ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/8 ገጽ 31
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ቃል ኣምላኽ ኣንብብ ብሓቂ ድማ ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ሓቂ ደጊም ኣገዳሲት ድያ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/8 ገጽ 31

ትዝክሮዶ፧

ነቶም ናይ ቀረባ እዋን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ምንባብ ተሓጕስካሉዶ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: ነዞም ዝስዕቡ ምዝካሮም ኣገዳሲ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ:-

▫ ሃይማኖታዊ ሓቂ ክብጻሕ ዝኽእል ድዩ፧

የሱስ ክርስቶስ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ። (ዮሃንስ 8:32) የሱስ ሓቂ ክትርከብ እትኽእል ምዃና ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምላኾ እውን ክንረኽባ ኣድላዪት ምዃና ኢዩ ዘመልከተ። ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ‘ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ’ ኢዮም በላ። (ዮሃንስ 4:23)​—⁠4/15, ገጽ 5 (እንግሊዝኛ)

▫ ሮበርት ኤስታይን መን ኢዩ: ኣሰሩ ዝሓደገኸ ብኸመይ ኢዩ፧

ሮበርት ኤስታይን ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘበን ዝነብር ዝነበረ ሓታማይ ኢዩ። ህይወቱ ንናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መጻሕፍቲ ወፍዩ ኢዩ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ከምቲ መጀመርታ እተጻሕፍሉ ገይሩ ንኸቕርብ ከኣ ጽዒሩ ኢዩ። እቲ ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቍጽርታታ ናይ ምፍላይ ኣገባቡ እቲ ክሳዕ ሎሚ ብሓፈሻ ዝዓዪ ዘሎ ኣገባብ ኢዩ።​—⁠4/15, ገጽ 10, 14 (እንግሊዝኛ)

▫ ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

ቅዱሳት ጽሑፋት: ብዘይ ምቍራጽ ካልእ ሓድሽ ትርጕም ኢዩ ዝህብ: ብመሰረት እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ብብሕትና እተመኰርናዮን ከኣ እቶም ነዚ ዳሕሮት መዓልትታት ዝምልከቱ ትንቢታት ዝያዳ መሰጥቲ ኢዮም ዝዀኑ። እቲ ኣብ ህይወት ዘሎና ተመኵሮ ክሰፍሕ ከሎን ምስ ግድላት ብዓወት ክንጋጠም ከሎናን: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ዝያዳ ኢና እነማስወሉ። (ምሳሌ 4:18)​—⁠5/1, ገጽ 10

▫ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢዮም ክዝከሩ ዝኽእሉ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ: ብፍላይ ክትዝክሮም እትደሊ ጥቕስታት ኣመልክተሎም: ወይ ድማ ኣብ ካርድታት ቅድሓዮም: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ እትርእዮ ስፍራ ከኣ ኣቐምጦም። ነቶም ጥቕስታት ክትዝክሮም ክትፍትን ከሎኻ ኣስተንትኖምን ተጠቐመሎምን። ብሓንሳብ ብዙሕ ክትዝክር ኢልካ ኣይትሃቅን: ምናልባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት ጥራይ ክትዝክር ፈትን።​—⁠5/1, ገጽ 11,12

▫ ወንጌል ሉቃስ: ኣብ ርእሲ እቲ ካልኦት ጸሓፍቲ ወንጌል ዘቕረብዎ: እንታይ ሓበሬታ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧

እቲ ብሉቃስ እተመዝገበ ሽሕ’ኳ ዝበዝሐ ምስቲ ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ ዝመሳሰል እንተዀነ: 59 ካብ ሚእቲ ግን እተፈልየ ኢዩ። ሉቃስ ኣብ መጽሓፉ ጥራይ ዝርከባ: ሽዱሽተ ተኣምራትን ልዕሊ ዕጽፊ ዝኸውን ብኻልኦት ጸሓፍቲ ወንጌል ዘይተጠቕሰ ናይ የሱስ ምሳሌታትን መዝጊቡ ኣሎ።​—⁠5/1, ገጽ 19

▫ ብ1935 ከመይ ዝበለ ጕሉሕ ነጸብራቕ ብርሃን ናይ ሓቂ ኢዩ እተገልጸ፧

ኣብታ ዓመት እቲኣ ህዝቢ የሆዋ: እቶም ኣብ ራእይ 7:​9, 14 ተጠቒሶም ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ: ካልኣይ ደረጃ ናይ ሰማያዊ ክፍሊ ዘይኰኑስ: ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ከም ዝዀኑ ተረድኡ። (ዮሃንስ 10:16)​—⁠5/1, ገጽ 27

▫ ነቶም ዝሓዘኑ በየናይ ተግባራዊ መገድታት ገይርና ኢና ከነጻናንዕ እንኽእል፧

ጽን በል። መረጋገጺ ሃብ። እግሪ ኣይተሕጽር። ከድሊ ኸሎ ተበግሶ ውሰድ። ዘጸናንዕ ደብዳበ ወይ ካርድ ጽሓፍ። ምስኦም ኴንካ ጸሊ። (ያእቆብ 5:16) ምሕጋዞም ቀጽል።​—⁠6/1, ገጽ 13, 14

▫ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ኣብ ብሃይማኖት እተኸፋፈላ ስድራቤታት ዝነብሩ ሰባት ኽጽመሙ ንምሕጋዞም እንታይ ክገብሩ ምኸኣሉ፧

ስርዓታዊ ኴንካ ዘተባብዕ: ኣወንታዊ: ከምኡውን ዘጸናንዕ ቃላት ተዛረቦም። (1 ተሰሎንቄ 5:14) እዚ ንኣእምሮኦምን ኣካላቶምን ከም ዕረፍቲ ኰይኑ ኢዩ ዝዓዪ። ተግባራውን ግቡእን ምስ ዝኸውን: ኣብ ቲኦክራቲካውን ማሕበራውን ንጥፈታትካ ተማላኣዮም። ኣብ ጸሎትካ ድማ ዘክሮም። (ሮሜ 1:9፣ ኤፌሶን 1:16)​—⁠6/1, ገጽ 31

▫ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከሎና ትዕግስቲ ብምርኣይ እንታይ ፍረ ኢዩ ዝርከብ፧

ትዕግስቲ: ነቶም ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ: ንዝዀነ ዘይምግዳስን ተጻራርነትን ንኽጻወሩ ትሕግዞም ኢያ። ምስቶም ቁጥዓት ሰብ ቤት ኣብ ክንዲ ዝካትዑ: ዕጉሳት ኣገልገልቲ ህዱእ መልሲ ይህቡ ወይ ቀስ ኢሎም ይኸዱ: በዚ ድማ ሰላምን ሓጐስን ይርከብ። (ማቴዎስ 10:​12, 13) ብተወሳኺ: ኣባጊዕ መሰል ሰባት ናብቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ የድህቡ።​—⁠6/15, ገጽ 9 (እንግሊዝኛ)

▫ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምፍላጥ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

ሓቂ ምፍላጥ ካብ ሓሶትን ምትላልን ካብ ማሪትን ናጻ ይገብረና። ብእኡ እንተድኣ ተመላሊስና: ሓቂ ሽግራት ንኽንጻወር የበርትዓና በቲ ኣብ ትሕቲ ፈተና ደው ክንብል ዘኽእለና ተስፋ ገይሩ ኸኣ የነቓቕሓና።​—⁠7/1, ገጽ 8 (እንግሊዝኛ)

▫ ማሕበር ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያን ካብቶም ብትውልዲ እስራኤላውያን ዝወሰድዎ ቀንዲ ሓላፍነት እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ማእከል ህዝብታት ዕብየት የሆዋ ናይ ምምስካር መሰል ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:21፣ 1 ጴጥሮስ 2:9)​—⁠7/1, ገጽ 13

▫ እተን ሰብኣይ ንሰበይቱ ‘የኽብራ’ ዝብላ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ቃላት: እንታይ ኢየን ዘመልክታ፧ (1 ጴጥሮስ 3:⁠7)

ንሰበይቱ ዘኽብር ሰብኣይ: ኣየናእሳን ወይ ኣየዋርዳን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ብቓላቱ ይኹን ብተግባራቱ​—⁠ኣብ ብሕትን ኣብ ቅድሚ ሰብን​—⁠ከም ዘኽብራ ኢዩ ዝገልጽ። (ምሳሌ 31:​10-31)​—⁠7/1, ገጽ 29

▫ ንሓደ ዘይናሳሕ በደለኛ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስጓግ ፍቕራዊ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

ምውጋድ ንየሆዋን መገድታቱን ዘሎካ ፍቕሪ መግለጺ ኢዩ። (መዝሙር 97:10) ነቲ ሕማቕ ጽልዋ ከምጽእ ዝኽእል ሰብ ካብ ማእከሎም ዘርሕቕ ስለ ዝዀነ ነቶም ንጽድቃዊ መገዲ ዝስዕቡ ፍቕሪ ዘርኢ ኢዩ፣ እዚ ንንጽህና ናይታ ጉባኤ እውን ይከላኸል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:​1-13)​—⁠7/15, ገጽ 25 (እንግሊዝኛ)

▫ እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:​45-47 የሱስ ተዛሪቡሉ ዘሎ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” [ትሓዓ ] ሎሚ ብኸመይ ክልለ ይከኣል፧

ብፍላይ በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብምቕራብ ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ብምምሃርን ብምስባኽን ዝሰርሖ ስራሕ ከምኡውን በቲ ምስ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዘለዎ ጥብቂ ርክብ ኢዩ ዝልለ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:​19, 20)​—⁠8/1, ገጽ 16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ