ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/11 ገጽ 24-27
  • ንሓደ ሓው ለቓሕ ክሓቶ ይግብኣንዶ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓደ ሓው ለቓሕ ክሓቶ ይግብኣንዶ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ዘስዕቦ ሓላፍነታት ኣብ ግምት ኣእቱ
  • እቲ ገንዘብ ንምንታይ ከም ዘድልየካ ግለጽ
  • ኣብ ጽሑፍ ኣስፍርዎ
  • ገንዘብ ከተለቅሕ ከሎኻ ጥንቁቕ ኩን
  • ንስጕምታትካ ብጥንቃቐ ሕሰበሉ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ገንዘብ ክልቃሕዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንዕዳ ብግቡእ ምሓዙ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ገንዘብ
    ንቕሑ!—2014
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/11 ገጽ 24-27

ንሓደ ሓው ለቓሕ ክሓቶ ይግብኣንዶ ኢዩ፧

እቲ ዝነኣሰ ወዱ ንሳይመን ስለ ዝሓመመ ብህጹጽ መድሃኒት ኣድለየ። ሳይመን ግን ኣዝዩ ድኻ ካብ ምዃኑ እተላዕለ መድሃኒት ክገዝእ ዓቕሚ የብሉን። እንታይ ክገብር ይኽእል፧ ብገንዘብ ዝመጸ እቲ ማይክል ዝስሙ ሓው ካብኡ ዝሓሸ ኢዩ ነይሩ። ምናልባት ማይክል ገንዘብ ከለቅሖ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ሳይመን ነቲ ለቓሕ ክመልሶ ከም ዘይክእል ባዕሉ ይፈልጥ ኢዩ።a

ኣለቅሓኒ ምስ በሎ: ማይክል ተጠራጠረ። ሳይመን እቲ ገንዘብ ብሓቂ ከም ዘድልዮ ማይክል ተረድአ: እንተዀነ ግን: ቀለብ ስድራቤቱ ንምርካብ እኳ ክንደይ ሽግር ከም ዘለዎ ስለ ዝፈልጥ እንተ ኣለቅሖ ክመልሰሉ ከም ዘይክእል ገመተ። እሞ ማይክል እንታይ ኢዩ ክገብር፧

ኣብ ሓያሎ ሃገራት: ሰባት ብሃንደበት መነባብሮኦም ክጠፍእ: ንሕክምና ዝኸውን ወጻኢታት ንምሽፋን ዘኽእሎም ገንዘብ ወይ መድሕን ዘይብሎም ኰይኖም ክተርፉ ይኽእሉ ኢዮም። ናይ ባንክ ለቓሕ ዘይርከብ ወይ እቲ ዝኽፈል ወለድ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዘይተሓስበ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም: እቲ እንኮ መፍትሒ ምልቃሕ ክመስል ይኽእል ኢዩ። ቅድሚ ለቓሕ ምሕታትካ ግን ክሕሰበሉ ዘለዎ ገለ ኣገዳሲ ጕዳያት ኣሎ።

ነቲ ዘስዕቦ ሓላፍነታት ኣብ ግምት ኣእቱ

ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣለቃሕን ተለቃሕን ዝኸውን መምርሒ ይህብ ኢዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ ብምስዓብ: ሓያሎ ዘይምርድዳእን ጓህን ከነርሕቕ ንኽእል ኢና።

ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኦት ገንዘብ ምልቃሕ ኣቕሊልና ክንርእዮ ከም ዘይብልና የዘኻኽረና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ: እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና: ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሀልኹም” ብምባል መዓዶም። (ሮሜ 13:⁠8) ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ሓደ ክርስትያን ብኻልኦት ክእወዶ ዘለዎ ዕዳ ፍቕሪ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ድማ: ‘እዚ ዝወስዶ ዘሎኹ ለቓሕ ብሓቂ ኣድላዪ ድዩ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ክንሓትት ንኽእል ኢና።

እቲ መልሲ እወ ዝብል እንተድኣ ዀይኑ: ቀጺልካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕዳ ምእታው ዘምጽኦ ሳዕቤን ምሕሳብ ጥበብ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣገዳሲ ውሳነታት ንምግባር ተጠንቂቕካ ምሕሳብን ምምዳብን ከም ዝሓትት ኣርኣየ። ንደቀ መዛሙርቱ “ካባኻትኩምከ: ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ . . . ንመወድኢኡ ዚአኽሎ ገንዘብ እንተለዎ: ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ: እንታዋይ ኢዩ፧” ብምባል ሓተቶም። (ሉቃስ 14:⁠28) እዚ ስርዓት እዚ ካብ ሓደ ሓው ክንልቃሕ ክንሓስብ ከሎና ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኢዩ። ንወጻኢታት ናይቲ ለቓሕ ምጽብጻብ ክበሃል ከሎ ብኸመይን መዓስን ከም እንኸፍሎ ምጽብጻብ ማለት ኢዩ።

እቲ ኣለቃሒ: እቲ ለቓሕ ብኸመይን መዓስን ከም ዝኽፈል ክፈልጥ መሰል ኣለዎ። ነቲ ጕዳይ ብጥንቃቐ ድሕሪ ምሕሳብ: ንጹር መልሲ ክንህቦ ንኽእል ኢና። ነቲ ለቓሕ ኣብ ውሱን ግዜ ምኽፋል ዝስዕቦ ሓላፍነት ኣብ ግምት ኣእቲናዮዶ ኢና፧ ነቲ ዘለቅሓና ሓው “እመነኒ: ቀልጢፈ ክመልሰልካ ኢየ” ክንብሎ ቀሊል ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ ዝያዳ ሓላፍነት ብዝመልኦ መገዲ ገይርና ክንገብሮ ዝግብኣናዶ ኸይኰነ፧ የሆዋ እተለቃሕናዮ ገንዘብ ክንመልሶ ስለ ዝደልየና: ክንከፍሎ ምዃንና ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዝና ክንውስን ይግብኣና ኢዩ። መዝሙር 37:⁠21 “ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን” ትብል።

ነቲ ለቓሕ ብኸመይን መዓስን ክንመልሶ ምዃንና ብምጽብጻብ: ክብደት ናይቲ እንኣትዎ ዘሎና ቓል ንርእስና ነዘኻኽራ ኢና። እዚ ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ከይንወድቕ ነቲ ሓደጋ ይንክዮ ኢዩ። ኣብ ዕዳ ካብ ምእታው ክንድሕን ንኽእል እንተድኣ ዄንና: ረብሓታት ኣለዎ። ምሳሌ 22:⁠7 “ተለቃሒ . . . ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ” ብምባል ተጠንቅቕ። እቲ ኣለቃሕን ተለቃሕን መንፈሳውያን ኣሕዋት ምስ ዝዀኑ እውን ከይተረፈ: እቲ ለቓሕ ንርክቦም እንተ ወሓደ ብእተወሰነ ደረጃ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ለቓሕ ዘስዓቦ ዘይምርድዳእ ንናይ ገለ ጉባኤታት ሰላም ከይተረፈ ዘሪጉ ኢዩ።

እቲ ገንዘብ ንምንታይ ከም ዘድልየካ ግለጽ

እቲ ኣለቃሒ ብመሰረቱ ነቲ እንልቅሖ ገንዘብ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ክፈልጥ መሰል ኣለዎ። ብዘይካ እቲ ካብኡ እንወስዶ ለቓሕ: ካብ ካልኦትከ ንልቃሕዶ ኢና፧ ካብ ካልኦት እውን ክንልቃሕ እንተድኣ ዄንና: ንጹር ገይርና ክንነግሮ ኣሎና። ከመይሲ ነቲ ለቓሕ ናይ ምምላስ ዓቕምና ይጸልዎ ኢዩ።

እቲ ለቓሕ ንንግዲ ድዩ ወይስ ንገለ ህጹጽ ጕዳይ ፈላሊኻ ክፍለጥ ብፍላይ ኣድላዪ ኢዩ። ሓደ ሓው ንንግዲ ምእንቲ ክጥቀምሉ ንኻልኦት ከለቅሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታ የብሉን: እንተዀነ ግን ካልእ ሓው ከም መግቢ: ክዳን: ወይ ኣድላዪ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ንምኽፋል ምስ ዘይክእል: እሞ ኸኣ ብናቱ ሕመቕ እንተድኣ ዘይኰይኑ: እቲ ዘለቅሕ ዘሎ ሓው ንኽሕግዞ ክድረኽ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብጋህድን ሓቅን ምዝርራብ ዘይምርድዳእ ንምእላይ ይሕግዝ ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠25

ኣብ ጽሑፍ ኣስፍርዎ

ኣብ መጻኢ ዘጋጥም ዘይምርድዳእ ከነርሕቕ እንተድኣ ዄንና ነቲ ስምምዕ ብጽሑፍ ምግባሩ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢዩ። ኣብ ጽሑፍ እንተድኣ ዘይሰፊሩ ናይቲ ስምምዕ ዝርዝር ብቐሊሉ ክርሳዕ ይኽእል ኢዩ። ነቲ እተለቃሕናዮ ገንዘብ ብዝሑን መዓስ ከም ዝምለስን ክንጽሕፎ የድልየና ኢዩ። እቲ ኣለቃሕን እቲ ተለቃሕን ኣብቲ ስምምዕ ክታሞም ከንብሩን ነፍሲ ወከፎም ድማ ብሕታዊ ቅዳሕ ክሕዙን ጥበባዊ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ገንዘባዊ ውዕል ኣብ ሰነድ ክሰፍር ከም ዘለዎ የመልክት ኢዩ። ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ቀቅድሚ ምጥፍኦም: የሆዋ ንኤርምያስ ካብ ሓደ ዘመዱ ቃጽዖ መሬት ክዕድግ ነገሮ። ነቲ እተጠቕመሉ ኣገባብ ብምምርማር ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

ኤርምያስ ከምዚ በለ:- “ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከኣ ካብ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ተሻየጥክዋ እሞ ነቲ ገንዘብ ዓሰርተው ሾብዓተ ሲቃል ብሩር: መዘንኩሉ። ኣብ መጽሓፍ ጽሒፈ ኸኣ ሐተምክዎ: ምስክር ጸዊዔ ድማ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ። ነታ መጽሓፍ መሸጣ: ነታ ኸም ሕግን ውዑልን ኰይና እተሐትመትን ነታ እተቐልዔትን ወሲደ: እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ: ወዲ ኔርያ ወዲ ማህስያ: ኣብ ቅድሚ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መጽሓፍ መሸጣ እተጻሕፉ ምስክርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን ሀብክዎ።” (ኤርምያስ 32:⁠9-12) እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነት ብዛዕባ ለቓሕ ዘይኰነስ ብዛዕባ ምዕዳግ ዝገልጽ እኳ እንተዀነ: ንገንዘብ ዝምልከት ውዕል ንጹርን ብሩህን ገይርካ ክተሓዝ ከም ዘለዎ ዘርኢ ኢዩ።​—⁠ናይ 1 ግንቦት 1973 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 287-8 ርአ።

ሽግራት እንተድኣ ተላዒሉ: ክርስትያናት ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 18:⁠15-17 ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ የሱስ ምኽሪ ተሰማሚዖም ክፈትሕዎ ክፍትኑ ኣለዎም። ሓደ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ ክሕግዝ ዝፈተነ ሽማግለ ግን ከምዚ ይብል:- “ዳርጋ ኣብ ኵሉ እቲ ጕዳይ ብጽሑፍ እተገብረ ስምምዕ ኣይነበረን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ብወገን ክልቲኦም እቲ ለቓሕ ብኸመይ ከም ዝምለስ ንጹር ምርዳእ ኣይነበረን። ነዚ ጕዳያት እዚ ኣብ ጽሑፍ ምስፋር: ምልክት ፍቕሪ ድኣምበር ዘይምትእምማን ከም ዘይኰነ ተረዳእኩ።”

ሓንሳእ ስምምዕ ምስ ገበርና: ቃልና ንምሕላው ብርግጽ ክንጽዕር ኣሎና። የሱስ “ነገርኩምሲ፤ እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ” ብምባል መዓደ። (ማቴዎስ 5:⁠37 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ገለ ዘይተሓስበ ግድል ነቲ ለቓሕ ኣብቲ እተሰማማዕናሉ መዓልቲ ንኸይንመልሶ ምስ ዝዓናቕፈና: ብዛዕባ እቲ ዅነታት ቀልጢፍና ነቲ ኣለቃሒ ክንገልጸሉ ኣሎና። ምናልባት ነቲ ለቓሕ ንውሕ ኣብ ዝበለ ግዜ በብቝሩብ ገይርና ክንመልሶ ክፈቕደልና ይኽእል ይኸውን።

ገና ግን: እቲ ዘጋጠመና ኵነታት ካብ ሓላፍነት ናጻ ንኽንከውን ምኽንያት ኣይከውንን ኢዩ። ሓደ ንየሆዋ ዝፈርህ ሰብ ቃሉ ንምሕላው ዝከኣሎ ኵሉ ይገብር ኢዩ። (መዝሙር 15:⁠4) ኵነታት ከምቲ እንጽበዮ እኳ እንተ ዘይኰነ: ቃልካ ምሕላው ክርስትያናዊ ሓላፍነትና ስለ ዝዀነ ግን ዕዳና ንምኽፋል መስዋእትታት ክንገብር ክንዳሎ ኣሎና።

ገንዘብ ከተለቅሕ ከሎኻ ጥንቁቕ ኩን

ነቲ ጕዳይ ብጥንቃቐ ከመዛዝን ዘድልዮ እቲ ተለቃሒ ጥራይ ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። እቲ ዘለቅሕ ሓው እውን ነቲ ወጻኢታት ክጽብጽቦ ኣለዎ። ናይ ገንዘብ ለቓሕ ቅድሚ ምሃብና: ነቲ ጕዳይ ብጥንቃቐን ብደቂቕን ንምሕሳብ ግዜ ምውሳድ ምስትውዓል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ካብቶም ኢዶም ኣሕሊፎም ዚህቡ: ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን” ብምባል መጠንቀቕታ ይህብ።​—⁠ምሳሌ 22:⁠26

ውዕል ቅድሚ ምግባርካ: እቲ ሓው ክመልሰልካ እንተድኣ ዘይክኢሉ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሕሰብ። ምስ ዘይመልሰልካ ኣብ ከቢድ ናይ ገንዘብ ጸገም ትወድቕ ዲኻ፧ ሽሕ’ኳ እቲ ዝልቃሕ ዘሎ ሓው ጽቡቕ መደባት እንተለዎ: ኵነታት ክልወጥ ወይ ኣጸባጽብኡ ጌጋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ያእቆብ 4:⁠14 ንዅልና ከምዚ ብምባል ተዘኻኽረና:- “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። . . . ንቕሩብ ግዜ ተርእዩስ: ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም።”​—⁠ምስ መክብብ 9:⁠11 ኣረኣእዮ።

ብፍላይ እቲ ለቓሕ ንንግዲ ምስ ዝኸውን: እቲ ተለቃሒ እንታይ ዓይነት ስም ከም ዘለዎ ምሕሳብ ምስትውዓል ኢዩ። እሙንን ሕድሪ ዘጽንዕን ምዃኑ ድዩ ዝፍለጥ ወይስ ብኣተሓሕዛ ገንዘብ ዝመጸ ዘይብቑዕ ኢዩ፧ ኣብታ ጉባኤ ንዘለዉ ሰባት ከለቅሕዎ ንዅሎም በብሓደ ዝሓትት ሰብ ምዃኑ ድዩ ዝፍለጥ፧ ነተን “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ዝብላ ቓላት ምዝካረን ምስትውዓል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 14:⁠15

ሓድሓደ ግዜ: ለቓሕ ነቲ ተለቃሒ እውን ብገለ መገዲ ዘይጠቕሞ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብቐሊሉ ሓጐሱ ብምጥፋእ ጾር ክዀኖ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓው ‘ኣገልጋሊና’ ክኸውን ንደሊ ዲና፧ እቲ ተለቃሒ ነቲ ለቓሕ ክኸፍሎ እንተድኣ ዘይክኢሉ ጭንቀትን ናይ ገበን ስምዒትን ስለ ዘሕድረሉ ነቲ ዝነበረ ርክብ ክትንክፎ ይኽእልዶ ኢዩ፧

ብሓቂ ዘድልዮ እንተድኣ ዀይኑ: ለቓሕ ኣብ ክንዲ ምሃብ ሒደት ገንዘብ እውን ይኹን ብህያብ መልክዕ ንምሃብ ክንሓስበሉ ንኽእልዶ ኢና፧ ሓውና ተሸጊሩ ምስ እንርኢ ንኽንድንግጸሉ ቅዱሳት ጽሑፋት የተባብዓና ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 37:⁠21) ፍቕሪ ነቶም ብሓቂ እተሸገሩ ኣሕዋት ተግባራዊ ሓገዝ ንምሃብ ዝከኣለና ዅሉ ንኽንገብር ክትድርኸና ኣለዋ።​—⁠ያእቆብ 2:⁠15, 16

ንስጕምታትካ ብጥንቃቐ ሕሰበሉ

ለቓሕ ምቅይያም ከስዕብ ስለ ዝኽእል: ከም ናይ መወዳእታ መፍትሒ ደኣ እምበር ከም ቀሊል ኣማራጺ ገይርና ክንርእዮ ኣይግብኣናን ኢዩ። ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ: እቲ ተለቃሒ እቲ ለቓሕ ብኸመይን መዓስን ክምለስ ምዃኑ ነቲ ኣለቃሒ ብግልጺ ብምንጋር ኣብ ጽሑፍ ከስፍሮ ኣለዎ። ብሓቂ ጸገም ምስ ዝህሉ ድማ ህያብ ምሃብ ዝበለጸ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ማይክል ከምቲ ዝሓተቶ ንሳይመን ገንዘብ ኣየለቅሖን። ኣብ ክንድኡስ: ሒደት ገንዘብ ብህያብ መልክዕ ሃቦ። ሳይመን ንወዱ መድሃኒት መግዝኢ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምርካቡ ኣመስጊኑ ኢዩ። ማይክል ድማ ሕውነታዊ ፍቕሩ ብተግባር ከርኢ ብምኽኣሉ ተሓጒሱ ነበረ። (ምሳሌ 14:⁠21፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) ክልቲኦም ማለት ማይክልን ሳይመንን ነቲ ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዝህሉ ‘ዚጠርዕ ድኻ ዝናገፈሉን’ ዋላ ሓደ ሰብ “ሕሙም ኢየ” (NW ) ዘይብለሉን ግዜ ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበዩ። (መዝሙር 72:⁠12፣ ኢሳይያስ 33:⁠24) ክሳዕ ሽዑ ግን: ካብ ሓደ ሓው ለቓሕ ክንሓትት ምስ እንግደድ: ንስጕምትታትና ብጥንቃቐ ንሕሰበሉ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ መተካእታ ኣስማት ተዋሂቡ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ለቓሕ ስምምዕ ኣብ ጽሑፍ ምስፋር: ምልክት ፍቕሪ ድኣ እምበር ዘይምትእምማን ኣይኰነን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ