ኣብ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ውግእ ዝነበረ መጸናንዒ
ኣብ እዋን እቲ ኣብ ግዝኣት ዩጎዝላቪያ ነበር እተኻየደ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ውግእ: ብዙሓት ሰባት መከራን ከቢድ ስእነትን ኣጋጢምዎም ኢዩ። ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ እቶም ነቲ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ብተኣማንነት ምምላኽ ዝቐጸሉ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ነይሮም።—2 ቈረንቶስ 1:3
ኣብ ሳራየቮ: ሰባት ኣብ ሓንቲ እቲ ውግእ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ተኸቢባ ዝነበረት ዓባይ ከተማ ብምንባሮም ተወሳኺ ሽግር ኣጋጢምዎም ኢዩ። ሕጽረት ኤሌክትሪክ: ማይ: ንሓዊ ዝኸውን ዕንጨይቲ: ከምኡውን ሕጽረት መግቢ ነይሩ ኢዩ። እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ሳራየቮ ኣብ ትሕቲ እዚ ጽንኩር ኵነታት እዚ ዕዮኣ ብኸመይ ተካይድ ነበረት፧ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ክርስትያናት ብዙሕ መጠን ዘለዎ ረድኤት ናብ ሳራየቮ ንምብጻሕ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ኢዮም። (ናይ 1 ሕዳር 1994 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 23-7 ርአ።) እቶም ኣብ ሳራየቮ ዝነበሩ ኣሕዋት እውን: ቀንዲ ኣተኵሮኦም መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ምምቓል ብምግባር: ነቲ ዝነበሮም ስጋዊ ነገራት ኣብ ንሓድሕዶም ተኻፊሎምዎ ኢዮም። ኣብ እዋን እቲ ከበባ: ኣብታ ከተማ ዝነበረ ሓደ ክርስትያን ተዓዛቢ እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ሃበ:-
“ንኣኼባታትና ኣዝዩ ዝለዓለ ግምት ኢና እንህቦ። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ምስ ካልኦት 30 ሰባት ብምዃን ናብ ኣኼባታት ክንከይድ 15 ኪሎ ሜተር [9 ማይልስ] (ክንከይድን ክንምለስን 30 ኪ.ሜ.) ንጓዓዝ። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ኣኼባታት ዝግበረሉ እዋን ማይ ክዕደል ምዃኑ ምልክታ ይንገር። እቶም ኣሕዋት እንታይ ይግበሩ፧ ኣብ ኣባይቶም ማይ ይጸበዩዶ ወይስ ኣኼባታት ይካፈሉ፧ ኣሕዋትና ኣኼባታት ምክፋል ኢዮም መሪጾም። እቶም ኣሕዋት ኵሉ ግዜ ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ: ዘለዎም ከኣ ይማቐሉ። ኣብ ጉባኤና ዘላ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ወሰን እቲ ከተማ: ጥቓ ዱር ኢያ እትቕመጥ፣ ስለዚ ንሓዊ ዝኸውን ዕንጨይቲ ብቐሊሉ ክትረክብ ትኽእል ኢያ። ኣብ ቤት ዕዮ ሕብስቲ እውን ትሰርሕ ኢያ: ደሞዛ ድማ ሓርጭ ኢያ እትኽፈል። ክጥዕማ ከሎ: ገዚፍ ሕብስቲ ትስንክት እሞ ናብቲ ኣኼባ ሒዛቶ ትመጽእ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክወጽእ ከሎ ቈቈሪሳ ትህቦ።
“ዝዀነ ይኹን ሓው ወይ ሓብቲ ዕሽሽ እተባህለ ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዖ ባህ ዘብል ኢዩ። ብሰንኪ ጽንኩር ኵነታት መን ካባና ቀጺሉ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ኣብቲ በረድ ዝወርደሉ እዋን ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሓመመት: መንእሰያትን ሓይሊ ዘለዎምን ኣሕዋት ኣብ በረድ እትኸይድ ሰረገላ ገይሮም ናብቲ ኣኼባታት ኣምጽእዋ።
“ኵልና ኣብቲ ዕዮ ስብከት ንሳተፍ ኢና: የሆዋ ድማ ንጻዕርታትና ይባርኾ ኢዩ። ነቲ ኣብ ቦዝንያ ዘሎ ጽንኩር ኵነታትና ርእይዎ ኢዩ: ይኹን እምበር ቅድሚ እቲ ውግእ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ወሰኽ ብምሃብ ባሪኹና ኢዩ።”
ብተመሳሳሊ: ኣብቲ ውግእ ዘናወጾ ካልእ ክፍልታት ዩጎዝላቭያ ነበር ጽንኩር መከራ እኳ እንተ ሃለወ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ወሰኽ የስተማቕሩ ኣለዉ። ካብቲ ኣብ ክሮኦሽያ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቤት ጽሕፈት: ብዛዕባ ሓንቲ ጕጅለ መሰኻኽር ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ መጸ:- “እቶም ኣብ ቬሊካ ከላዱሻ ዝነብሩ ኣሕዋት ክትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ እዋናት ኣሕሊፎም ኢዮም። እታ ከተማ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት መጥቃዕቲ ወሪዱዋ ኢዩ። እቶም ኣሕዋት ንክሮኦሽያውያን: ሰርቢያውያን: ከምኡውን ንእተፈላለዩ ናይ ኣስላም ሰራዊት ብዛዕባ ገለልትነቶም ክገልጹ ነበሮም። ብሰንኪ እዚ ድማ ማእሰርቲ: መውቃዕቲ: ጥሜት: ናይ ሞት ሓደጋ ክጽመሙ ከም ዝነበሮም ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኵላቶም እሙናት ብምዃን ቀጺሎም ኢዮም: የሆዋ ንዕዮታቶም ክባርኾ ከሎ ናይ ምርኣይ ብሉጽ መሰል ድማ ረኺቦም ኢዮም።”
ኣብ ቬሊካ ከላዱሻን ጐረቤታ ቤሃክን ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እዚ ዅሉ ሽግራት እዚ እናሃለዎም ነቲ መጸናንዒ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ንጐረባብቶም ብቕንኢ እናማቐሉ ብቐጻሊ ብዙሕ ወሰኽ የርእዩ ኣለዉ። ኣብዚ ቦታታት እዚ ዘለዉ ብድምር 26 ዝዀኑ ናይታ መንግስቲ ኣስፋሕቲ 39 ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ!