“ኤጲቁሬዎሳውያን” ተጠንቀቐሎም
“ጥዑይ ሰብ ኢዩ! ጽፉፍ ናብራ ኢዩ ዝነብር። ሽጋራ ኣየትክኽን: ሓሽሽ ኣይጥቀምን: ወይ ከኣ ጽዩፍ ቃላት ኣይዛረብን ኢዩ። አረ ካብቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ገለ ሰባት ከይተረፈ ንሱ ይጥዒ! ”
ገሊኣቶም ነቲ ዝገብርዎ ዘይግቡእ ምሕዝነት ምስምስ ከቕርቡ ኸለዉ እዚ ምኽንያታት እዚ ክጥቀሙ ሰሚዕካዮምዶ ትፈልጥ፧ እዚ ብቕዱሳት ጽሑፋት እተደገፈ ድዩ፧ ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጕባኤ ዝነበረ ሓደ ኣብነት ነዚ ጕዳይ እዚ የብርሃልና ኢዩ።
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ሃዋርያ ጳውሎስ ንጉባኤ ቈረንቶስ “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ኣጠንቀቓ። ምናልባት ገሊኦም ክርስትያናት ምስቶም ብናይ ግሪኽ ፍልስፍና: እንተላይ ናይ ኤጲቁሬዎሳውያን: ተጸልዮም ዝነበሩ ሰባት ምሕዝነት ይገብሩ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኤጲቁሬዎሳውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብመንፈሳዊ መገዲ ዘስግእዎም ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሎሚኸ ምስኣቶም ዝመሳሰሉ ክንጥንቀቐሎም ዘሎና ሰባት ኣለዉዶ፧—1 ቈረንቶስ 15:33
ኤጲቁሬዎሳውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧
ኤጲቁሬዎሳውያን ሰዓብቲ ናይቲ ካብ 341 ኣትሒዙ ክሳዕ 270 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ኤጲቁሬዎስ እተባህለ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኢዮም ነይሮም። ንሱ ኣብ ህይወት እቲ እንኮ ወይ ከኣ ቀንዲ ጽቡቕ ነገር ተድላ ከም ዝዀነ ይምህር ነበረ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኤጲቁሬዎሳውያን ጽቡቕ ግዜ ንምሕላፍ ብቐጻሊ ክደልዩ ኸለዉ ንሕሱር ተግባራት ከም ኣማራጺ ብምውሳድ ስርዓት ብዘይብሉ ጽዩፍ ናብራ ይነብሩ ነይሮም ማለት ድዩ፧ እቲ ዘገርም ግን: ኤጲቁሬዎስ ንሰዓብቱ በዚ መገዲ እዚ ክነብሩ ኣይማሃሮምን! ኣብ ክንድኡ ግን ተድላ ብዝበለጸ ክርከብ ዝኽእል ምስትውዓል: ትብዓት: ርእሰ-ግትኣትን ፍትሕን እናንጸባርቕካ ብምንባር ከም ዝዀነ ኢዩ ምሂሩ። ደድሕሪ ቅጽበታውን ግዝያውን ተድላ ምስዓብ ዘይኰነስ: ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዝቕጽል ተድላ ኢዩ ዝድግፍ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር ኤጲቁሬዎሳውያን ምስቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝፍጽሙ ሰባት ክወዳደሩ ኸለዉ ወራዙት መሲሎም ይረኣዩ ይዀኑ።—ምስ ቲቶስ 1:12 ኣረኣእዮ።
ምስ ክርስትና ተመሳሳሊ ድዩ፧
ኣባል ናይታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ጉባኤ ቈረንቶስ ነይርካ እንተ ትኸውን ብኤጲቁሬዎሳውያን ምተመሰጥካዶ ነይርካ፧ ገለ ሰባት: እቲ ናይ ኤጲቁሬዎሳውያን ተፈታዊ ባህርያት ንክርስትያናት ዘየስግኡ መሓዙት ገይርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ምኽንያት የቕርቡ ይዀኑ። እቶም ሰብ ቈረንቶስ ተወሳኺ ምስምስ ብምቕራብ: ኣብ መንጎ ናይ ኤጲቁሬዎሳውያንን ናይቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎን መዐቀኒታት ተመሳሳልነቱ ጠቒሶም ይዀኑ።
ንኣብነት: ኤጲቁሬዎሳውያን ኣብቲ ሓጐስ ንምርካብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕርታት ሚዛኖም ይሕልዉ ኢዮም ነይሮም። ካብቲ ስጋዊ ባህታ ዝያዳ ነቲ ናይ ኣእምሮ ባህታ ኢዮም ዝለዓለ ግምት ዝህብዎ ነይሮም። እቲ ሓደ ሰብ ዝበልዖ ብልዒ: ካብቲ ምስቲ ሓቢርዎ እተመገበ ሰብ ዘለዎ ርክብ ኣይበልጽን ኢዩ። ኤጲቁሬዎሳውያን ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ካብ ምእታውን ብምስጢር ሕማቕ ካብ ምግባርን እውን ከይተረፈ ይሕለዉ ኢዮም ነይሮም። “ምሳና ኣጸቢቖም ኢዮም ዝመሳሳሉ” ክትብልሲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ቀሊል ነይሩ ክኸውን ዝኽእል!
ይኹን እምበር: ኤጲቁሬዎሳውያን ብሓቂ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ድዮም ነይሮም፧ ፈጺሞም ኣይነበሩን። እቶም ብግቡእ እተለማመደ ናይ ምርዳእ ክእለት ዝነበሮም ሰባት ንጹር ፍልልያት ከለልዩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (እብራውያን 5:14) ንስኻኸ ከተለሊ ትኽእልዶ፧ ንትምህርትታት ኤጲቁሬዎስ እስከ ተጠንቂቕና ንመልከት።
እቲ ናይ ኤጲቁሬዎሳውያን ኣሉታዊ ጎድኒ
ሰባት ነቲ ኣብ ኣማልኽትን ኣብ ሞትን ዝነበሮም ፍርሂ ንኽዋጽእሉ ምእንቲ ኽሕግዞም: ኤጲቁሬዎስ ኣማልኽቲ ኣብ ደቅሰብ ተገዳስነት የብሎምን ኣብ ሰብኣዊ ጕዳያት ከኣ ኢዶም ኣየእትዉን ኢዮም ኢሉ መሃረ። ብናይ ኤጲቁሬዎስ ኣበሃህላ: ኣማልኽቲ ንኣድማስ ኣይፈጠሩን: ህይወት ከኣ ብኣጋጣሚ ኢዩ መጺኡ። እዝስ ምስቲ “ሓደ ኣምላኽ:” ፈጣሪ: ከም ዘሎ እሞ ንሰብኣዊ ፍጡራቱ ድማ ከም ዝሓሊ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ብንጹር ዝጋጮዶ ኣይኰነን፧—1 ቈረንቶስ 8:6፣ ኤፌሶን 4:6፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7
ኤጲቁሬዎስ ድሕሪ ሞት ህይወት ዝበሃል ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ ኢሉውን ምሂሩ ኢዩ። እዚ ድማ ብርግጽ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝምህሮ ትምህርቲ ዝጋጮ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጎስ ኰይኑ ክምህር ከሎ ካብቶም ብዛዕባ ናይ ትንሳኤ ሰረተ-እምነት ዝመጸ ምስ ጳውሎስ ዘይተሰማምዑ ሰባት ኤጲቁሬዎሳውያን ኢዮም ነይሮም ክዀኑ ዝኽእሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:18, 31, 32፣ 1 ቈረንቶስ 15:12-14
ኣብ ናይ ኤጲቁሬዎስ ፍልስፍና እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝነበረ ነገር: እቲ ኣዝዩ ዝረቐቐ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳሕራይ ዝርከብ ህይወት ዘይምእማኑ: ሰብ ኣብ እዋን እቲ ኣብ ምድሪ ዘሕልፎ ሓጺር ግዜ ብእተኻእለ መጠን ሕጕስ ኰይኑ ክነብር ኣለዎ ናብ ዝብል መደምደምታ መርሖ። ርኢናዮ ኸም ዘሎና: ሓሳባቱ ግድን ሓጢኣት እናፈጸምካ ክትነብር ኣሎካ ማለቱ እኳ እንተ ዘይነበረ: ህይወት እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ጥራይ ካብ ኰነ ነዚ ሕጂ ዘሎ ግዜ ክንሕጐሰሉ ኣሎና ዝብል ኢዩ ነይሩ።
ስለዚ እምበኣር: ኤጲቁሬዎስ ከይፍለጥ ዝብል ጭንቀት ነቲ ናይ ሕጂ ሓጐስ ብሓቂ ኣስጋኢ ስለ ዝዀነ ብምስጢር እኩይ ተግባራት ምግባር ይኽልክል። ነቲ ናይ ሕጂ ሓጐስ ካልእ ዕንቅፋት ዝዀነ: ቀይዲ በተኽ ኴንካ ምንባር ዘምጽኦ ሳዕቤናት ንምውጋድ ሚዛናዊ ናብራ የተባብዕ ነበረ። ንኻልኦት ሰናይ ምግባር ዓስቢ ስለ ዘለዎ: ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ምግባርውን የተባብዕ ነበረ። ብምስጢር ሕማቕ ተግባራት ካብ ምግባር ምርሓቕ: ሚዛናዊ ናብራ ምንባር ከምኡውን ምሕዝነት ምግባር ብሓቂ ዝነኣድ ኢዩ። ስለምንታይ ድኣ ኢዩ እሞ ናይ ኤጲቁሬዎስ ፍልስፍና ንክርስትያናት ሓደገኛ ዝነበረ፧ ምኽንያቱ ምኽሩ ኣብቲ መታለሊ ዝዀነ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዝብል ኣመለኻኽታ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።—1 ቈረንቶስ 15:32
እቲ ዘሐጕስ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ሕጂ ብኸመይ ተሓጒሶም ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ይሕብር ኢዩ። “ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ: ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።” (ይሁዳ 21) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዘሎናዮ ቀልጢፉ ዝሓልፍ ግዜ ዘይኰነስ: ኣብቲ ዘለኣለማዊ መጻኢ ኢዩ ኣጸቢቑ ዘተኵር። ንሓደ ክርስትያን እቲ ቐንዲ ዘገድሶ ነገር ንኣምላኽ ምግልጋል ኢዩ: ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ እንተድኣ ሂብዎ ኸኣ ሕጕስን ዕጉብን ከም ዝኸውን ይፈልጥ ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ: የሱስ ኣብ ብሕታዊ ድሌታቱ ትሑዝ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ንሓይሉ ብዘይ ስስዐ ንየሆዋ ንምግልጋልን ንሰባት ንምሕጋዝን ኢዩ ተጠቒምሉ። ንደቀ መዛሙርቱ ሰናይ ምእንቲ ኽግበረሎም ኢሎም ዘይኰኑስ: ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም: ንኻልኦት ሰናይ ክገብሩ ምሂርዎም ኢዩ። እቲ ናይ ኤጲቁሬዎሳውያን ፍልስፍናን ናይ ክርስትና መሰረታዊ ድራኸታትን እምበኣር ፈጺሙ እተፈላለየ ምዃኑ ንጹር ኢዩ።—ማርቆስ 12:28-31፣ ሉቃስ 6:32-36፣ ገላትያ 5:14፣ ፊልጲ 2:2-4
ስዉር ሓደጋ
ኤጲቁሬዎሳውያን: ብዛዕባ ሕጕስ ምዃን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተኵሮ ይገብርሉ እኳ እንተ ነበሩ: ሓጐሶም ኣብ ምቹእ ኵነታት ጥራይ እተወሰነ ኢዩ ነይሩ። ኤጲቁሬዎስ “ሓጐስ እግዚኣብሄር” ስለ ዘይነበሮ: ንህይወት “መራር ህያብ” ኢሉ ጸውዓ። (ነህምያ 8:10) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምስዚ ብምንጽጻር ክረኣዩ ኸለዉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ሕጕሳት ዝነበሩ! የሱስ ንርእስኻ ካብ ብዙሕ ነገራት ሓሪምካ ዘይሕጕስ ህይወት ምሕላፍ ኣየተባብዐን። መገድታቱ ምስዓብ እኳ ድኣ ናብቲ ዝዓበየ ሓጐስ ኢዩ ዝመርሕ።—ማቴዎስ 5:3-12
ገለ ኣባላት ናይታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ: እምነቶም ኣብ ሓደጋ ከየውደቑ ምስቶም ብናይ ኤጲቁሬዎሳውያን ኣተሓሳስባ እተጸልዉ ሰባት ምሕዝነት ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ይሓስቡ እንተድኣ ነይሮም ተጋግዮም ኢዮም። ኣብቲ ጳውሎስ ነታ ናይ መጀመርታ ደብዳበኡ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፈሉ ግዜ: ገለ ካባታቶም ድሮ ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮም እምነት ኣጥፊኦም ነይሮም ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 15:12-19
ሎሚኸ ናይ ኤጲቁሬዎሳውያን ፍልስፍና ኣሎ ድዩ፧
ናይ ኤጲቁሬዎሳውያን ፍልስፍና ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን እኳ እንተ ጠፍአ: ኣብዚ ግዜናውን ተመሳሳሊ ዝዀነ ንሎሚ ጥራይ ንንበር ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝሃቦ መብጽዓ ንእሽቶ እምነት ጥራይ ኢዩ ዘለዎም ወይ ከኣ ፈጺሙ እምነት የብሎምን። ይኹን እምበር: ገለ ካባታቶም ብተዛማዲ ክርአ ኸሎ ጽፉፍ ናብራ ኢዮም ዝነብሩ።
ሓደ ክርስትያን: ምናልባት እቲ እሩም ባህርያቶም ንኽትመሓዘዎም ዘብህግ ኢዩ ኢሉ ብምምስማስ: ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ጥብቂ ርክብ ንምግባር ይፍተን ይኸውን። ይኹን እምበር: ንገዛእ ርእስና ልዕል ኣቢልና ዘይንግምት እኳ እንተዀንና: ኵሉ “ሕማቕ ዕርክነት”—ናይቶም ጽልዋኦም ኣዝዩ ረቂቕ ዝዀነ እውን ሓዊስካ—“ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ” ምዃኑ ክንዝክር ይግብኣና።
እዚ ንሎሚ ጥራይ ንንበር ዝብል ፍልስፍና ከይተጸበኻዮ ኣብ ገለ ናይ ንግዲ ሰሚናራት: ባዕልኻ ንኽትማሃር ዝሕግዙ መጻሕፍቲ: ልቢ ወለዳት: ፊልምታት: ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማትን ሙዚቃን ይንጸባረቕ ኢዩ። ብሓጢኣት ንኽትመላለስ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘየተባብዐ: እዚ መታለሊ ኣመላኻኽታ እዚ ብረቂቕ መገድታት ክጸልወና ይኽእል ደዀን ይኸውን፧ ንኣብነት: ርእስና ኣብ ምዕጋብ እዚና ብምትኳር ነቲ ኣብ ሉዓላውነት የሆዋ እተላዕለ ብድሆ ክንርስዖ ንኽእል ደዀን ንኸውን፧ ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ ኣብ ክንዲ እንኸውን ‘ሸለል ናብ ምባል’ ክንዘብል ንኽእል ደዀን ንኸውን፧ ወይ ከኣ ብዛዕባ ልክዕነትን ጥቕምን መዐቀኒታት ኣምላኽ ጥርጣረ ከነሕድር ንኽእል ደዀን ንኸውን፧ ካብቲ ንዘይስነ-ምግባራውነትን ገበንን ሓተታ መናፍስትን እተቓልዐ ይኹን ካብቶም ብዓለማዊ ኣመለኻኽታ እተጸልዉ ሰባት ክንሕሎ የድልየና!—1 ቈረንቶስ 15:58፣ ቈሎሴ 2:8
ስለዚ እምበኣር: ብቐዳምነት ምስቶም ብምሉእ ነፍሶም ነቲ ናይ የሆዋ መምርሒ ዝስዕቡ ሰባት ዘሎና ምሕዝነት ንዀስኵስ። (ኢሳይያስ 48:17) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቲ ጽቡቕ ልማድና ክድልድል ኢዩ። እምነትና ኸኣ ክጸንዕ ኢዩ። ንሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ ንዝመጽእ እውን ዘለኣለማዊ ህይወት ብምጽባይ ብሓጐስ ክንነብር ኢና።—መዝሙር 26:4, 5፣ ምሳሌ 13:20
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ኤጲቁሬዎስ ኣማልኽቲ ኣብ ደቅሰብ ተገዳስነት የብሎምን ኢሉ መሃረ
[ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of The British Museum