ብዘይ ደሃይ ኢዮም ንፈጣሪኦም ዝውድሱ
ዕራርቦ ጸሓይ ብተፈጥሮ መስተንክር ዝዀነ ትርኢት ኢዩ። ክንዮ እዚ ኣብ ኦፕዋን ኣልፕስ ናይ ቶስካና: ኢጣልያ: ዝርከብ ሓደ ከረን: ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ዘሎ ትርኢት ግን ብሓቂ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ።
ኣማዕዲኻ ክትርአ ኸላ: እታ ጸሓይ ክንየኡ ትዓርብ ዘላ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸረን ትዓልብ ዘላ ኢያ እትመስል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ጫፍ ናይቲ ኸረን ካብቲ ከረን ተጸሪቡ ዝወጸ ዝመስል ተፍጥሮኣዊ ቀስቲ ኣለዎ። አረ: እዚ እምባ እዝስ ሞንተ ፎራቶ—ስንጡቕ ከረን—ዝብል ስም ተዋሂብዎ ኢዩ። እቶም ብማእከል እቲ ቀስቲ ኣሕሊፎም ነዛ ኣብ ልዕሊ ሞንተ ፎራቶ ትዓልብ ዘላ እትመስል ጸሓይ ዝዕዘብዋ ሰባት: ብምኽንያት እቲ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ እትገብሮ ዑደት ኣብ ዓመት ክልተ እዋን ጥራይ ኢዮም ክርእዩዋ ዝኽእሉ።
ልክዕ ከም ካልእ ዓይነት ፍጥረታት: እዚ ህይወት ዘይብሉ ሰማያት ንፈጣሪኡ ይውድስ ኢዩ። ብኸመይ፧ ልክዕ ከምቲ ሓደ ውቁብ ስእሊ ነቲ ዘዳለዎ ሰኣሊ ክብሪ ዘምጽኣሉ ገይሩ ኢዩ ዝውድስ። በዚ ኸኣ: እቶም ሰማያውያን ኣካላት ሓይልን ጥበብን ግርማን የሆዋ ይዛረቡ። ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ገሊጽዎ ዘሎ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።” (መዝሙር 19:1፣ 69:34) ጸሓይን ካልኦት ህይወት ዘይብሎም ኣካላትን ንፈጣሪኦም ዝውድስዎ ካብ ኰኑ: ንሕናኸ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ክንውድሶ ዝግብኣና! —መዝሙር 148:1, 3, 12, 13