ካብ ስምኦናውነት ተጠንቀቑ!
ስምኦን በዓል ሰማርያ ኣብቲ ዝነበሮ ማሕበረሰብ ብኽብሪ ይርአ ነበረ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝነብር ነይሩ: ሰባት በቲ ናይ ጥንቍልና ተግባራቱ ኣዝዮም ተማሪኾም ስለ ዝነበሩ: “እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ” ይብሉዎ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:9-11
ይኹን እምበር: ስምኦን እተጠምቀ ክርስትያን ምስ ኰነ: ካብቲ ንዕኡ ዝነበሮ ሓይሊ ዝበልጽ ከም ዘሎ ረኣየ። እዚ ሓይሊ እዚ ኸኣ ሃዋርያት ንኻልኦት ተኣምራታዊ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝወርድ ክገብሩ ዘኽእሎም ነበረ። ስምኦን በዚ ኣዝዩ ስለ እተመሰጠ: ገንዘብ ሒዙ ብምምጻእ ነቶም ሃዋርያት “እቲ ኢደይ ዘንብረሉ: መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ: ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሀቡኒ” ብምባል ሓተቶም።—ግብሪ ሃዋርያት 8:13-19
ሃዋርያ ጴጥሮስ ንስምኦን ከምዚ ብምባል ገንሖ:- “ነቲ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሐሰብካ: ወርቅኻ ምሳኻ ይጥፋእ: ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነ ኸኣ: ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን።”—ግብሪ ሃዋርያት 8:20, 21
እታ “ናይ ቤተ-ክርስትያን ስልጣን ወይ ዕቤት ናይ ምግዛእ ወይ ናይ ምሻጥ ሓጢኣት ” ተባሂላ ተገሊጻ ዘላ “ስምኦናውነት ” እትብል ቃል ካብዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ እዚ እተረኽበት ኢያ። እቲ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ብፍላይ ካብ 9ይ ክሳዕ መበል 11 ክፍለ-ዘበን ኣብ ዝነበረ ግዜ “ናይ ቤተ-ክርስትያን ስልጣን ምግዛእ ወይ ምሻጥ ኣብ ገዳማት: ኣብቲ ታሕተዋይ ቤተ-ክህነት: ኣብ ኣቡናት: ኣብ መንበረ-ጵጵስና እውን ከይተረፈ ኣትዩ ነበረ” ብምባል ኣፍልጦ ይህብ። እቲ ታሽዓይ ሕታም ናይ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1878) (እንግሊዝኛ) ከምዚ በለ:- “ብዛዕባ ታሪኽ እቲ ምስጢራዊ ኣኼባ ጳጳሳት እተገብረ መጽናዕቲ ብስምኦናውነት ዘይተበከለ ምርጫ ክሳዕ ሕጂ ከም ዘይተገብረ ነቲ ተማሃራይ ዘረጋግጸሉ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከኣ ኣብቲ ምስጢራዊ ኣኼባ እተገብረ ስምኦናውነት እቲ ዝኸፍአን ኣዝዩ ዘሕፍርን ኣዝዩ ቅሉዕን ኢዩ ነይሩ።”
ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት እውን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ክጥንቀቑ ኣለዎም። ንኣብነት: ገሊኦም ነቶም ሓላፍነት ክህብዎም ዝኽእሉ ሰባት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ይውድስዎም ወይ ብዙሕ ህያባት ይህብዎም ይዀኑ። ብኣንጻሩ ድማ: እቶም ሓላፍነት ክህቡ ዝኽእሉ ሰባት ናብቶም ብዙሕ ህያባት ክህብዎም ዝኽእሉ—መብዛሕትኡ እዋን ድማ ክህብዎም ትጽቢት ዝገብርሎም—ገጾም ኣድልዎ የርእዩ ይዀኑ። ክልቲኡ እዚ ስምኦናውነት ኢዩ: ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ከምዚ ንዝኣመሰለ ተግባር ኣበርቲዑ ይዅንኖ ኢዩ። ጴጥሮስ ንስምኦን ከምዚ ብምባል መዓዶ:- “እምብኣርሲ ኻብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕ: ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ [“ነዚ ውዲትካ:” ኒው ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ)] እንተ ሐደገልካ: ንእግዚኣብሄር ለምኖ። ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ አሎኹ።”—ግብሪ ሃዋርያት 8:22, 23
እቲ ዘሐጕስ ግን: ስምኦን እቲ ግጉይ ባህጉ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ተረድአ። ነቶም ሃዋርያት “ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ: ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ” ኢሉ ሓተቶም። (ግብሪ ሃዋርያት 8:24) ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ እዚ ጸብጻብ እዚ ሒዝዎ ዘሎ ኣገዳሲ ትምህርቲ ብምስዓብ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን ተግባር ክርሕቑ ክጽዕሩ ኣለዎም።