ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/1 ገጽ 32
  • ብዘይ ደሃይ ኢዮም ንፈጣሪኦም ዝውድሱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዘይ ደሃይ ኢዮም ንፈጣሪኦም ዝውድሱ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/1 ገጽ 32

ብዘይ ደሃይ ኢዮም ንፈጣሪኦም ዝውድሱ

ዕራርቦ ጸሓይ ብተፈጥሮ መስተንክር ዝዀነ ትር​ኢት ኢዩ። ክንዮ እዚ ኣብ ኦፕዋን ኣልፕስ ናይ ቶስካና: ኢጣልያ: ዝርከብ ሓደ ከረን: ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ዘሎ ትርኢት ግን ብሓቂ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ።

ኣማዕዲኻ ክትርአ ኸላ: እታ ጸሓይ ክንየኡ ትዓርብ ዘላ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸረን ትዓልብ ዘላ ኢያ እትመስል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ጫፍ ናይቲ ኸረን ካብቲ ከረን ተጸሪቡ ዝወጸ ዝመስል ተፍጥሮኣዊ ቀስቲ ኣለዎ። አረ: እዚ እምባ እዝስ ሞንተ ፎራቶ​—⁠ስንጡቕ ከረን​—⁠ዝብል ስም ተዋሂብዎ ኢዩ። እቶም ብማእከል እቲ ቀስቲ ኣሕሊፎም ነዛ ኣብ ልዕሊ ሞንተ ፎራቶ ትዓልብ ዘላ እትመስል ጸሓይ ዝዕዘብዋ ሰባት: ብምኽንያት እቲ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ እትገብሮ ዑደት ኣብ ዓመት ክልተ እዋን ጥራይ ኢዮም ክርእዩዋ ዝኽእሉ።

ልክዕ ከም ካልእ ዓይነት ፍጥረታት: እዚ ህይወት ዘይብሉ ሰማ​ያት ንፈጣሪኡ ይውድስ ኢዩ። ብኸመይ፧ ልክዕ ከምቲ ሓደ ውቁብ ስእሊ ነቲ ዘዳለዎ ሰኣሊ ክብሪ ዘምጽኣሉ ገይሩ ኢዩ ዝውድስ። በዚ ኸኣ: እቶም ሰማያውያን ኣካላት ሓይልን ጥበብን ግር​ማን የሆዋ ይዛረቡ። ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ገሊ​ጽዎ ዘሎ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።” (መዝሙር 19:1፣ 69:34) ጸሓይን ካልኦት ህይወት ዘይብሎም ኣካላትን ንፈጣሪኦም ዝውድስዎ ካብ ኰኑ: ንሕናኸ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ክንውድሶ ዝግብኣና!​ —⁠መዝሙር 148:1, 3, 12, 13

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ