ዚምልከት መልእኽትታት እዩ ዜመልክት። ስለዚ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብሓሳብና ኣይነርሕቓን ኢና። ኣርማጌዶን ከም ዘይትመጽእ ጌርና ኣይንሓስብን ኢና። የግዳስ፡ ብቕኑዕ ኣካይዳን ‘በቲ ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ዚርአ ግብርታትን’ ብምምልላስ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ንሓስባ ኢና።—2 ጴጥ. 3:11, 12። w23.06 12 ¶13-14

ዓርቢ 10 ጥቅምቲ

ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብ እዩ።—ምሳ. 9:10።

ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ናውትና ስእለ ጽዩፍ እንተ መጺኡና፡ ከም ክርስትያናት መጠን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነቲ ምስሊ ብኡብኡ ኽንነጽጎ ኣሎና። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበረ ጥሪትና ምዃኑ እንተ ዘኪርና፡ ከምዚ ዝበለ ስጕምቲ ንምውሳድ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ፡ ምስ ስእለ ጽዩፍ ዘይጽብጸብ ምስልታት እኳ ብጾታዊ መዳይ ኬለዓዕል ይኽእል እዩ። ንዕኡኸ ንየው ክንብሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ብልብና እኳ ናብ ዝሙት ኪመርሕ ዚኽእል ስጕምቲ ኽንወስድ ኣይንደልን ኢና። (ማቴ. 5:28, 29) ዴቪድ ዝስሙ ኣብ ታይላንድ ዚነብር ሽማግለ፡ “‘እዚ ምስልታት እዚ ምስ ስእለ ጽዩፍ ዘይጽብጸብ እኳ እንተ ዀነ፡ ስቕ ኢለ እንተ ጠሚተዮ ግና የሆዋ ባህ ይብሎ ድዩ፧’ ኢለ ገዛእ ርእሰይ እሓትት እየ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸኣ ብጥበብ ስጕምቲ ኽወስድ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል። ንየሆዋ ኸይነጕህዮ ጥዑይ ፍርሃት እንተ ኣማዕቢልና፡ ብጥበብ ክንመላለስ ንኽእል ኢና። ፍርሃት ኣምላኽ “መጀመርታ” ወይ መሰረት “ጥበብ” እዩ። w23.06 23 ¶12-13

ቀዳም 11 ጥቅምቲ

ኣቱም ህዝበይ፡ ኪዱ፡ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ።—ኢሳ. 26:20።

እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ “ውሽጣዊ ኽፍልታት” ንጉባኤታትና ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ሓድነት እንተ ዓቂብና፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ዕቝባ ኽንረክብ ኢና። ስለዚ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክኢልናዮም ክንነብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከነፍቅሮም እውን ካብ ሕጂ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ድሕነትና ኣብኡ እተመርኰሰ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” ንዅሎም ደቂ ሰብ ጭንቂ ኸተምጽኣሎም እያ። (ጸፎ. 1:14, 15) ህዝቢ የሆዋ እውን ጸገማት ኬጓንፎም እዩ። ሕጂ እንተ ተዳሊና ግና፡ ክንሃድእን ንኻልኦት ክንሕግዝን ንኽእል ኢና። ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ክንጻወር ኢና። ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ብጾትና መከራ ኺወርድ ከሎ፡ ርሕራሐ ብምርኣይን ዜድልዮም ሓገዝ ብምሃብን ዚከኣለና ኽንገብር ኢና። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ካብ ሕጂ ፍቕሪ ስለ ዘማዕበልና እውን፡ ናባታቶም ክንለግብ ኢና። ሽዑ ድማ፡ የሆዋ ዅሉ ሓደጋን ጸበባን ኣብ ዘይዝከረላ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ኪባርኸና እዩ።—ኢሳ. 65:17። w23.07 7 ¶16-17

ሰንበት 12 ጥቅምቲ

[የሆዋ] ኼጽንዓኩምን ኬበርትዓኩምን ኪስርተኩምን እዩ።—1 ጴጥ. 5:10።

ቃል ኣምላኽ ንእሙናት ሰባት፡ ሓያላት ከም ዝዀኑ ገይሩ ይገልጾም እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ኣዝዮም ብርቱዓት ዘበሉ እኳ፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን ብርቱዓት ከም ዝዀኑ ዚስምዖም ዝነበረ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ‘ከም ከረን ድልዱል’ ከም ዝዀነ ኺስምዖ ኸሎ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ግና ‘ተሸቢሩ’ እዩ። (መዝ. 30:7) ሲምሶን ድማ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኪረክብ ከሎ ኣመና ሓያል ይኸውን እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘይ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ሓይሊ ግና፡ “እደክም፡ ከም ኵሉ ሰብ እውን እኸውን” ኢሉ ተኣሚኑ እዩ። (መሳ. 14:5, 6፣ 16:17) እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም ሳላ እቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸብዎ ሓይሊ እዮም ብርቱዓት ኪዀኑ ኽኢሎም። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ካብ የሆዋ ሓይሊ ኸም ዜድልዮ ተኣሚኑ እዩ። (2 ቈረ. 12:9, 10) ምስ ናይ ጥዕና ጸገማት ይቃለስ ነይሩ እዩ። (ገላ. 4:13, 14) ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ቅኑዕ ንምግባር ይቃለስ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 7:18, 19) ኣብ ገሊኡ እዋናት ከኣ ይጭነቕን ይሻቐልን ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 1:8, 9) ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ምስ ዚደክም፡ ሽዑ እዩ ዚብርትዕ ነይሩ። ብኸመይ፧ የሆዋ ንጳውሎስ፡ ነቲ ዝጐደሎ ሓይሊ ይህቦ ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣበርትዖ። w23.10 12 ¶1-2

ሰኑይ 13 ጥቅምቲ

የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።—1 ሳሙ. 16:7።

ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ዘይንረብሕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ የሆዋ ናብኡ ኸም ዝሰሓበና ኽንዝክር ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 6:44) ንዓና እኳ እንተ ዘይተራእየና፡ ንሱ ግና ኣባና ጽቡቕ ነገር ርእዩ እዩ፡ ንልብና እውን ይፈልጦ እዩ። (2 ዜና 6:30) ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ምዃንና ኺገልጸልና ኸሎ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 3:19, 20) ገሌና ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና ዝገበርናዮ ነገራት ናይ በደለኛነት ስምዒት ኬሕድረልና ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 4:3) ዋላ እሙናት ክርስትያናት ምስቲ ሓጢኣት ንምግባር ዘለዎም ዝንባለ ይቃለሱ እዮም። እሞኸ፡ ልብኻ ይኹንነካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን፡ ምስ ተመሳሳሊ ስምዒት ከም እተቓለሱ ብምዝካር ተጸናናዕ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዘይፍጽምናኡ ኺሓስብ ከሎ፡ መከረኛ ኸም ዝዀነ ተሰሚዕዎ እዩ። (ሮሜ 7:24) ልክዕ እዩ፡ ጳውሎስ ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ሓጢኣቱ ተነሲሑን ተጠሚቑን ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፡” ከምኡ እውን ካብ ሓጥኣን “ኣውራ እየ” ኢሉ ኣሎ።—1 ቈረ. 15:9፣ 1 ጢሞ. 1:15። w24.03 27 ¶5-6

ሰሉስ 14 ጥቅምቲ

ንቤት የሆዋ . . . [ሓዲጎምዎ]።—2 ዜና 24:18።

ሓደ ኻብቲ ኻብ ሕማቕ ውሳነ ንጉስ ዮኣስ እንረኽቦ ትምህርቲ፡ ጽቡቕ ጽልዋ ዚገብሩልና፡ ማለት ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ኬሐጕስዎ ዚደልዩን ኣዕሩኽ ክንሓሪ ኸም ዘሎና እዩ። ካብ መሳቱና ጥራይ ኣይኰናን ኣዕሩኽ ክንሓሪ ዘሎና። ዮኣስ ካብቲ ፈታዊኡ ዝነበረ የሆያዳ ኣመና ይንእስ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ናይ ኣዕሩኽ ምርጫኻ ኸምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምነት ንምድልዳል ይሕግዙኒ ድዮም፧ ብመለክዒታት ኣምላኽ ክመላለስ የተባብዑኒዶ ኣለዉ፧ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኣገዳሲ ሓቅታትን ይዛረቡ ድዮም፧ ንመለክዒታት ኣምላኽ ኣኽብሮት ኣለዎምዶ፧ ክሰምዖ ዝደሊ ነገር ጥራይ ድዮም ዚነግሩኒ፡ ወይስ ኣንፈተይ ክስሕት ከለኹ ንምእራም ዜኽእል ትብዓት ኣለዎም እዩ፧’ (ምሳ. 27:5, 6, 17) ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣዕሩኽካ ንየሆዋ ዘየፍቅርዎ እንተ ዀይኖም፡ ኣየድልዩኻን እዮም። ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ እንተ ኣልዮምኻ ግና፡ ኣጥቢቕካ ሓዞም። ንሳቶም ኪጠቕሙኻ እዮም።—ምሳ. 13:20። w23.09 9-10 ¶6-7

ረቡዕ 15 ጥቅምቲ

ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ።—ራእ. 1:8።

እታ ኣልፋ እትብሃል ፊደል፡ ናይ መጀመርታ ናይ ግሪኽኛ ፊደል እያ፣ እታ ኦሜጋ ኸኣ ናይ መወዳእታ እያ። የሆዋ በቲ “ኣልፋን ኦሜጋን” ዚብል መግለጺ ገይሩ፡ ሓደ ነገር እንተ ጀሚሩ፡ ናብ መወዳእታኡ ኸም ዜብጽሖ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ምስ ፈጠሮም፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን” በሎም። (ዘፍ. 1:28) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ “ኣልፋ” ኢሉ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ዕላማኡ ብንጹር ገሊጹ እዩ፦ ፍጹማትን እዙዛትን ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ንምድሪ ዚመልኡሉን ናብ ገነት ዚቕይሩሉን እዋን ከም ዚመጽእ እዩ ሓቢሩ። ኣብ መጻኢ እዚ ምስ ተፈጸመ ድማ የሆዋ “ኦሜጋ” ኺብል እዩ። “ሰማያትን ምድርን ኵሉ ኣባታቶም ዘሎን” ፈጢሩ ምስ ወድአ፡ ውሕስነት ኣትዩልና እዩ። ንሱ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ብርግጽ ከም ዚፍጽሞ እዩ ውሕስነት ኣትዩ። እቲ ዕላማኡ እቲ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ።—ዘፍ. 2:1-3። w23.11 5 ¶13-14

ሓሙስ 16 ጥቅምቲ

መገዲ የሆዋ ጽረጉ! ኣብ ምድረ በዳ ንኣምላኽና ጐደና ኣቕንዑ።—ኢሳ. 40:3።

ካብ ባቢሎን ናብ እስራኤል ዚወስድ ኣጸጋሚ ጕዕዞ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቢሉ ኺወስድ ይኽእል ነይሩ እዩ። የሆዋ ግና ኬጋጥሞም ዚኽእል ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋታት ከም ዚጸርገሎም ቃል ኣተወሎም። እሙናት ኣይሁድ ግና ናብ እስራኤል ብምምላስ ዚረኽብዎ ጥቕምታት፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ኪኸፍልዎ ዚኽእሉ መስዋእትታት ከም ዚበልጽ ኣይሰሓትዎን። እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ በረኸት ምስ ኣምልኾኦም እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ኣብ ባቢሎን ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣይነበረን። እቲ እስራኤላውያን ብሕጊ ሙሴ እተኣዘዝዎ መስዋእትታት ኬቕርቡሉ ዚኽእሉ መሰውኢ እውን ኣይነበረን። ነቲ መስዋእትታት ዜቕርቡ እተወደቡ ኻህናት እውን ኣይነበሩን። ብዘይካዚ፡ ኣብታ ዓዲ እቲኣ፡ እቶም ንየሆዋ ዀነ ንመለክዒታቱ ኣኽብሮት ዘይነበሮም ኣረማውያን ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ህዝቢ የሆዋ ኣጸቢቖም ይበዝሑ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድ ናብቲ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቦታኡ ዚምለሰሉ ዓዶም ንምምላስ ተሃንጥዮም እዮም ነይሮም። w23.05 14-15 ¶3-4

ዓርቢ 17 ጥቅምቲ

ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።—ኤፌ. 5:8።

ወትሩ “ኸም ደቂ ብርሃን” ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብዛ ርኽስቲ ዓለም ንጹህ ኴንካ ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን። (1 ተሰ. 4:3-5, 7, 8) መንፈስ ቅዱስ ምስ ናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ንምቅላስ፡ እንተላይ ምስቲ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዘይሳነ ፍልስፍናታትን ኣረኣእያታትን ንምቅላስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ መንፈስ ቅዱስ “ኵሉ ሰናይን ጽድቅን” ከነፍሪ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 5:9) ሓደ ኻብቲ መንፈስ ቅዱስ ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ፡ ኪውሃበና ብምጽላይ እዩ። የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (ሉቃ. 11:13) ብተወሳኺ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንየሆዋ ብሓባር ክንውድሶ ኸለና፡ መንፈስ ቅዱስ ንረክብ ኢና። (ኤፌ. 5:19, 20) እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዜሕድሮ ጽቡቕ ጽልዋ፡ ንኣምላኽ ባህ ብዜብሎ መገዲ ኽንነብር ይሕግዘና እዩ። w24.03 23-24 ¶13-15

ቀዳም 18 ጥቅምቲ

ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ።—ሉቃ. 11:9።

ዝያዳ ትዕግስቲ የድልየካ ድዩ፧ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ ጸሊ። ትዕግስቲ ወይ ዓቕሊ ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ እያ። (ገላ. 5:22, 23) ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺውሃበና ኽንጽሊ፡ ፍረ መንፈስ ምእንቲ ኸነፍሪ እውን ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንልምን ንኽእል ኢና። ንትዕግስትና ዚፍትን ኵነታት እንተ ኣጋጢሙና፡ ትዕግስቲ ኽንገብር ዚሕግዘና መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ‘ብቐጻሊ ኽንልምን’ ኣሎና። (ሉቃ. 11:13) ንየሆዋ ኸኣ ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወና፡ ሓገዙ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ከምዚ ኢልና ድሕሪ ምጽላይና፡ ወትሩ ዕጉሳት ኴንና ንምምልላስ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ትዕግስቲ ምእንቲ ኺውሃበናን ብትዕግስቲ ንምምልላስን ብዝያዳ ብዝጸለና መጠን፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ልብና ብዝያዳ እያ ሱር እትሰድድ፡ ብዝያዳ እውን እያ ኽፋል ስብእናና እትኸውን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተጠቕሱ ኣብነታት ምስትንታን እውን ይሕግዘና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ዕጉሳት ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። ነቲ ዛንታኦም እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ብኸመይ ትዕግስቲ ኸም እነርኢ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። w23.08 22 ¶10-11

ሰንበት 19 ጥቅምቲ

ምእንቲ ኽትገፍፉ መርበብኩም ኣውርዱ።—ሉቃ. 5:4።

የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ደገፍ የሆዋ ኣረጋገጸሉ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያትን ብተኣምራዊ መገዲ ዓሳ ኸም ዚሕዙ ገበሮም። (ዮሃ. 21:4-6) እዚ ተኣምር እዚ ንጴጥሮስ፡ የሆዋ ዜድልዮ ዘበለ ስጋዊ ነገራት ብቐሊሉ ኼማልኣሉ ኸም ዚኽእል ኣረጋጊጹሉ ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት እውን ነቶም “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ” ዚድልዩ ዘበሉ፡ የሆዋ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓላት ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 6:33) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ጴጥሮስ ነቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ዕዮኡ ዘይኰነስ፡ ንኣገልግሎቱ ቐዳምነት ሃበ። ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ብትብዓት መስከረ፣ ንኣሽሓት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ሓገዞም። (ግብ. 2:14, 37-41) ድሕሪኡ ድማ፡ ንሳምራውያንን ንኣህዛብን ክርስትያናት ኪዀኑ ሓገዞም። (ግብ. 8:14-17፣ 10:44-48) ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ንጴጥሮስ፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ናብታ ጉባኤ ንምምጻእ ኣጸቢቑ ተጠቒሙሉ እዩ። w23.09 20 ¶1፣ 23 ¶11

ሰኑይ 20 ጥቅምቲ

ነቲ ሕልሚ ምስ ትርጉሙ እንተ ዘየፍሊጥኩምኒ፡ ንስኻትኩም ክትቈራረጹ ኢኹም።—ዳን. 2:5።

ካብቲ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ዘጥፍኡሉ ግዜ ዳርጋ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ብሕልሚ ሓደ ገዚፍ ምስሊ ረኣየ፣ በዚ ሕልሙ እውን ተረበሸ። ነቶም ጥበበኛታት ከኣ፡ እንተላይ ንዳንኤል እውን ማለት እዩ፡ ሕልሙን ትርጉሙን እንተ ዘይነጊሮምዎ ንዅላቶም ኪቐትሎም ወሰነ። (ዳን. 2:3-5) ዳንኤል ቅልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ ነበሮ፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ህይወት ሰባት ምጠፍአ ነይሩ። ስለዚ፡ “ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እቲ ትርጉም ንንጉስ ኪነግሮስ፡ ግዜ ኺህቦ ለመኖ።” (ዳን. 2:16) እዚ ትብዓትን እምነትን ዚሓትት እዩ ነይሩ። ዳንኤል ቅድሚኡ ሕልሚ ኸም ዝተርጐመ ዚሕብር ጸብጻብ የልቦን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቶም ብጾቱ፡ “ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ጸልዮም ምሕረት ኪልምኑ ሓተቶም።” (ዳን. 2:18) የሆዋ ድማ ጸሎቶም መለሰሎም። ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ዳንኤል ንሕልሚ ነቡካድነጻር ተርጐሞ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ህይወት ዳንኤል ኰነ ህይወት ብጾቱ ደሓነ። w23.08 3 ¶4

ሰሉስ 21 ጥቅምቲ

እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ።—ማቴ. 24:13።

ትዕግስቲ ዜምጽኦ ጥቕምታት ሕሰበሉ። ዕጉሳት እንተ ዄንና፡ ሕጉሳትን ህዱኣትን ኢና እንኸውን። ስለዚ፡ ትዕግስቲ ንኣእምሮኣውን ንኣካላውን ጥዕናና ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ንሰባት እንተ ተዓጊስናዮም፡ ምሳታቶም ዝሓሸ ርክብ እዩ ዚህልወና። ኣብ ጉባኤና ብዝያዳ ሓድነት ይሰፍን። ንቝጥዓ ድንጕያት እንተ ዄንና፡ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ እቲ ጸገም ኣይጋደድን እዩ። (መዝ. 37:8፡ እ.ጽ.፣ ምሳ. 14:29) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ንመስሎ፡ ምስኡ እውን ብዝያዳ ንቃራረብ ኢና። ትዕግስቲ ብሓቂ ጽብቕትን ጠቓሚትን ባህርይ እያ! ትዕግስቲ ምግባር ወትሩ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብሓገዝ የሆዋ ግና ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብላ ንኽእል ኢና። ንሓዳስ ዓለም ብትዕግስቲ ኽንጽበያ ኸለና ኸኣ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ዓይኒ የሆዋ ንዚፈርህዎ፡ ነቶም ብተኣማንነት ንዜርእዮ ፍቕሩ ዚጽበዩ ትሕልዎም” ዚብል ቃላት ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝ. 33:18) እምበኣር፡ ኵላትና ወትሩ ዓቕሊ ንልበስ። w23.08 22 ¶7፣ 25 ¶16-17

ረቡዕ 22 ጥቅምቲ

እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።—ያእ. 2:17።

ያእቆብ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ከም ዘላቶ እኳ እንተ ተዛረበ፡ እምነቱ ብግብሪ ኸም ዘይኣርኣየ ሓበረ። (ያእ. 2:1-5, 9) ኣስዒቡ ድማ፡ ‘ሓው ወይስ ሓብቲ ኺዓርቁ፡ ናይ ዕለት ምግቢ እውን ኪስእኑ’ ርእዩስ ዋላ ሓንቲ ብዛዕባ ዘይሕግዝ ሰብ እውን ጠቐሰ። እቲ ሰብ እቲ እምነት ከም ዘላቶ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ብግብሪ ግና ኣይደገፋን፣ ስለዚ፡ እምነቱ ኸንቱ እያ። (ያእ. 2:14-16) ያእቆብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ረሃብ እምነታ ብግብሪ ብምርኣይ ሰናይ ኣብነት ከም እትዀነና ጠቐሰ። (ያእ. 2:25, 26) ንሳ ብዛዕባ የሆዋ ሰምዐት፡ ንእስራኤላውያን ይድግፎም ምንባሩ እውን ኣስተውዓለት። (እያ. 2:9-11) ድሕርዚ፡ እምነታ ብግብሪ ኣርኣየት። ነቶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ኽልተ እስራኤላውያን ሰለይቲ ኣዕቈበቶም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እታ እስራኤላዊት ዘይኰነት ዘይፍጽምቲ ሰበይቲ ኸም ኣብርሃም ጸደቐት። እቲ ንሳ ዝሓደገቶ ኣብነት ድማ እምነትና ብግብሪ ኸነሰንዮ ኸም ዘሎና የጕልሕ። w23.12 5-6 ¶12-13

ሓሙስ 23 ጥቅምቲ

ኣብቲ መሰረት ሱር ስደዱን ተሰረቱን።—ኤፌ. 3:17።

ብመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይንዓግብን ኢና። ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ “ንመዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ” ኽንፈልጦ ንህንጠ ኢና። (1 ቈረ. 2:9, 10) እሞ ደኣ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ዜኽእለካ ብሕታዊ መጽናዕቲ ስለምንታይ ዘይትጅምር፧ ንኣብነት፡ ንጥንታውያን ኣገልገልቱ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዝገለጸን ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዜርእን ክትምርምር ትኽእል ኢኻ። ነቲ የሆዋ ኣብ እስራኤል ዝሰርዖ ስርዓት ኣምልኾ ኽትምርምሮ፡ ምስዚ ሎሚ ኣብ ስርዓት ክርስትና ዘሎ እውን ከተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድራዊ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ እተፈጸመ ትንቢታት ብዕምቈት ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ርእሰ ነገራት እዚ ብሓገዝ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌርካ እንተ ኣጽኒዕካዮ፡ ብዙሕ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ጌርካ፡ እምነትካ ኺድልድል እዩ፡ “ፍልጠት ኣምላኽ እውን ክትረክብ ኢኻ።”—ምሳ. 2:4, 5። w23.10 18-19 ¶3-5

ዓርቢ 24 ጥቅምቲ

ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።—1 ጴጥ. 4:8።

እታ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ሓያል” ንምባል እተጠቕመላ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “እተመጥጠት” ማለት እያ። ኣብቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ጥቕሲ ኸኣ፡ ሓያል ፍቕሪ እንታይ ከም እተፍሪ ተጠቒሱ ኣሎ። ብዙሕ ሓጢኣት ኣሕዋት ከም እትኸድን ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ጌርና ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና፦ ንፍቕርና ኸም ዚምጠጥ ዓለባ ጌርና እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ። ነዚ ብኽልተ ኢድና ድሕሪ ምሓዝ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሓጢኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብዙሕ ሓጢኣት” ክሳዕ ዚኸድን ንመጥጦ ማለት እዩ። ትኸድን ኪብሃል ከሎ ድማ፡ ሕድገት ትገብር ማለት እዩ። ልክዕ ከምቲ ቝራጽ ዓለባ ንርስሓት ዚኸድን፡ ፍቕሪ ድማ ንድኽመትን ንዘይፍጽምናን ካልኦት ትኸድን እያ። ሓያል ፍቕሪ እንተ ኣልያትና፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትተና እኳ እንተ ዀነ፡ ንዘይፍጽምና ክርስትያናት ኣሕዋትና ይቕረ ኽንብል ንኽእል ኢና። (ቈሎ. 3:13) ንኻልኦት ይቕረ ምስ እንብለሎም ከኣ፡ ፍቕርና ሓያል ምዃናን ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ኸም እንደልን ነርኢ ኢና። w23.11 11-12 ¶13-15

ቀዳም 25 ጥቅምቲ

ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብኣ ኣንበበ።—2 ዜና 34:18።

ንጉስ ዮስያስ ምስ ዓበየ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ናይ ምሕዳስ ዕዮ ጀመሮ። እቲ ዕዮ ኺዕየ ኸሎ ኸኣ፡ እታ “ብሙሴ እተዋህበት መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ” ተረኽበት። ድሕርዚ፡ እቲ ንጉስ ካብታ መጽሓፍ ኪንበበሉ ኸሎ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ኸምቲ እተጻሕፈ ንምግባር ስጕምቲ ወሰደ። (2 ዜና 34:14, 19-21) እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ከተንብብ ትደሊዶ፧ ነዚ ትፍትኖ እንተ ኣሊኻ፡ ከመይ ይዀነልካ ኣሎ፧ ብብሕቲ ዚሕግዘካ ፍቕድታት ትምዝግብዶ ኣለኻ፧ ዮስያስ ወዲ 39 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ ህይወቱ ዘኽፈሎ ጌጋ ገበረ። ካብ የሆዋ መምርሒ ኣብ ክንዲ ዚሓትት ብርእሱ ተኣመነ። (2 ዜና 35:20-25) ካብዚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ብዕድመ ዓበይቲ እንተ ዀንና፡ ወይ ንነዊሕ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዝገበርና እንተ ዀንና፡ ብቐጻሊ ንየሆዋ ኽንደልዮ ኣሎና። መምርሒኡ ንምርካብ ኣዘውቲርና ኽንጽሊ፡ ቃሉ ብስሩዕ ከነጽንዕ፡ ካብ ምኽሪ ብሱላት ክርስትያናት ድማ ወትሩ ኽንጥቀም ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዓበይቲ ጌጋታት ካብ ምግባር ክንስተር፡ ሕጉሳት እውን ክንከውን ኢና።—ያእ. 1:25። w23.09 12 ¶15-16

ሰንበት 26 ጥቅምቲ

ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።—ያእ. 4:6።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዘፍቀራኦን ዘገልገላኦን ብዙሓት ዜደንቓ ኣንስቲ ተጠቒሰን ይርከባ። እዚኣተን “ወራዙት፡ ብዅሉ እውን እሙናት” እየን ነይረን። (1 ጢሞ. 3:11) ብተወሳኺ፡ ኣሓት ኣብ ገጉባኤአን፡ ኣርኣያ ኪዀናአን ዚኽእላ ብሱላት ክርስትያን ኣንስቲ ኺረኽባ ይኽእላ እየን። ኣትን መንእሰያት ኣሓት፡ ኣርኣያ ኪዀናኽን ዚኽእላ ብሱላት ክርስትያን ኣንስቲ ትፈልጣዶ፧ ነቲ ጽቡቕ ባህርያተን ኣስተብህላሉ። ትሕትና ኣገዳሲት መዳይ ክርስትያናዊ ብስለት እያ። ሓንቲ ሰበይቲ ትሕትቲ እንተ ዀይና፡ ምስ የሆዋን ምስ ሰባትን ጽቡቕ ርክብ እዩ ዚህልዋ። ንኣብነት፡ ንየሆዋ እተፍቅሮ ሰበይቲ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ብትሕትና ትድግፎ እያ። (1 ቈረ. 11:3) እቲ ስርዓት እቲ ኣብ ጉባኤ ዀነ ኣብ ስድራ ቤት ብንጹር ይዕየየሉ እዩ። w23.12 18-19 ¶3-5

ሰኑይ 27 ጥቅምቲ

ሰብኡት . . . ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ።—ኤፌ. 5:28።

የሆዋ ንሰብኣይ፡ ንሰበይቱ ኼፍቅር፡ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ድማ ዜድሊ ዘበለ ኼማልኣላ ይጽበዮ እዩ። ናይ ምምዝዛን ክእለት ምምዕባል፡ ንደቂ ኣንስትዮ ምኽባር፡ ርጡብ ምዃን ኣብ ሓዳርኩም ኪጠቕመኩም እዩ። ምስ ተመርዓኹም፡ ኣቦታት እውን ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንፉዕ ኣቦ ብዛዕባ ምዃን ካብ የሆዋ እንታይ ክትምሃሩ ትኽእሉ፧ (ኤፌ. 6:4) የሆዋ ንወዱ የሱስ ከም ዜፍቅሮን ከም ዚሰምሮን ብግህዶ እዩ ገሊጹሉ። (ማቴ. 3:17) ኣቦታት እንተ ዄንኩም፡ ንደቅኹም ከም እተፍቅርዎም ኣዘውቲርኩም ኣረጋግጹሎም። ስለቲ ዚገብርዎ ጽቡቕ ነገራት ብተደጋጋሚ ንኣድዎም። ኣብነት የሆዋ ዚስዕቡ ኣቦታት ንደቆም ናብ ብስለት ኪዓብዩ ይሕግዝዎም እዮም። ስለዚ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስድራ ቤትኩምን ኣብ ጉባኤኹምን ንዚርከቡ ኻልኦት ብፍቕሪ ብምክንኻን፡ ፍቕርኹምን ሞሳኹምን እውን ብምግላጽ፡ ነቲ ደሓር ዚመጽእ ሓላፍነት ካብ ሕጂ ኽትዳለዉ ትኽእሉ ኢኹም።—ዮሃ. 15:9። w23.12 28-29 ¶17-18

ሰሉስ 28 ጥቅምቲ

[የሆዋ] ርግኣት ግዜያትካ እዩ።—ኢሳ. 33:6።

እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ሰብና ጸገማትን ሕማምን የጋጥመና እዩ። ካብቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጸልኡ ሰባት እውን ተቓውሞ ወይ መስጐጕቲ የጋጥመና እዩ። የሆዋ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ዘይጋርደና እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ዚሕግዘና ግና ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 41:10) ብሓገዙ ድማ ሓጐስና ኽንዕቅብ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ንዕኡ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰላም ኣምላኽ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ነገር ከም ዚህበና ቓል ኣትዩ ኣሎ። (ፊል. 4:6, 7) እዚ ሰላም እዚ ነቲ ምስኡ ኻብ ዘሎና ርክብ ዚምንጭው ህድኣትን ቅሳነትን እዩ ዜመልክት። ብዘይካዚ ድማ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ማለት ከኣ ካብቲ ኽንሓስቦ እንኽእል ንላዕሊ ዜደንቕ እዩ ማለት እዩ። ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ድሕሪ ምቕራብካ፡ ዜደንቕ ህድኣት ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ እቲ ስምዒት እቲ፡ “ሰላም ኣምላኽ” እዩ። w24.01 20 ¶2፣ 21 ¶4

ረቡዕ 29 ጥቅምቲ

ነፍሰየ፡ ንየሆዋ ወድስዮ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ እውን፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ።—መዝ. 103:1።

እሙናት ሰባት በቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ንስሙ ብምሉእ ልቦም ይውድስዎ እዮም። ንጉስ ዳዊት፡ ንስም የሆዋ ምውዳስ፡ ንየሆዋ ንባዕሉ ምውዳስ ማለት ከም ዝዀነ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ስም የሆዋ መጸውዒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱን ዜደንቕ ተግባራቱን እዩ ዜዘኻኽረና። ዳዊት ንስም ኣቦኡ ኪቕድሶ ወይ ኪውድሶ ይደሊ ነይሩ እዩ። “ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ . . . ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ” ኪብል ከሎ፡ ብምሉእ ልቡ እዩ ንየሆዋ ኺውድሶ ዚደሊ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ሌዋውያን ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ መሪሕ ግደ እዩ ነይርዎም። ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ዚግብኦ ውዳሰ፡ ብቓላት ምሉእ ብምሉእ ኪግለጽ ከም ዘይከኣል ብትሕትና ተኣሚኖም እዮም። (ነህ. 9:5) እዚ ብትሕትና ዝቐረበ ልባዊ ውዳሰ ንልቢ የሆዋ ኸም ዘሐጐሶ ኣየጠራጥርን እዩ። w24.02 9 ¶6

ሓሙስ 30 ጥቅምቲ

በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ።—ፊል. 3:16።

ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ሸቶ ኽትወቅዕ ብዘይምኽኣልካ፡ የሆዋ ኣትሒቱ ኣይርእየካን እዩ። (2 ቈረ. 8:12) ንዕንቅፋት ከም ትምህርቲ ጌርካ ርኣዮ። ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝበጻሕካዮ ኣይትረስዓዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ግብርኹም . . . ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” ይብለና። (እብ. 6:10) ንስኻ እውን ንግብርኻ ኽትርስዖ የብልካን። ብዛዕባ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝዓመምካዮ ሕሰብ፦ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኣማዕቢልካ፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ነጊርካ፡ ወይ እውን ናብ ጥምቀት በጺሕካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ዕቤት ዝገበርካን ሸቶታትካ ዝወቓዕካን፡ ናብዚ ናይ ሕጂ ሸቶኻ እውን ክትግስግስ ትኽእል ኢኻ። ብሓገዝ የሆዋ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ። ናብ መንፈሳዊ ሸቶኻ ኽትግስግስ ከለኻ፡ በቲ ኣብቲ ጕዕዞ ኻብ የሆዋ ዝረኸብካዮ ሓገዝን በረኸትን ተሓጐስ። (2 ቈረ. 4:7) እንተ ዘይተሓሊልካ ኸኣ፡ ዝዓበየ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።—ገላ. 6:9። w23.05 31 ¶16-18

ዓርቢ 31 ጥቅምቲ

ንስኻትኩም ንዓይ ስለ ዝፈቶኹምንን ወኪል ኣምላኽ ኰይነ ኸም ዝመጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን፡ ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ።—ዮሃ. 16:27።

የሆዋ ነቶም ዚፈትዎም ስምረቱ ይገልጸሎም እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ፡ ንየሱስ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ማቴ. 3:17፣ 17:5) ንስኻኸ የሆዋ ስምረቱ ኺገልጸልካ ምደለኻዶ፧ የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣይዛረበናን እዩ፣ ብቓሉ ኣቢሉ ግና ይዛረበና እዩ። ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ቃላት የሱስ ከነንብብ ከለና፡ ከም ዚሰምረና “ኽንሰምዕ” ንኽእል ኢና። የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ዘይፍጹማት ክነሶም እሙናት ዝዀኑ ሰዓብቱ ስምረቱ ኸም ዝገለጸሎም ከነንብብ ከለና፡ የሆዋ ኸምኡ ኸም ዝበለና ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 15:9, 15) መከራ እንተ ኣጋጢሙና፡ ስምረት ኣምላኽ ስኢንና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ኣብኡ ዘሎና እምነትን ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኸነርኢ እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና።—ያእ. 1:12። w24.03 28 ¶10-11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ