ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/12 ገጽ 26-29
  • ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈሳዊ እስራኤል
  • ዓለም ነቲ ፍልልይ ክትርእዮ ትኽእል ኢያ
  • ገሊኣቶም ዝውገዱ ስለምንታይ ኢዮም
  • ጽድቂ የሆዋ ምቕባል
  • ብጽድቂ የሆዋ ባህ ይበልካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ወትሩ ተግሳጽ የሆዋ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ብምሉእ ልብኻ ጽድቂ ፍቶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ጽድቂ ምድላይ ዕቝባ ይዀነና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/12 ገጽ 26-29

ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ

ብዙሕ መዓልትታት ዝናብ ድሕሪ ምዝናቡ: ንግሆ ተበራቢርካ ኣብ ደበና ዘይብሉ ሰማይ ጸሓይ ከተንጸባርቕ ክትርእስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! ምድሪ ተሓዲሳ: ኣትክልቲ ድማ ሕጂ መቺእዎም ክበቝሉ ይኽእሉ። ሓደ ግዜ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ናይ ጽድቃዊ ግዝኣት በረኸታት ንምግላጽ ከምዚ ዝበለ መግለጺ ተጠቒሙ ኢዩ። ንንጉስ ዳዊት ከምዚ በሎ:- “እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብጽድቂ ዚነግስ: እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዚነግስ: ንሱ ኸምቲ ደበና ዜብሉ ብጊሓት ጸሓይ እትበርቀሉ ጊዜ: እቲ ብድሕሪ ዝናም ብነጸብራቑ ኻብ ምድሪ ሳዕሪ ዜብቍለሉ: ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።”​—⁠2 ሳሙኤል 23:​3, 4

ቃላት ኣምላኽ ኣብ እዋን ጽድቃዊ ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን: ወዲ ዳዊት: ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ይህብ:- “ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ።”​—⁠1 ነገስት 4:⁠25

ጥንታውያን እስራኤል ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። ሕግታቱ ሂብዎም ኢዩ: ንድምጹ እንተድኣ ተኣዚዞም ድማ: “ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ” ከብሎም ምዃኑ ተዛሪብዎም ኢዩ። (ዘዳግም 28:⁠1) ናይ እስራኤል ጽድቂ ዘይኰነስ ናይ የሆዋ ጽድቂ ኢዩ ልዕል ዘበሎም። እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዛት ካብቲ ሕግታት ናይቶም ኣብቲ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ኣዝዩ ዝለዓለ ኢዩ ነይሩ። ከም ሰባት መጠን: ልክዕ ከም ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ዘይፍጹማት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ: ዋጋ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ልዕል ምባሎም ነቲ ናይ የሆዋ ዝለዓለ ሕግታትን ንእኡ ምስዓቦምን ዝወሃብ ኢዩ። ንሕግታት የሆዋ ምስ ዝእዘዙ: ስምረቱን በረኸቱን የስተማቕሩ ነበሩ። ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ግዜ ግዝኣቱ ነዚ ተመኲርዎ ኢዩ። ንሱ “ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ” ክብል ከኣለ: ይኹን እምበር “ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።​—⁠ምሳሌ 14:⁠34

ዘሕዝን ግን: ናይ ዘይምእዛዝ ተደጋጋሚ ግብርታት ብምፍጻም: ህዝቢ እስራኤል ናብ ዝተሓተ ቦታ ወሪዶም ነበሩ። ሃገራዊ ውርደት ኣሕሊፎም ኢዮም። እዚ ኣብ መወዳእታ ናብቲ ንጥቕሚ ሓደ ሓድሽ መንፈሳዊ ሃገር እተገብረ ነባሪ ንጽገቶም ኣምርሐ።​—⁠ማቴዎስ 21:⁠43

መንፈሳዊ እስራኤል

ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣኼባ: እቲ ኣይሁዳዊ ትውልዲ ዝነበሮ ያእቆብ: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ብምዃን: ኣምላኽ “ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ከውጽእ [ቈላሕታኡ ናብ ኣህዛብ ከም ዝገበረ ትሓዓ ]” ተዛረበ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓድሽ ክርስትያናዊ ህዝቢ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኢሉ ጸውዖ። (ገላትያ 6:16) ጴጥሮስ ነቲ ናይ ምጽውዖም ዕላማ ኣመልኪቱ “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ: ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠9) ከም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ መጠን: ኣብ ዓለም ከም ብርሃናት ኰይኖም ከንጸባርቑ ነበሮም። ጽድቂ የሆዋ ድማ ልዕል የብሎም።​—⁠ፊልጲ 2:⁠15

እቲ ናይዞም መንፈሳውያን እስራኤል ምሕራይ ምስ ናይ ኣልማዝ ማዕድን ምዅዓት ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ኣልማዝ ዝሓዘ ብዙሕ ዘይተጻረየ ማዕድን ተዃዒቱ ንደገ ምስ ወጸ: ካብ 3 ቶን ዝኽብደቱ ሓመድ 1 ካራት (200 ሚሊግራም) ጥራይ ኢዩ ዝርከቦ። ኣልማዝ ዘለዎ ሕዋስ ንምፍላይ ሓደ ግዜ ዝዝውተር ዝነበረ ሜላ እቲ ዘይተጻረየ ማዕድን ምስ ማይ ይሕወስ እሞ ነቲ ሕዋስ ኣብ ቅብኣት ዘለዎ ሰደቓ ምፍሳስ ኢዩ። ኣልማዝ ምስ ማይ ኣይሕወስን ኢዩ: እቲ ዘይተደልየ ነገር ተሓጺቡ ክኸይድ ከሎ እቲ ኣልማዝ ግን ምስቲ ቅብኣት ይጠብቕ። ኣብዚ ደረጃ እዚ እቲ ኣልማዝ ሻሕካር ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስ ተጸርበን ምስ ተወልወለን: ብዅሉ መኣዝናት ኢዩ ብርሃን ዘንጸባርቕ።

ከምቲ እቲ ምስ ማይ ዘይሕወስ ኣልማዝ: ናይቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ነገራት ክፍሊ ዘይኰነ ህዝቢ የሆዋ ድማ ካብ ዓለም ተፈልዮም ኢዮም። (ዮሃንስ 17:16) መጀመርታ ናብ ብርሃን ምስ መጹ: ነጸብራቕ ጐዲልዎም ይኸውን ኢዩ። ይኹን እምበር ናይ የሆዋ ቃልን መንፈሱን ኣብ ውሽጦም ሓድሽ ሰብኣዊ መንነት ስለ ዝፈጥረሎም: ከም ብርሃናት ኰይኖም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢዮም ዝበርሁ። ክብ ኢሎም ዘለዉን ነቲ ዘገርም ብርሃን ሓቂ ናይታ መንግስቲ ድማ ብዅሉ ማኣዝናት ዘንጸባርቑ ኰይኖም ዘለዉን ብናቶም ጽድቂ ዘይኰነስ ብናይ የሆዋ ጽድቂ ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ካብቲ ዳሕረዋይ እዋን ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ: ክሕደት ናብተን ጉባኤታት ሰሊኹ ብምእታው: ንብዙሓት ተንኪፉ ኢዩ። ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት ምስ ናይ ዓለም ህዝብታት ተዋሃሂዶም ኢዮም: ካብታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለም ክትፈልዮም ድማ ኣይተኻእለን።

ሎሚ ናይ መንፈሳውያን እስራኤል እሙን ተረፍ ስምረት የሆዋ ረኺቦም ኣለዉ። ገዛእ ርእሶም ካብ ዓለም ፈልዮም: “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ” ድማ ርእሶም ኣንጺሆም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 7:⁠1) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃትን ቅኑዓትን ብምዃን: ጽድቁ ሒዞም ኢዮም። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዓለም ናብ ዝለዓለ ናይ ስምረት ቦታ ክብ ኣቢልዎም ኣሎ። በቲ ናይ ብስራት መንግስቲ ቀናእ ስብከቶም: ሓደ ዓቢ ኣህጉራዊ ጭፍራ ናብ የሆዋ ብምምጻእ ናይ ህዝቡ ክፍሊ ኰይኑ ኢዩ።​—⁠ራእይ 7:​9, 10

ዓለም ነቲ ፍልልይ ክትርእዮ ትኽእል ኢያ

ዓለማውያን ሰበ-ስልጣናት ሓድሓደ ግዜ ነቲ ናይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጠባይ ኣመስጊኖምዎ ኢዮም። ገለ ግዜ ይገብር: እቲ ናይ ፕሪቶርያ: ደቡብ ኣፍሪቃ: ናይ ሜዳ ትርኢት ቀንዲ ናይ ጸጥታ ሓላፊ: ንጠባይ ናይቶም ንዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታቶም ነቶም መሳለጥያታት እቲኣቶም ንኽጥቀምሎም ካብ ኵሉ ዓሌታት ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመልኪቱ ርእይቶ ሃበ። ካብ መንጎ እቲ ካልእ ነገራት: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምቕሉል ነይሩ: ከምኡ ድማ ኢዩ: ኣብ ንሓድሕዶም ብጽቡቕ ዝዛረቡ ሰባት: እቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት እተራእየ ጠባይ​—⁠ብምሉኡ ናይ ማሕበርኩም ኣባላት ናይ ኣእምሮ መጠነ⁠-​ክእለት ዝምስክር ኢዩ: ኵሎም ድማ ከም ሓንቲ ሕጕስቲ ስድራቤት ሓቢሮም ዝነብሩ ኢዮም።”

ህዝቢ የሆዋ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓበይቲ ኣኼባታት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብሕታዊ ናብራኦም እውን ነቲ ናይ ህዝቡ ጽድቂ ግዲኦም ከበርክቱ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: እቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ካብ ሓንቲ ኣብ ጆሃንስበርግ ዘላ ወይዘሮ: ከምዚ ዝብል ደብዳበ ተቐበለ:- “ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መኪናይ ቦርሳይ ጠፍኣኒ። ኣብ ጐደና ጃን ስማትስ ኢዩ ወዲቑ: ሓደ ኣቶ እገለ እተባህለ ኣባል ጉባኤኹም ድማ ምስቲ ኵሉ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ትሕዝቶ ኣልዓሎ: ናባይ ደዊሉ ድማ እቲ ንብረት መለሰለይ። ነዚ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘይርከብ ባህርይ ኰይኑ ዘሎ: ቅንዕና: ኣዝየ ኢየ ዘማስወሉ ከምኡውን ነቲ ኣባላትኩም ዝስዕብዎ መምርሒታት ብምስራዓ ንጉባኤኹም እንእዳ ኢየ።”

እወ: ነቲ ጽድቃዊ መምርሒታት የሆዋ ብምስዓብ: ህዝቡ ካብ ዓለም ፍሉያት ኰይኖም ኣለዉ። እዚ ጽድቂ የሆዋ ዘርኢ ብምዃኑ: ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይመጹ ኣለዉ። ብሓደ ጽሩይን ጽፉፍን ዝዀነ ነገር ክትስሓብ ባህርያዊ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ግዜ ሓደ ጋሻ ናብ ሓደ ኣብ ዙሪች: ስዊዘርላንድ: ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ መጸ እሞ: ናይታ ጉባኤ ኣባል ክኸውን ከም ዝደሊ ድማ ተዛረበ። ሓብቱ ብምኽንያት ርኽሰት ከም እተወገደት ገለጸ እሞ: ቀጺሉ ድማ ምስ ሓንቲ “ሕማቕ ጠባይ ዘይትጸውር” ማሕበር ክሓብር ከም ዝደሊ ተዛረበ። ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፐድያ እውን ከይተረፈ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ካብቶም ኣብ ዓለም ዝበለጸ ጠባይ ዘለዎም ጕጅለታት” ምዃኖም ኣፍልጦ ይህብ ኢዩ።

ጽድቂ ልዕል ከብል ከሎ: ሓጢኣት: ብፍላይ ድማ ከቢድ በደል ኣብቲ ማሕበረሰብ ፍሉጥ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ ናይ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ስም ከዋርዶ ይኽእል ኢዩ። ውልቃውያን ኣባላት ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝፍጽሙ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝመጽእ ሕፍረት ትስከም ኢያ። እቶም ናይታ ጉባኤ እሙናት ኣባላት: እቲ በደለኛ ምሕረት ብዝመልኦ መገዲ: ማለት ምስቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ብምስምማዕ: ከም እተቐጽዐ ብምርኣይ ንጽቡቕ ስም ናይታ ጉባኤ ክከላኸሉ ከም ዝኽእሉ ርዱእ ኢዩ። ሓደ ሰብ ሓጢኣት ዝገብር እሞ ዘይናሳሕ እንተድኣ ዀይኑ: ካብታ ጉባኤ ከልግስ​—⁠ክውገድ​—⁠ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 5:​9-13

ገሊኣቶም ዝውገዱ ስለምንታይ ኢዮም

ሽሕ’ኳ ኣሽሓት ዝኣኽሉ ሰባት ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዓመት ዓመት እንተ ተወገዱ: ናይቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ መሰኻኽር ገለ ሚእታዊት ኢዮም። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዘሎ ዝዀነ ሰብ ከምዚ ዝበለ ተሪር ስጕምቲ ክውሰድ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ናይቲ በደል ኵነታት ሓደ ካብቶም ወሰንቲ ረቛሒታት ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እቲ በደለኛ በቲ ተፈጺሙ ዘሎ ከቢድ በደል ናይ ሓቂ ነስሓ ምርኣዩን ዘይምርኣዩን ኢዩ። ብሓቂ እንተድኣ ተጣዒሱ: ነቲ ኣንጻር የሆዋ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ይቕሬታ ብምልማን ልባዊ ብዝዀነ ጸሎት ናብኡ እንተድኣ ተመሊሱ: ከምኡውን ናይቶም ኣብታ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰብኡት ሓገዝ እንተድኣ ሓቲቱ: ስምረት ኣምላኽ እንደገና ክረክብን ናይታ ጉባኤ ኣባል ኰይኑ ክቕጽልን ክሕገዝ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 28:13፣ ያእቆብ 5:​14, 15

ምስ ኣቦኡ ጽቡቕን ጥዑይን ዝምድና ዘለዎ ቈልዓ ነቲ ኣቦ ዘጕሂ ገለ ነገር ምስ ዝገብር: ክልቲኦም ነቲ ክቡር ዝምድና ንምምላስ ቅልጡፋት ክዀኑ ኣለዎም። ብተመሳሳሊ: ህይወትና ንየሆዋ ክንውፊ ከሎና: ምስኡ ኣዝዩ ክቡር ዝምድና ኢና መስሪትና። ስለዚ: ንእኡ ዘጕሂ ገለ ነገር ምስ እንገብር: ነቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ዝምድና ንምምላስ ቐልጢፍና ስጕምቲ ክንወስድ ኣሎና።

ዘሕጕስ ድማ: ተወጊዶም ዝነበሩ ገለ ሰባት ነቲ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ምሳሌ ኣቕሊቦምሉ ኢዮም። ኣብቲ ምሳሌ: የሆዋ በቲ ሓደ እተናስሐ ሓጢኣተኛ እንተድኣ ተመሊሱን ናይ ኣምላኽ ይቕሬታ ድማ ደልዩን ንኽቅበሎ ድልው ዝዀነ ፈቃር ኣቦ ኢዩ ተመሲሉ ዘሎ። (ሉቃስ 15:​11-24) ናይ ሓቅን ልባውን ነስሓ ከምኡውን ካብ ሕማቕ ዘበለ ምርሓቕ ናብ ስምረት የሆዋ ዘውህብን ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝመልስን መገዲ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ናይ ገበኖም ጾር ከም እተደቝሱ እተሰምዖም ገለ እተናስሑ በደለኛታት ክናስሑ ተለዓዒሎምን ናብቲ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፈቃር ሃዋሁ ክምለሱ ድማ ስጕምቲ ወሲዶምን ኢዮም። በዚ ኸምዚ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 57:⁠15 ዘሎ ናይ የሆዋ ቃላት ከማስውሉ ክኢሎም ኢዮም።

ሰባት ናብቲ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ሓልዮት ንኸይምለሱ ምእንቲ ክኽልክሎም: ሰይጣን እቲ እተፈጸመ ሓጢኣት ይቕሬታ ከም ዘይረክብ ከምስል ኢዩ ዝደሊ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ናይ ዝዀነ እተናስሐ ሰብ ሓጢኣት​—⁠እወ: ነቲ እተወርሰ ናይ “ኵላ ዓለም” ሓጢኣት እውን ከይተረፈ​—⁠ንምሽፋን እኹል ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:​1, 2) እቲ ብበጅነት ዘይሽፈን ሓጢኣት: ከም ናይ በዓል ይሁዳ ኣስቆሮታውን ናይ ብዙሓት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝኣመሰለ: ኣብ ልዕሊ ዕዮ መንፈስ ኣምላኽ ኰነ ኢልካ ዝግበር ዓመጽ: ኣንጻር መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ዝዀነ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 12:​24, 31, 32፣ 23:​13, 33፣ ዮሃንስ 17:⁠12

ጽድቂ የሆዋ ምቕባል

እቶም ተረፍ መንፈሳውያን እስራኤል ብ1919 እንደገና ስምረት የሆዋ ስለ ዝረኸቡ: ካብታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለም ኣዝዮም ዝለዓሉ ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። እዚ ድማ ብወገኖም ብእተገብረ ዝዀነ ጽቡቕ ነገር ዘይኰነስ በቲ ንሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ዘርኣይዎ ናይ ፍታው ተገዛእነት ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ: ሚልዮናት ዝኣኽሉ ናይ ክርስቶስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ከም እሙናት ብጾቶም ብምዃን ምስቶም መንፈሳውያን እስራኤል ይሓብሩ ኣለዉ። (ዮሃንስ 10:16) እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ሓንቲ ካብ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኣዝያ ርሒቓ ዘላ ዓለም: ንየሆዋ ውዳሰን ክብርን ዘምጽኡ ኢዮም። እዚ ከምቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፐርሰናሊቲ እተባህለ መጽሔት ዝበሎ ኢዩ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጽቡቕ ባህርያት ዝመልኡ ኢዮም ዝመስሉ: ዳርጋ ካብ ሕማቕ ጠባይ ድማ ዝረሓቑ ኢዮም።”

ኣብ ሓንቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ነዚ ዝለዓለ ቦታ እዚ ንምዕቃብ: ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽፉፍን ቅኑዕን ዝዀነ ናብራ ክነብር የድልዮ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ብጽሩይ ነገራት ኢያ ተመሲላ ዘላ። ጸሓይ እተወንዘፈትን ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ድማ ወርሒ ዘለዋ ምልክዕቲ ሰበይቲ መሲላ ኢያ እትርአ። (ራእይ 12:⁠1) እታ ሓዳስ የሩሳሌም ከም ውቁብ ትርኢት ዘለዋ ቅድስቲ ከተማ ኢያ ተገሊጻ ዘላ። (ራእይ 21:⁠2) እቶም እሙናት ኣባላት መርዓት ክርስቶስ ድማ “ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን” ኢዩ ተዋሂብዎም። (ራእይ 19:⁠8) እቶም ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ኸኣ “ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም” ኢዮም ተራእዮም። (ራእይ 7:⁠9) ናይ ጽድቂ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ናብ ሓንቲ ጽርይቲ ማሕበር ይመጹ ኣለዉ። ምስኣ ብምንጽጻር ማሕበር ሰይጣን ርኽስቲ ኢያ። እቲ ሃይማኖታዊ ኣገባቡ ከም ኣመንዝራ ኢዩ ተመሲሉ ዘሎ: እቶም ካብታ ቅድስቲ ከተማ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ድማ: ከም ግዕዙያትን ርኹሳትን ኢዮም ተገሊጾም ዘለዉ።​—⁠ራእይ 17:1፣ 22:⁠15

ነቶም ጻድቃን ናይ ዘለኣለም ህይወት መብጽዓ ኣለዎም። እቶም ንጽድቂ ኣምላኽ ዝሓዙ እኩባት ሰባት ካብቲ ናይዚ እኩይ ኣገባብ መወዳእታ ናይ ምድሓን ተስፋ ኣለዎም። ኣምላኽ ኣብ ምሳሌ 1:⁠33 “እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር: ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ” ብምባል ይመባጻዕ።

እቲ ዓቢ ሰሎሞን: የሱስ ክርስቶስ: ኣብ ልዕሊ እታ ሓዳስ ዓለም ብጽድቂ: ብፍርሃት የሆዋ: ክገዝእ ከሎስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ክኸውን ኢዩ! (2 ጴጥሮስ 3:13) ከምቲ ጸሓይ ምስ በረቐት ዘሎ ናይ ንግሆ ብርሃን: ደበና ዘይብሉ ጊሓት ክኸውን ኢዩ። ብምሳልያዊ መገዲ: ኵሎም ተቐማጦ ምድሪ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን ኦም በለሱን ክቕመጡ: ብደሓን ድማ ክነብሩ ኢዮም። ጻድቕ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ንምድሪ ከወቅባ ኢዩ ንዘለኣለማዊ ክብሪ ኣምላኽና: የሆዋ: ድማ ኣብዚ ኣድማስ እዚ እቲ ግቡእ ቦታኣ ክትሕዝ ኢያ።​—⁠ሚክያስ 4:​3, 4፣ ኢሳይያስ 65:​17-19, 25 እውን ርአ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Garo Nalbandian

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ