‘ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ዝግደሱ ኢዮም’
እዚ ሓደ ናይ ከተማ ኒው ዮርክ ፖሊስ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሎ ኢዩ። ንሱ ምስ ካትሊን እተባህለት ሓንቲ ካብቶም ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወለንታ ንምሉእ ግዜ ዘገልግሉ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።
ካትሊን ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍታ: ሃሩርን ጸሓይን ኣብ ዝመልኦ ናይ ሓጋይ መዓልቲ ኣብ ኮፍ መበሊ ናይቲ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ናይ መዛወሪ ቦታ ኮፍ በለት። ናይ እዝኒ መስምዒ ዘለዋ ቴፕ ገይራ ትሰምዕ ነበረት። ስግር ኢስት ሪቨር ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ሀሊኮብተር ነታ ከተማ ይበጽሓ ዝነበረ ጳጳስ ንምፍናው ምድላዋት ይግበር ነበረ። ኣብ ኵሉ ቦታ ሓለዋ ጽኑዕ እዩ ነይሩ: ብዙሓት ፖሊስውን ነቲ ናይ መዛወሪ ቦታ ይሕልውዎ ነበሩ። ሓደ ካብኣቶም ናብ ካትሊን ቀረበ እሞ እንታይ ትገብር ከም ዘላ ሓተታ። ካትሊን ከኣ “ናይ ቋንቋ ሩስያ ካሰት እየ ዝሰምዕ ዘለኹ። ርኤኻ ኣነ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየ: ኣብዛ ከተማ ክነብሩ ኢሎም ንዝመጹ ቋንቋ ሩስያ ዝዛረቡ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ክነግሮም ከኣ ቋንቋ ሩስያ ክማሃር ደልየ” ኢላ መለሰትሉ።
እቲ ፖሊስ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ከም ናይ ሓለዋ ኣዛዚ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: በብቕሩብ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎ ኣድናቖት እናዕበየ ከም ዝመጸ ተዛረበ። “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሓደ እተመሓደረ ሃይማኖት እየ ዝሓስቦ: ኣባላቱ ኸኣ ንኻልኦት ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዉ ኣብ ምሕጋዝ ብቕንዕና ዝግደሱ ኢዮም” በለ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝገብርዎ ዕዮ ስብከት ኣብ ብዘላ ዓለም ፍሉጣት እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ንመንግስቲ ኣምላኽ እታ ሓንቲ ናይዞም ንወድሰብ ከም መዓት ወሪዶምዎ ዘለዉ ሽግራት መፍትሒት ምዃና እናኣፍለጡ: ብተወሳኺ ንሰባት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኣብ ግብሪ ብምውዓል ናብርኦም ንኸመሓይሹ ብምትብባዕ ይድግፍዎም ኣለዉ። ንኣብነት መሰኻኽር: ወለዲ ኣብ ቤት ንምምሃር ምቹእ ዝዀነ ሃዋህው ክፈጥሩ ይመኽርዎም። ንውልቀ-ሰባት ከኣ ወሃብ ስራሕ ጠቓሚ ኰይኑ ዝረኽቦ ክእለታትን ጠባያትን ንኸጥርዩ ብምትብባዕ እሙናት ከምኡውን ሕጊ ዘኽብሩ ክዀኑ ይመኽርዎም።
እወ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ንዘለዉ ሰባት ናብርኦም ምእንቲ ክመሓየሽ ክሕግዝዎም ዝግደሱ እዮም። ነዚ ዝስዕብ ዕድመ ምላሽ ንኽትህበሉ ምዉቕ ምትብባዕ ይግበረልካ ኣሎ።