ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/4 ገጽ 32
  • “ምጽማም ከድልየኩም እዩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ምጽማም ከድልየኩም እዩ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/4 ገጽ 32

“ምጽማም ከድልየኩም እዩ”

‘ነታ ተስፋ ምእንቲ ክንረኽባስ ትዕግስቲ [“ምጽማም:” ትሓዓ ] ከድልየና’ ኢዩ። (እብራውያን 10:36) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ን“ምጽማም” ተጠቒሙላ ዘሎ ናይ ግሪኽ ቃል ሓድሓደ ግዜ “ኣታኽልቲ ኣብ ትሕቲ ሕማቕን ዘይምቹእን ኵነታት ንኽነብሩ ዘለዎም ክእለት” ንምምልካት ከም እትውዕል ይገልጽ።

ኣብ ናይ ኣውሮጳ ኣኽራናት ከምዚ ዝኣመሰለ ተኽሊ ይበቍል ኢዩ። እቲ ዘገርም ድማ ንዘለኣለም-ምንባር ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ሓቂ ኢዩ: እዚ ኣብ ናይ ኣልፕስ ኣኽራናት ዝርከብ ተኽሊ ንዘለኣለም ዝነብር ኣይኰነን: እንተዀነ ግን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክረምቲ ውቁብ ዕንባባታት እናውጽአ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይጽመም ኢዩ። እቲ ንዘለኣለም-ምንባር ዝብል ስም ብምኽንያት እቲ ዘለዎ “ምጽዋርን ክነብር ምኽኣሉን” እተዋህበ ምዃኑ እቲ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (ብእንግሊዝኛ) ይገልጽ። (እቲ ስነ-ፍልጠታዊ ስም ናይዞም ካብ ዓሌት ሰምፐርቪቫም ዝዀኑ ኣታኽልቲ እዚኣቶም እውን ትርጉሙ “ንዘለኣለም-ምንባር” ኢዩ።)

ነዚ ተኽሊ እዚ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ኣዝዩ ምቹእ ዘይኰነ ቦታ ዝበቍል ምዃኑ ኢዩ። ሙቐት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክሳዕ 35 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ዝበጽሕ ኣብ ጫፋት ናይቲ ብንፋስ እተባሕጐጐ ከረን በቚሉ ትረኽቦ። ኣብ ውሑድ ሓመድ ዘለዎ ናይ ከውሒ ነቓዕ ሱሩ ክሰድድ ይኽእል። ገለ ካብቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኵነታት ክጽመም ዘኽኣሎ ምስጢር እንታይ ኢዩ፧

እዚ ንዘለኣለም-ምንባር ዝበሃል ተኽሊ ተጠንቂቑ ማይ ዘዕቍር ልሙዕ ቈጽሊ ኣለዎ። እዚ ድማ ካብቲ ዝወቅዕ ማይ ወይ ዝመክኽ በረድ ዝመጽእ ጠሊ ማይ ንኽረክብ ምሉእ ብምሉእ ይጥቀመሉ። ብተወሳኺ: ብእኩብ መልክዕ ስለ ዝበቝሉ ኣብቲ ከውሒ ኣዝዮም ንኽጸንዑ ሓይሎም ከም ዘወሃህዱ ይገብሮም። ዋላ እኳ ውሑድ ሓመድ እንተለዎ: ኣብቲ ናይ ኣኻውሕ ነቓዕ ሱር ስለ ዝሰደዱ ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ንፋስ ክከላኸሉ ይኽእሉ ኢዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ: እቲ ዘለዎ ኵሉ ብምግባር ነቲ ጽንኩር ኵነታት ክጻወር ኢዩ ዝጋደል።

ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ: ንሕናውን ንምጽማምና ዝፍትን ኵነታት ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ፈተና ንኽንጽመም ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧ ልክዕ ከምቲ ንዘለኣ⁠ለም⁠-​­ምንባር እተባህለ ተኽሊ ዝገብሮ ህይወት ዝህብ ማይ ናይ ቃል ኣምላኽ ክንእክብ ንኽእል: ከምኡውን ደገፍን ዕቝባን ንኽንረክብ ምስቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት ጠቢቕና ክንሓብር ንኽእል ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ከምቲ ኣብ ኣኽራናት ኣልፕስ ዘሎ ዕንባባ ናብቲ ‘ከውሕና’ ዝዀነ የሆዋን ቃሉን ማሕበሩን ጸኒዕና ክንጠብቕ ኣሎና።​—2 ሳሙኤል 22:⁠3

ብሓቂ: ነቲ ዘሎ ምድላዋት እንተድኣ ተጠቒምናሉ ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት እውን ይኹን ክንጽመም ከም እንኽእል እዚ ንዘለኣለም-ምንባር እተባህለ ተኽሊ ጽቡቕ መዘኻኸሪ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽማም ናብቲ ቃል ብቓሉ ንዘለኣለም ምንባር ማለት ዝዀነ ‘ነታ ተስፋ ንምውራስ’ ዝመርሓና ምዃኑ የሆዋ ኣረጋጊጹልና ኢዩ።​—እብራውያን 6:​12፣ ማቴዎስ 25:46

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ