ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/12 ገጽ 13-18
  • ምእንቲ እምነትና ምጥባቕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምእንቲ እምነትና ምጥባቕ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እቲ ምኽንያታውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ”
  • መዓስ ስቕ ከም ዝበሃል መዓስ ከኣ ከም ዝዝረብ
  • ብዛዕባ እቲ ዝቃላሕ ምክፋእከ እንታይ ክበሃል ይከኣል
  • ብሕጋዊ መገዲ ነቲ ብስራት ምጥባቕ
  • ብምኽንያት እምነቶም እተጸልኡ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ እቲ ዚቐርበሎም ክሲ ዘይምልሱሉ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ምእንቲ ጽድቂ ክብሉ እተሰጉ
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ክርስትያናት ድዮም፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/12 ገጽ 13-18

ምእንቲ እምነትና ምጥባቕ

“ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር: ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ [“ንምጥባቕ:” NW  ] ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ”—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠15

1, 2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምጽራር ከጋጥሞም ከሎ ዘየገርሞም ስለምንታይ ኢዩ: እንታይ ኢዮም ግን ዝብህጉ፧

ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሓቀኛታት: ንጹህ ናብራ ዝነብሩ ሰባት ኢዮም ዝፍለጡ። ብዙሓት ሰባት ዋላ ሓንቲ ሽግር ዘየስዕቡ ጥዑያት ብጾት ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎም። ግርምቢጥ ግን እዞም ሰላም ዘፍቅሩ ክርስትያናት ኣብ ግዜ ውግእ ይኹን ሰላም ፍትሒ ዝጐደሎ መስጐጕቲ በጺሕዎም ኢዩ። ከምዚ ዝበለ መስጐጕቲ ክወርዶም ከሎ ኣይግረሙን ኢዮም። አረ ይጽበይዎ እውን ኢዮም። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ጽሉኣት’ ከም ዝነበሩ ይፈልጡ ኢዮም: ስለዚ ሎሚ እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃን ዝደልዩ ሰባት ከመይ ኢሎም ብእተፈልየ መገዲ ክረኣዩ ትጽቢት ክገብሩ ይኽእሉ፧ (ማቴዎስ 10:⁠22) ኣብ ርእሲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ኢዩ ዝብል።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12

2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ክበጽሖም ኣይህንጠዩን ኢዮም: ወይ እውን ነቲ ዝወርዶም ሽግራት​—⁠ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ: ማእሰርቲ: ወይ ሕማቕ ኣተሓሕዛ​—⁠ኣይፈትዉዎን ኢዮም። ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ምትዕንቓጽ ክሰብኩ ምእንቲ ክኽእሉ ‘ሃዲኦምን ብዘይ ህውከትን’ ክነብሩ ኢዮም ዝደልዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠1, 2) እቲ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ኣምልኾኦም ንምፍጻም ዝረኽብዎ ሃይማኖታዊ ናጽነት የማስዉሉ ኢዮም: ንሰብኣውያን መንግስታት እውን ሓዊስካ ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንኽነብሩ’ ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ኢዮም። (ሮሜ 12:⁠18፣ 13:⁠1-7) ‘ጽሉኣት’ ዝዀኑ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢዮም፧

3. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ግቡእ ዝጽልኡሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

3 ብመሰረቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ግቡእ ጽሉኣት ዝዀኑሉ ምኽንያት ከምቲ ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኢዩ። ቀዳማይ ነገር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ዝወስድዎ ስጕምትታት ብገለ ሰባት ተቐባልነት ከም ዝስእኑ ይገብሮም ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኢ ይሰብኩ: ሰባት ግን ብዙሕ ግዜ እቲ ስብከቶም “ብጐነጽ ካልኦት ሰባት ሃይማኖቶም ንኽልውጡ” ይዓይዎ ከም ዘለዉ ገይሮም ስለ ዝርእይዎ: ነቲ ቅንኦም ብጌጋ ይርድእዎ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠19, 20 ኣረኣእዮ።) ኣብቲ ሃገራት ዝገብርኦ ፖለቲካውን ናይ ውግእን ነገራት ከኣ ገለልተኛታት ኢዮም: ከምዚ ምዃኖም ከኣ ሓድሓደ ግዜ ብጌጋ እቶም መሰኻኽር ዘይእሙናት ዜጋታት ከም ዝዀኑ ገይርካ ተወሲዱ ኢዩ።​—⁠ሚክያስ 4:⁠3, 4

4, 5. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዒላማ ናይ ሓሶት ክሲ ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ቀንዲ መለዓዓልቲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ ዝወርድ መስጐጕቲ መን ኢዮም፧

4 ካልኣይ ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብርኡይ ሓሶትን ነቲ እምነቶም ጠዊኻ ብምቕራብን ናይ ጸለመ ዒላማ እውን ኰይኖም ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ገለ ሃገራት ግዳያት ናይ ዘይምኽኑይ መጥቃዕቲ ኰይኖም ኢዮም። ብተወሳኺ ነቲ ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ስለ ዝደለዩ ደም ዘይብሉ ሕክምና ክግበረሎም ብምሕታቶም ድላዮም ብጌጋ ከም “ቀተልቲ ቈልዑ” ከምኡውን “ርእሰ-ቅትለት ዝፍጽም ኣንቈራ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠29) እቲ ሓቂ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህይወት ዓቢ ግምት ኢዮም ዝህብዎ ከምኡውን ንገዛእ ርእሶምን ንደቆምን እቲ ዝበለጸ ሕክምና ክረኽቡ ኢዮም ዝደልዩ። እቲ ደም ምውሳድ ብምእባዮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዙሓት ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይሞቱ ኢዮም ዝብል ክሲ ፈጺሙ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ። ብተወሳኺ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ሓደ ዓይነት ውጽኢት ስለ ዘይብሉ ኸኣ መሰኻኽር ስድራቤታት ከም ዝበታትኑ ኰይኖም እውን ተኸሲሶም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቖም ዝፋለጡ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንናብራ ስድራቤት ኣጸቢቖም ኣኽቢሮም ከም ዝርእይዎን ነቲ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ክፋቐሩን ክከባበሩን ከምኡውን ውሉዳት ወለዶም ኣመንቲ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ ክእዘዙ ኣለዎም ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ክስዕቡ ከም ዝደልዩ ይርድኡ ኢዮም።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠21–6:⁠3

5 ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንኣገልገልቲ የሆዋ መስጐግቲ ዘለዓዕሉሎም ቀንዲ እቶም ሃይማኖታዊ ምጽራር ዘለዎም ሰባት ኢዮም: እዚኣቶም ነቲ ኣብ ፖለቲካውያን ሰበ-ስልጣንን ናይ ዜና ማዕከናትን ዘለዎም ጽልዋ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ናይ መሰኻኽር ንጥፈታት ጸቕጢ ክገብሩሉ ይጽዕሩ። ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ነቲ ብምኽንያት እምነትናን ተግባራትናን ወይ ከኣ ብናይ ሓሶት ክሲ ዘጋጥመና ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዝግብኣና፧

“እቲ ምኽንያታውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ”

6. ብዛዕባ እቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ብመጀመርታ ብዛዕባ እቶም ከም ናትና ሃይማኖታዊ እምነት ዘይብሎም ሰባት ቅኑዕ ዝዀነ ኣረኣእያ​—⁠ናይ የሆዋ ኣረኣእያ​—⁠ክህልወና ይግባእ። እንተ ዘይኰነ ካብ ካልኦት ዘየድሊ ተጻብኦ ወይ ጸርፊ ክንዕድም ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ለውሃትኩም [“ምኽንያታውያን ምዃንኩም:” NW ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 4:⁠5) ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክህልወና ኢዩ ዘተባብዕ።

7. ንገዛእ ርእስና ካብ ዓለም ‘መንቅብ ዘይብላ’ ምግባራ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧

7 በቲ ሓደ ሸነኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ርእስና ካብ ርኽሰት ዓለም ክንሕሉ’ ብግልጺ ይምዕደና። (ያእቆብ 1:⁠27፣ 4:⁠4) ከምቲ ኣብ ብዙሕ ቦታታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳቶ ዘላ: እዛ ኣብዚ “ዓለም” ተባሂላ ዘላ መግለጺት ብዘይካ እቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት ንብምሉኡ ወድሰብ ኢያ እተመልክት። ኣብ ማእከል እዚ ሕብረተሰብ እዚ ኢና እንነብር፣ ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ጕርብትና ምስኦም ንራኸብ ኢና። (ዮሃንስ 17:⁠11, 15፣ 1 ቈረንቶስ 5:⁠9, 10) እንተዀነ ግን: ነቲ ምስ ናይ ኣምላኽ ጻድቕ መገድታት ዝጋጮ ኣመለኻኽታ: ኣዘራርባ: ከምኡውን ጠባይ ብምንጻግ ንገዛእ ርእስና ብዘይ መንቅብ ከም እትኸውን ገይርና ክንሕዛ ንኽእል ኢና። ምስ እዛ ዓለም እዚኣ ብፍላይ ከኣ ምስቶም ፈጺሞም ንስርዓታት የሆዋ ዘይግደሱሉ ሰባት ናይ ማሕርሮ ርክብ ምግባር ዘምጽኦ ሓደጋ ክንግንዘቦ እውን ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 13:⁠20

8. ካብ ዓለም መንቅብ ዘይብልና ክንከውን እተዋህበና ምኽሪ ንኻልኦት ኣትሒትና ንኽንርእዮም ምኽንያት ዘይኰነና ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ይኹን እምበር: እቲ ካብ ዓለም ብዘይ መንቅብ ክንከውን ከም ዘለና ዝገልጽ ምኽሪ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ኣትሒትና ንምርኣይ ፈጺሙ ምኽንያት ኣይኰነናን ኢዩ። (ምሳሌ 8:⁠13) ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተመያየጥናሉ ኣብነት ናይቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዘክሮ። እቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ሃይማኖት ስምረት የሆዋ ኣይረኸበን፣ ምስቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ጽቡቕ ርክብ ንኽህልዎም እውን ኣበርክቶ ኣይገበረን። (ማቴዎስ 21:⁠43, 45) እዞም ርእሶም ዘጽድቑ ደረቐኛታት ሰባት ነቶም ኣህዛብ ኣትሒቶም ኢዮም ዝርእይዎም ነይሮም። ከምዚ ዝበለ ጸቢብ ኣመለኻኽታ ብምሓዝ ነቶም መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ብንዕቀት ኣይንርእዮምን ኢና። ንሕና እውን ከም ሃዋርያ ጳውሎስ: ድሌትና ኵሎም እቶም መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰምዑ ሰባት ስምረት ኣምላኽ ክረኽቡ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 26:⁠29፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 4

9. ሚዛናዊ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ኣብቲ ብዛዕባ እቶም ከም ናትና እምነት ዘይብሎም ሰባት እንገብሮ ዘረባ እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ክህልዎ ዝግባእ፧

9 ሚዛናዊ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ: ነቲ ብዛዕባ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ዘሎና ኣዘራርባ ክትንክፎ ይግባእ። ጳውሎስ ንቲቶስ ነቶም ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ዝነበሩ ክርስትያን ‘ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ: ተባኣስቲ ኸይኰኑ: ልኡማት: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ’ ክነግሮም ኣዘኻኸሮ። (ቲቶስ 3:⁠2) ክርስትያን “ንሓደ እኳ”​—⁠ነቶም ኣብ ቅሬጥስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘይኰኑ ብሓሶቶም: ብስስዐኦም: ከምኡውን ብትህኪቶም ፍሉጣት ዝነበሩ ሰባት እውን ሓዊስካ​—⁠ሕማቕ ከይዛረቡ ከም እተነግሩ ኣስተብህል። (ቲቶስ 1:⁠12) ስለዚ ነቶም ከም ናትና ዝበለ እምነት ዘይብሎም ሰባት ካባና ከም ዝትሕቱ ዘርኢ መግለጺታት ምጥቃም ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኢዩ። ንርእስኻ ኣልዒልካ ምርኣይ ካልኦት ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ከም ዝሰሓቡ ኣይገብሮምን ኢዩ። ኣብ ከንድኡ ግን ንኻልኦት ምስቲ ምኽንያታዊ ዝዀነ ስርዓታት ቃል የሆዋ ተሰማሚዕና ምስ እንርእዮም ‘ንትምህርቲ’ ኣምላኽ ‘ክንስልሞ’ ኢና።​—⁠ቲቶስ 2:⁠10

መዓስ ስቕ ከም ዝበሃል መዓስ ከኣ ከም ዝዝረብ

10, 11. የሱስ (ሀ) ናይ ‘ምዝራብ ግዜ’ (ለ) ‘ስቕ ናይ ምባል ግዜ’ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኣርኣየ፧

10 መክብብ 3:⁠7 “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ: ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ” ትብል። እቲ ብድሆ እምበኣር ንተጻረርቲ መዓስ ሸለል ከም እንብሎምን እምነትና ንምጥባቕ መዓስ ከም እንዛረብን ምፍላጥ ኢዩ። ካብ ኣብነት ናይቲ ብምስትውዓል ዝመጸ ኵሉ ግዜ ፍጹም ዝነበረ የሱስ ክንማሃር ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:⁠21) ‘ስቕ ዝብሃለሉ ግዜ’ መዓስ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይቲ ህዝብን ብሓሶት ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ምስ ከሰስዎ የሱስ “ብሕም ኢሉ አይመለሰን።” (ማቴዎስ 27:⁠11-14) ነቲ ንዕኡ ዝምልከት ዝነበረ ዕላማ ኣምላኽ ከይፍጸም ዝዓናቕፍ ነገር ክዛረብ ወይ ክገብር ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ብቕሉዕ ዝገብሮ ዝነበረ ተግባራቱ ክምስክር መረጸ። ሓቂ እውን እንተዀነ ነቲ ናይ ትዕቢት ኣተሓሳስብኦምን ልቦምን ክቕይሮ ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ኰነ ኢሉ ከይምልስ ምእንቲ ስቕ ዝበለሉ ምኽንያት ንኸይጥሕስ ነቲ ዘቕረቡሉ ክሲ ሸለል በሎ።​—⁠ኢሳይያስ 53:⁠7

11 ይኹን እምበር: የሱስ ናይ ‘ምዝራብ ግዜ’ ከም ዘሎ እውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ነቲ ናይ ሓሶት ክሶም ብምንጻግ ምስቶም ነቐፍቱ ብቐጥታን ብግህዶን ይካታዕ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን የሱስ ንኣጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ገይሩ ኢዩ ዘውጽኦም ኢሎም ብምኽሳስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከዋርድዎ ምስ ፈተኑ የሱስ ነቲ ናይ ሓሶት ክሲ ስቕ ኣይበሎን። ሓያል ዝዀነ መርትዖን ምሳሌን ተጠቒሙ ነቲ ሓሶት ከም ዝፈሽል ገበሮ። (ማርቆስ 3:⁠20-30፣ ከምኡውን ማቴዎስ 15:⁠1-11፣ 22:⁠17-21፣ ዮሃንስ 18:⁠37 ርአ።) ብተመሳሳሊ የሱስ ምስ ተኻሕደን ተኣስረን ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ምስ ቀረበን እቲ ሊቀ-ካህናት ቀያፋ ብጕርሒ “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና: በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ ኣለኹ” በሎ። እዚ እውን ናይ ‘ምዝራብ ግዜ’ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ስቕ ምባል ክርስቶስ ምዃኑ ምኽሓድ ማለት ክኸውን ኢዩ። ስለዚ የሱስ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ።​—⁠ማቴዎስ 26:⁠63, 64፣ ማርቆስ 14:⁠61, 62

12. ንጳውሎስን በርናባስን ኣብ ኢቆንዩም ብትብዓት ንኽዛረቡ ዘለዓዓሎም ኵነታት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

12 ናይ ጳውሎስን በርናባስን ኣብነት እውን እስከ ንርአ። ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠1, 2 ከምዚ ትብል:- “ኣብ ኢቆንዩም ኰነ: ሐቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ አትዮም: ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ዝአምኑ: ተዛረቡ። እቶም ዘይአመኑ ኣይሁድ ግና ልቢ እቶም ኣህዛብ ናብቶም ኣሕዋት ኣናቓነቑን ኣኽፍኡን።” ኣብ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይንበብ:- “እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግን ነቶም ኣህዛብ ኣንጻር ክርስትያን ኣለዓዓልዎም: ኣእምሮኦም ከኣ መረዙ።” እቶም ኣይሁድ ተጻረርቲ ንርእሶም ነቲ መልእኽቲ ምንጻጎም ስለ ዘየዕገቦም: እቶም ኣህዛብ ኣንጻር ክርስትያናት ብሕማቕ ኣቐዲሞም ምእንቲ ክፈርዱ ብሓሶት ናይ ምጽላም ወፈራ ጀመሩ።a እቲ ንክርስትና ምጽልኦም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዓሚቝ ዝነበረ! (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠28 ኣረኣእዮ።) እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ በቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እተገብረ ጸርፊ መንፈሶም ምእንቲ ከየጥፍኡ: ጳውሎስን በርናባስን እዚ ናይ ‘ምዝራብ ግዜ’ ኢዩ ኢሎም ሓሰቡ። ስለዚ ጳውሎስን ባርናባስን በቲ ተኣምራት ክገብሩ ሓይሊ ብምሃብ ስምረቱ ዘርኣዮም ‘ጐይታ ተአሚኖም: ብትብዓት እናተዛረቡ ኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ።’ እዚ ኸኣ “ገሊኦም ምስ ኣይሁድ: ገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት” ከም ዝዀኑ ገበረ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠3, 4

13. ንጸርፊ ምላሽ ኣብ ምሃብ መብዛሕትኡ እዋን ‘ስቕ ናይ ምባል ግዜ’ መዓስ ኢዩ፧

13 ክንጽረፍ ከሎና እምበኣር ብኸመይ ኢና ክንምልስ ዘሎና፧ ኵሉ ኣብቲ ኵነታት እተመርኰሰ ኢዩ። ገለ ኵነታት ነቲ ‘ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ’ ዝብል ስርዓት ኣብ ተግባር ንኸነውዕል ዝሓትት ኢዩ። ብፍላይ እቶም ተጻረርቲ ደይመደይ ኢሎም ኣብ ትርጕም ዘይብሉ ክርክር ከእትዉና ክደልዩ ከለዉ መልሲ ክንህበሉ ዘየድልየና ግዜ ኢዩ። ገለ ሰባት ሓቂ ክፈልጡ ከም ዘይደልዩ ክንርስዕ የብልናን። (2 ተሰሎንቄ 2:⁠9-12) ምስቶም ብትዕቢት ልቦም ኣብ ዘይምእማን ዘትረሩ ክትረዳዳእ ኢልካ ምጽዓር ፍረ የብሉን። ኣብ ርእሲ እዚ ምስ ነፍሲ ወከፍ ከጥቅዓና ዝደሊ ጠቃኒ ሰብ ኣብ ምክርኻር እንተ ተጸሚድና ኸኣ ካብቲ ዝያዳ ኣገዳስን ዓስቢ ዘለዎን ንጥፈት​—⁠ነቶም ቅኑዕ ዝልቦምን ብሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክፈልጡ ዝደልዩ ሰባትን ካብ ምሕጋዝ⁠—​ከነላግስ ኢና። ስለዚ ምስቶም ብዛዕባና ሓሶት ክነዝሑ ዝደልዩ ተጻረርቲ ምስ እንራኸብ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ “ካባታቶም ኣግልሱ” ኢዩ ዝብለና።​—⁠ሮሜ 16:⁠17, 18፣ ማቴዎስ 7:⁠6

14. ንእምነትና ኣብ ቅድሚ ካልኦት ክንጣበቐላ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢዩ፧

14 እዚ ግን ንእምነትና ኣይንጣበቐላን ኢና ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ ‘ንምዝራብውን ግዜ ኣለዎ።’ ነቶም ብዛዕባና ዘዋርድ ነቐፋ ዝሰምዑ ቅኑዓት ሰባት ንግደሰሎም ኢና። ንኻልኦት ናይቲ ካብ ልብና ንኣምነሉ ነገራት ብሩህ መግለጺ ክንህብ ፍቓደኛታት ኢና፣ አረ ነቲ ኣጋጣሚ ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎ። ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር: ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።” (1 ጴጥሮስ 3:⁠15) እቶም ብቕንዕና ዝግደሱ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣኽቢርና እንርእዮ እምነትና መረጋገጺ ክደልዩ ከለዉ: ብዛዕባ እቲ ብተጻረርቲ እተላዕለ ናይ ሓሶት ክሲ ክሓቱ ከለዉ ቅኑዕ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልስታት ብምሃብ ንእምነትና ክንጣበቐላ ሓላፍነትና ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ሰናይ ዝዀነ ጠባይና ዓቢ ምስክርነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ተዓዘብቲ ብሓቂ ምስቲ ጻድቕ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ክንነብር ከም እንጽዕር ክምልከቱ ኢዮም: ብቐሊሉ ኸኣ እቲ ኣንጻርና ዝቐርብ ክሲ ጌጋ ምዃኑ ክዕዘቡ ኢዮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠12-15

ብዛዕባ እቲ ዝቃላሕ ምክፋእከ እንታይ ክበሃል ይከኣል

15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግዳይ ናይቲ ብማዕከናት ዜና ዝመሓላለፍ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝዀኑ ዝሕብር ሓደ ኣብነት እንታይ ኢዩ፧

15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሓደ ግዜ ኣደዳ ናይቲ ኣብ ማዕከናት ዜና እተዘርግሐ ጌጋ ሓበሬታ ኰይኖም ኢዮም። ንኣብነት: 1 ነሓሰ 1997 ኣብ ሓደ ናይ ሩስያ ጋዜጣ መሰኻኽር ከም ጕጅለ መጠን ‘ነቲ ናቶም እምነት ዘይርድእዎን ዘይቅበልዎን እንተድኣ ኰይኖም ነንስቶም: ንሰብኡተን: ከምኡውን ንወለዶም ክነጽጉ’ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ ዝብልን ካልእን ናይ ምክፋእ ዓንቀጽ ተሓትመ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቑ ዝፈልጦም ዝዀነ ይኹን ሰብ እዚ ክሲ እዚ ሓሶት ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ነቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራቤት ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ክርእይዎም ኢዩ ዝነግር: መሰኻኽር ከኣ ነዚ መምርሒ እዚ ክስዕቡ ኢዮም ዝጽዕሩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠12-16፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠1-4) ከምኡ እኳ እንተዀነ: እታ ዓንቀጽ ተሓትመት እሞ በዚ ኸኣ ብዙሓት ኣንበብቲ ጌጋ ሓበሬታ ተመሓላለፈሎም። ብሓሶት ክንክሰስ ከሎና ንእምትና ብኸመይ ንጣበቐላ፧

16, 17 ከምኡውን ሳጹን ኣብ ገጽ 16. (ሀ) ሓደ ግዜ ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝወጸ ናይ ሓሶት ሓበሬታ መልሲ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ በለ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማዕከናት ዜና ንዝወጸ ኣሉታዊ ጸብጻብ ምላሽ ዝህብሉ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ክኸውን ከሎ ኢዩ፧

16 ኣብዚ እውን እንተዀነ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ: ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ።” ግምቢ ዘብዐኛ ሓደ ግዜ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣብ ማዕከናት ዜና ዝቐረበ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሸለል ክንብሎ ወይ ብዝጥዕም ኣገባብ ንሓቂ ክንጣበቕ ኣብቲ ኵነታት: ኣብቲ ነቲ ነቐፋ ዘለዓዕል ሰብ: ከምኡውን ኣብቲ ክበጽሖ ዝደለየ ዕላማ እተመርኰሰ ኢዩ።” ኣብ ገለ ኵነታት ነቲ ኣሉታዊ ጸብጻብ ሸለል ምባሉ ዝበለጸ ይኸውን: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ሓሶት ዝያዳ ከም ዝፍለጥ ኣይትገብሮን።

17 ኣብ ካልእ ኵነታት ከኣ ናይ ‘ምዝራብ ግዜ’ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ዝእመን ጋዜጠኛ ወይ ሪፖርተር ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ሓበሬታ ተነጊሩ ይኸውን እሞ ብዛዕባና ናይ ሓቂ ሓበሬታ ይደሊ ይኸውን። (ነቲ “ንምክፋእ ዝቐረበ ነገር ምእራሙ” ዝብል ሳጹን ርአ።) ኣብ ማዕከናት ዜና ዝቐረበ ኣሉታዊ ጸብጻብ ነቲ ናይ ስብከት ዕዮና ዘሰናኽል ምስ ዝኸውን እቶም ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘለዉ ወኪላት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብዝጥዕም ኣገባብ ገይሮም ነቲ ሓቂ ንምጥባቕ ተበግሶ ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።b ንኣብነት: ስቕ ምባል ናይ የሆዋ መሰኻኽር መልሲ ከም ዘይብሎም ከምስል ስለ ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎም ሽማግለታት ነቲ ሓቅታት ከም ኣብ ናይ ቲቪ ፕሮግራም ከቕርቡ ይምዘዙ ይዀኑ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጕዳያት መሰኻኽር በብውልቆም ብጥበብ ምስቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ወኪላታን ዝህብዎ መሪሕነት ይተሓባበሩ ኢዮም።​—⁠እብራውያን 13:⁠17

ብሕጋዊ መገዲ ነቲ ብስራት ምጥባቕ

18. (ሀ) ንኽንሰብኽ ናይ ሰብኣውያን መንግስታት ፍቓድ ዘይንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንኽንሰብኽ ፍቓድ ምስ እንስእን እንታይ ኢና እንገብር፧

18 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ስልጣን እተዋህበና ካብ ሰማይ ኢዩ። እቲ ነዚ ዕዮ እዚ ክንፍጽም ዝለኣኸና የሱስ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ተዋሂብዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠18-20፣ ፊልጲ 2:⁠9-11) ስለዚ ንኽንሰብኽ ናይ ሰብኣውያን መንግስታት ፍቓድ ኣየድልየናን ኢዩ። ከምኡ እኳ እንተዀነ ሃይማኖታዊ ናጽነት ምህላው ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምስፋሕ ዝጠቅም ኢዩ። ኣብቲ ናይ ኣምልኾ ናጽነት ዘሎና ቦታታት ነቲ ዘሎና ናጽነት ንምዕቃብ ሕጋዊ ኣገባብ ክንጥቀም ኢና። ከምዚ ዝበለ ናጽነት ኣብ ዘይብልና ቦታታት ከኣ ኣብ ውሽጢ ናይ ሕጊ ስርዓት ኴንና ንኽወሃበና ክንጽዕር ኢና። ዕላማና ኣብ ሕብረተሰብ ለውጢ ንምምጻእ ዘይኰነስ: “ምእንቲ ወንጌል ንምጥባቕን ብሕጊ ንምቛሙን” ኢዩ።c​—⁠ፊልጲ 1:⁠7 NW

19. (ሀ) ‘ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ’ ብምሃብና እንታይ ፍረ ንረክብ፧ (ለ) ውሳነና እንታይ ንምግባር ኢዩ፧

19 ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ንየሆዋ ከም ናይ ኣድማስ ልዑል ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። ሕጉ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ኢዩ። ብሕልና ተደሪኽና ንሰብኣውያን መንግስታት ንእዘዞም ኢና: በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ናይ ቄሳር ንቔሳር ንህብ።’ እንተዀነ ግን: ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ‘ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ምሃብ’ ሓላፍነትና እውን ካብ ምፍጻም ዘማናግወና ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። (ማቴዎስ 22:⁠21) ከምኡ ምግባር ብሃገራት ‘ጽሉኣት’ ከም ዝገብረና ንፈልጥ ኢና: እንተዀነ ግን ነዚ ከም ክፍሊ ናይቲ ወደ መዝሙር ብምዃንና እንኸፍሎ ዋጋ ገይርና ኢና እንቕበሎ። ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን እተገብረ ሕጋዊ ነገራት ዝገልጽ ጸብጻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ እምነትና ንምጥባቕ ከም ዝቘረጽና መርትዖ ኢዩ። ብሓገዝን ደገፍን የሆዋ ‘ከየብኰርና ነቲ ብስራት ምምሃርን ምስባኽን’ ክንቅጽል ኢና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠42

[እግረ-ጽሑፋት]

a ማትዩ ሄንሪ ኮመንታሪ ኦን ዘ ሆል ባይብል (እንግሊዝኛ) ክገልጽ ከሎ እቶም ዝጻረሩ ዝነበሩ ኣይሁድ “ናብቶም ዝፈልጥዎም ዘበሉ [ኣህዛብ] ብምኻድ ኣእምርኦም ወይ እከዮም ክምህዞ ዝኽእል ዘበለ ነገራት ብምዝራብ ኣብ ውሽጦም ሕሰም ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ክርስትና ሕማቕ ኣረኣእያ እውን ከእትውሎም ውራየይ ኢሎም ተተሓሓዝዎ።”

b እቲ ምክፋእ ዝሓዘ ዓንቀጽ ኣብታ ናይ ሩስያ ጋዜጣ (ኣብ ቍጽሪ 15 እተጠቕሰ) ምስ ተሓትመ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ሩስያ ፈደረሽን ዘሎ ፕረዝደንታዊ ቤት ምኽሪ ናይ ማዕከናት ዜና ዘይምርድዳእ ይግባይ ብምባል እቲ ኣብታ ዓንቀጽ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ክሲ እንደገና ክርአ ሓተቱ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ እቲ ቤት ፍርዲ እታ ጋዜጣ ናይ ምጽላም ዓንቀጽ ብምሕታማ ክትቅጻዕ ወሰነ።​—⁠ናይ 22 ሕዳር 1998 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 26-7 ርአ።

c ነታ “ነቲ ብስራት ብሕጋዊ መገዲ ምክልኻል” እትብል ኣብ ገጽ 19-22 ዘላ ዓንቀጽ ርአ።

ትዝክሮዶ፧

◻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ዝጽልኡ’ ስለምንታይ ኢዮም፧

◻ ነቶም ከም ናትና ዝበለ ሃይማኖታዊ እምነት ዘይስዕቡ ሰባት ብኸመይ ኢና ክንርእዮም ዝግብኣና፧

◻ ምስ ተጻረርቲ ኣብ እንገብሮ ምምልላስ: ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ ኣብነት ኢዩ የሱስ ዝሰርዐ፧

◻ ምስ እንጽረፍ ነቲ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ: ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ” ዝብል ስርዓት ብኸመይ ኣብ ተግባር ከነውዕሎ ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን]

ንምክፋእ ዝቐረበ ነገር ምእራሙ

“ኣብ ሓንቲ ያኲባ እትበሃል ናይ ቦሊቭያ ከተማ: ናይቲ ከባቢ ጕጅለ ወንጌላውያን ሓንቲ ብኸሓድቲ እተዳለወት ፊልም ኣብ ቲቪ ከም እትርአ ገበሩ። እቲ መደብ እቲ ዘስዓቦ ሕማቕ ሳዕቤን ብምምልካት እቶም ሽማግለታት ናብ ክልተ ናይ ቲቪ መደበራት ክኸዱ እሞ ነተን ዘ ኦርጋናይዘሽን ቢሃይንድ ዘ ነይም ከምኡውን ዘ ባይብል​—⁠አ ቡክ ኦቭ ፋክት አንድ ፕሮፈሲ ዝብላ ቪድዮ ንህዝቢ እንተ ኣርእዮም ከም ዝኸፍልዎም ክነግርዎም ወሰኑ። ነቲ ናይ ማሕበር ቪድዮ ምስ ረኣዮ ዋና ናይ ሓደ መደበር ረድዮ በቲ በቶም ናይ ከሓድቲ መደብ ብጌጋ ዝቐረበ ነገር ተቘጥዐ እሞ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ቅሩብ እዋን ክካየድ ዝነበሮ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ኣብ ረድዮ ብናጻ ምልክታ ክነግሩ ኣፍቀደሎም። ቍጽሪ ተኣከብቲ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ብዙሕ ነበረ: ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎት ናብ ቤቶም ክበጽሕዎም ከለዉ ብቕንዕና ክሓትዎም ጀመሩ።”​—⁠ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 61-2

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ገለ ኣጋጣሚ የሱስ እቶም ነቐፍቱ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ክሲ ግጉይ ምዃኑ መረጋገጺ ይህብ ነበረ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ