ነቲ ብስራት ብሕጋዊ መገዲ ምክልኻል
ሰብ ከተማታት ክሃንጽ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ መናድቕ ነዲቑ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ጥንቲ እዚ ዕርድታት እዚ መከላኸሊ ኢዩ ነይሩ። እቶም ሓለውቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓጹር እዚ ኰይኖም ጸላእቲ ነቲ መናድቕ ከይጥሕስዎ ወይ ከየፍርስዎ ይቃለሱ ነበሩ። እቶም ተቐማጦ ናይታ ከተማ ዕቝባ ይረኽቡ ነይሮም ጥራይ ዘይኰነስ ናይተን ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዝነበራ ዓድታት ተቐማጦ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ መናድቕ ይዕቈቡ ነበሩ።—2 ሳሙኤል 11:20-24፣ ኢሳይያስ 25:12
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ብተመሳሳሊ ሓደ መንደቕ ነዲቖም ኢዮም: እዚ ኸኣ መዕቈቢ ዝኸውን ሕጋዊ መንደቕ ኢዩ። እዚ መንደቕ እዚ ንመሰኻኽር ካብቲ ካልእ ሕብረተሰብ ንኽፈልዮም እተሃንጸ ኣይኰነን: ከመይሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ዝፈትዉን ሕዉሳትን ምዃኖም ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ እዚ መንደቕ እዚ እቲ ንዅሎም ሰባት ዘድሊ መሰረታዊ ናጽነት: ድልዱል ዝዀነ ሕጋዊ ውሕስነት ከም ዝህልዎ ዝገብር ኢዩ። ንእግረ-መገዱ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣምልኾኦም ብናጽነት ምእንቲ ክፍጽሙ ነቲ ሕጋዊ መሰሎም ዝከላኸል ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 5:14-16 ኣረኣእዮ።) እዚ መንደቕ እዚ ንኣገባብ ኣምልኾኦምን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዘለዎም መሰልን ዝከላኸል ኢዩ። እዚ መንደቕ እዚ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ እተነድቀ፧
ንመከላኸሊ ዝኸውን ሕጋዊ መንደቕ ምንዳቕ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘለዎም እኳ እንተዀኑ: ኣብ ገለ ሃገራት ግን መሰረት ዘይብሉ መጥቃዕቲ ወሪድዎም ኢዩ። ብሓንሳብ ብምእካብ ወይ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽ ኣምልኾኦም ከይገብሩ ናጽነቶም ኣብ ሕቶ ምስ ዝኣቱ ነቲ ጕዳይ ብሕጋዊ መገዲ ይከታተልዎ ኢዮም። ኣብ ብዘላ ዓለም እቲ ንመሰኻኽር ዝምልከት ኣብ ሕጊ ዝቐረበ ጕዳያት ብኣሽሓት ዝቝጸር ኰይኑ ኣሎ።a ዕዉት ዝኸውን ግን ኵሉ ኣይኰነን። እቲ ታሕተዋይ ኣብያተ-ፍርዲ ኣንጻሮም ክፈርድ ከሎ ግን: ኵሉ ግዜ ናብ ላዕለዋይ ኣብያተ-ፍርዲ ይግባይ ይብሉ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ናይዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሕጋዊ ዓወታት ተረኺቡ ኢዩ: እዚ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ጕዳያት ይግባይ ክብሉ ዘኽእሎም ድልዱል ባይታ ኰይኑ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ንምንዳቕ ዝጠቅም ሕጡብ ወይ እምኒ: እዚ ኣወንታዊ ዝዀነ ውሳነታት እዚ ኸኣ ከም ዕቝባ ዘገልግል ሕጋዊ መንደቕ ይሃንጽ። እቶም መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ እቲ ብድሕሪኡ ንዝለዓል ነገራት ባይታ ዝኸውን ናይ ሕጊ መንደቕ ኰይኖም ኣምልኾኦም ንኽገብሩ ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምርካብ ብቐጻሊ ይቃለሱ።
ንኣብነት: ነቲ ኣብ መንጎ ሙርዶክን ግዝኣት ፐንሲልቫንያን ዝነበረ ክርክር ኣመልኪቱ ብ3 ግንቦት 1943 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሃቦ ውሳነ ንመልከት። እቲ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እተላዕለ ሕቶ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሃይማኖታዊ ጽሑፋቶም እናዞሩ ንኽዕድሉ ንግዳዊ ፍቓድ የድልዮምዶ ኢዩ፧’ ዝብል ነበረ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንግዳዊ ፍቓድ ክህልዎም ክሕተቱ ከም ዘይብሎም ተማጐቱ። እቲ ናይ ስብከት ዕዮኦም ፈጺሙ ንግዳዊ ኣይኰነን: ኰይኑውን ኣይፈልጥን ኢዩ። ዕላምኦም ገንዘብ ምርካብ ዘይኰነስ ብስራት ምስባኽ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:8፣ 2 ቈረንቶስ 2:17) ኣብ ውሳነ ሙርዶክ እቲ ቤት ፍርዲ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ንምዕዳል ናይ ንግዲ ፍቓድ ግብሪ ምኽፋል የድሊ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ ቅዋም ዘየለ ኢዩ ብምባል ምስቶም መሰኻኽር ተሰማምዐ።b እዚ ውሳነ እዚ ነቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ጕዳያት ጽቡቕ ባይታ ዀነ: መሰኻኽር ከኣ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ነዚ ከም መርትዖ ጠቒሶም ይግባይ ብምባል ኣብ ብዙሕ ጕዳያት ተዓዊቶም ኢዮም። እቲ ብዛዕባ ሙርዶክ እተዋህበ ውሳነ ኣብቲ ንመዕቘቢ ዝኸውን ሕጋዊ መንደቕ ከም ጽኑዕ ሕጡብ ኢዩ ኰይኑ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ንዅሎም ሰባት ሃይማኖታዊ ናጽነቶም ክዕቅቡ ብዙሕ ኢዩ ጠቒሙ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ኦቭ ቺንቺናቲ ሎው ረቪው (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እቲ መሰኻኽር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምእንቲ ሲቪላዊ መሰል ኣብ ምጥባቕ ዘበርከትዎ ግደ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ ንደረት ናይቲ ኣብ ምዝራብን ሃይማኖትን ዘሎ ናጽነት ብምስፋሕ ንቅዋማዊ ሕጊ ኣብ ምምሕያሽ ዓሚቝ ጽልዋ ነይርዎም ኢዩ።”
ነቲ መንደቕ ምድልዳል
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጋዊ ዓወት እቲ መንደቕ ዝያዳ ይድልድል። ገለ ካብቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንዅሎም እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናጽነት ዘፍቅሩ ሰባትን ዝጠቅም ኣብ 1990ታት እተገብረ ውሳነታት ንርአ።
ግሪኽ። ብ25 ግንቦት 1993 ኣውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ሓደ ግሪኻዊ ዜጋ ንኻልኦት ብዛዕባ ሃይማኖታዊ እምነቱ ክምህር መሰል ከም ዘለዎ ኣጽደቐ። እቲ ጕዳይ ነቲ ሽዑ ዕድሚኡ 84 ዓመት ዝነበረ ሚኖስ ኮኪናኪስ ዝምልከት ኢዩ ነይሩ። ኮኪናኪስ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃኑ ካብ 1938 ኣትሒዙ ልዕሊ 60 ግዜ ኢዩ ተኣሲሩ: 18 ግዜ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ግሪኽ ቀሪቡ: ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ። መብዛሕትኡ ኸኣ ብመሰረት እቲ ሃይማኖት ምልዋጥ ዝኽልክል ናይ 1930ታት ሕጊ ግሪኽ ኢዩ ገበነኛ ተቘጺሩ—እዚ ሕጊ እዚ ካብ 1938 ክሳብ 1992 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ 20,000 ዝኸውን ግዜ ንኽእሰሩ ምኽንያት ኰይኑ ኢዩ። እቲ ኣውሮጳዊ ቤት ፍርዲ: መንግስቲ ግሪኽ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ኮኪናኪስ ከም ዝገሃሶ እሞ ነቲ ዘውረደሉ ጕድኣት 14,400 ዶላር ኣመሪካ ክኽሕሶ ወሰነ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ዘመሓላለፎ ውሳነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ “ፍሉጣት ሃይማኖት” ኢዮም በለ።—ናይ 1 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-31 ርአ።
ሜክሲኮ። ብ16 ሓምለ 1992 ኣብ ሜክሲኮ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ምጥባቕ ዓቢ ስጕምቲ ተወስደ። ኣብቲ ዕለት እቲ ንሃይማኖታዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ኣምልኾን ዝምልከት ሕጊ ጸደቐ። ብመሰረት እዚ ሕጊ እዚ ሓደ ሃይማኖታዊ ጕጅለ እቲ ዘድሊ ምዝገባ ብምግባር ከም ሃይማኖታዊ ማሕበር መጠን ሕጋዊ ኣፍልጦ ክወሃቦ ይኽእል። ቅድሚኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ካልኦት ሃይማኖታት ኣብታ ከተማ ብግሁድ ነይሮም ኢዮም: ሕጋዊ ኣፍልጦ ግን ኣይተዋህቦምን። ብ13 ሚያዝያ 1933 እቶም መሰኻኽር ክምዝገቡ ሓተቱ። እቲ ዘሐጕስ ከኣ ብ7 ግንቦት 1993 ብሕጊ ከም ላ ቶረ ዴል ቨሂያ ኤ. ኣር. ከምኡውን ሎስ ቴስቲጎስ ዴ ሄዮቫ ኤን መሂኮ: ኤ. ኣር. ተባሂሎም ተመዝገቡ: ክልቲኡ ኸኣ ሃይማኖታዊ ማሕበር ኢዩ።—ናይ 22 ሓምለ 1994 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 12-14 ርአ።
ብራዚል። ብሕዳር 1990 ናይ ብራዚል ሃገራዊ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት (ኣይ.ኤን.ኤስ.ኤስ.) ንጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እቶም ኣብ ቤትኤል (ነቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጨንፈር እተዋህበ ስም) ዘለዉ ወለንተኛታት ኣገልገልቲ ድሕሪ ደጊም ከም ሃይማኖታውያን ኣገልገልቲ ከም ዘይርኣዩ: ስለዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ናይ ብራዚል ሕጊ ዕዮ ከም ዝዀኑ ኣፍለጥዎም። እቶም መሰኻኽር ይግባይ በሉ። ብ7 ሰነ 1996 እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ናይ ብራዚልያ ዘሎ ናይ ፍርዲ ኣማኻሪ እቶም ኣብ ቤትኤል ዘለዉ ኣገልገልቲ ከም እተቘጽሩ ሰራሕተኛታት ዘይኰነስ ከም ኣባላት ናይ ሓደ ሕጋዊ ሃይማኖታዊ ማሕበር መጠን ኣብ ቤትኤል ከም ዘገልግሉ ብምድጋፍ ወሰነ።
ጃፓን። ብ8 መጋቢት 1996 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጃፓን ኣብ ጃፓን ንዘሎ ኵሉ ሰብ ዝጠቅም ንትምህርትን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ዝምልከት ሓደ ውሳነ ኣመሓላለፈ። ኩኒሂቶ ኮባያሺ ናይ ኬንዶ ትምህርቲ ምውሳድ ብምእባዩ ካብ ናይ ኮቤ ሙኒሲፓል ኢንዳስትሪያል ተክኒካል ኮለጅ ተሰጐ: እቲ ቤት ፍርዲ ኸኣ እቲ ኮለጅ ሕጊ ከም ዝጠሓሰ ብሓደ ድምጺ ወሰነ። እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብመሰረት እቲ ናይ ጃፓን ቅዋም ዝገልጾ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ክህብ ናይ መጀመርታ ኢዩ። ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልንኡ ብምስዓብ እዚ መንእሰይ ምስክር እቲ ዝግበር ልምምዳት ምስቲ “ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ” ዝብል ኣብ ኢሳይያስ 2:4 ዘሎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ምዃኑ ተረድአ። ናይቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ነቲ ብድሕሪኡ ዝቐርብ ጕዳያት ጽቡቕ ባይታ ኰነ።—ናይ 1 ሕዳር 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 19-21 ርአ።
ብ9 ለካቲት 1998 ናይ ቶክዮ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ሚሳኢ ታኬዳ እተባህለት ምስክር ምስቲ ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ዘይሰማማዕ ሕክምናዊ ክንክን ክትኣቢ መሰል ከም ዘለዋ ብምድጋፍ ካልእ ታሪኻዊ ዝዀነ ውሳነ ኣመሓላለፈ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) እዚ ጕዳይ እዚ ኣብቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ናይ ጃፓን ይግባይ ተባሂሉ ኣሎ: እቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ በቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ጃፓን ዝድገፍ እንተ ዀይኑ ገና ክርአ ኢዩ።
ፊሊፒንስ። ብ1 መጋቢት 1993 እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ፊሊፒንስ ብሓደ ድምጺ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድግፍ ወሳነ ኣመሓላለፈ። እቲ ጕዳይ ንባንዴራ ሰላምታ ከይገብሩ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ብምእባዮም ካብ ቤት ትምህርቲ እተሰጉ መንእሰያት መሰኻኽር ዝምልከት ኢዩ ነይሩ።
ኵሉ እቲ እተረኽበ ኣወንታዊ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነታት: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዘይኰነስ ንናይ ኵሉ ሰብ መሰል ንምሕላው ዝኸውን ሕጋዊ መንደቕ ዘደልድል እምኒ ወይ ሕጡብ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝቝጸር።
ነቲ መንደቕ ምሕላዉ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 153 ሃገራት ብሕጊ ምዝጉባት ኢዮም: ከምቲ እተን ኣፍልጦ እተዋህበለን ካልኦት ሃይማኖታት ዝረኽብኦ ኸኣ ብዙሕ ናጽነት ይረኽቡ ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ሕብረት ሶቭየት ነበርን ንዓሰርተታት ዓመታት መስጐጕቲ ድሕሪ ምሕላፎም ሕጂ ኣብ ከም በዓል ኣልባንያ: በላሩስ: ቸክ ሪፑብሊክ: ጆርጂያ: ሃንጋሪ: ካዛኪስታን: ኪርጂኪስታን: ሮማንያ: ከምኡውን ስሎቫኪያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሕጊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ሎሚ ኣብ ገለ ሃገራት ኣብተን ንነዊሕ ግዜ ናይ ፍርዲ ስርዓት ዝነበረን ገሊአን ናይ ምዕራብ ኣውሮጳ ሃገራት እውን ሓዊስካ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መሰል ከቢድ ብድሆ የጋጥሞ ወይ ይገሃስ ኣሎ። ተጻረርቲ ብትግሃት ኣብ ልዕሊ መሰኻኽር ‘ብሕጊ ዓመጽ ክገብሩ’ ይፍትኑ ኣለዉ። (መዝሙር 94:20) እዚኣቶም ብኸመይ መልሲ ይህቡሉ፧c
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኵለን መንግስታት ክተሓባበሩ ኢዮም ዝደልዩ: እንተዀነ ግን ኣምልኾኦም ንኽገብሩ ሕጋዊ ናጽነት እውን ይደልዩ ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ሕጊ ወይ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ነቲ ብስራት ምስባኽ ዝብል ትእዛዝ ሓዊስካ ንዝዀነ ይኹን ሕጊ ኣምላኽ ከይትግበር ዝኽልክል ምስ ዝኸውን ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። (ማርቆስ 13:10) ብሰላማዊ መገዲ ስምምዕ ዘይግበር እንተድኣ ዀይኑ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣምልኾኦም ንምክያድ ኣምላኽ ዝሃቦም መሰል ሕጋዊ ዕቝባ ከም ዝረክብ ንምግባር ዘድሊ ስጕምቲ ወዲሶም ብሕጋዊ መገዲ ክከላኸሉ ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ” ብምባል ኣምላኽ እተመባጽዖ መብጽዓ ምሉእ እምንቶ ኣለዎም።—ኢሳይያስ 54:17
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ ሕጋዊ ነገራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝርዝር ንምፍላጥ በጃኻ ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር —ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትበሃል ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ምዕራፍ 30 ርአ።
b እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሳነ ሙርዶክ ነቲ ቅድሚኡ ኣብ መንጎ ጆነስን ከተማ ኦፐሊካን ዝነበረ ክርክር ክውስን ከሎ ዝወሰዶ ኣቕዋም ለዊጡዎ ኢዩ። ብ1942 ኣብ ጕዳይ ጆነስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ንራስኮ ጆነስ እተባህለ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ጽርግያታት ናይ ኦፐሊካ: ኣላባማ ግብሪ ከይከፈለ ጽሑፋት ብምዕዳሉ በደለኛ ከም ዝዀነ ገይሩ ዘመሓላለፎ ውሳነ ደገፈ።
c ነተን “ብምኽንያት እምነቶም እተጸልኡ” ከምኡውን “ምእንቲ እምነትና ምጥባቕ” ዝብላ ኣብ ገጽ 8-18 ዘለዋ ዓንቀጻት ርአ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን]
ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መሰል ምጥባቕ
እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወርድ መስጐጕቲ: ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ቅድሚ ፈራዶን ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ከም ዝቐርቡ ገይርዎም ኢዩ። (ሉቃስ 21:12, 13) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕጋዊ መገዲ ንመሰሎም ኣብ ምጥባቕ ህርኩታት ኢዮም። እቲ ኣብ ብዙሕ ሃገራት እተረኽበ ናይ ቤት ፍርዲ ዓወታት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ሕጋዊ ናጽነትን ነዚ ዝስዕብ መሰላትን ንምክልኻል ሓጊዙ ኢዩ:-
◻ ካብቲ ንነጋዶ ዝግበር ቀይዲ ናጻ ብምዃን ካብ ቤት ናብ ቤት ናይ ምስባኽ መሰል—ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (1943) ነቲ ኣብ መንጎ ሙርዶክን ግዝኣት ፐንሲልቫንያን ዝነበረ ክርክር ከምኡውን ኣውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት (ኢ.ሲ.ኤች.ኣር.) (1990) ኣብ መንጎ ኮኪናኪስን ግሪኽን ዝነበረ ክርክር ኣመልኪቶም ዘሕለፍዎ ውሳነ።
◻ ኣምልኾኦም ንምፍጻም ብናጻ ናይ ምእካብ መሰል—ኣብ መንጎ ማኑሳኪስ: ካልኦትን ግሪኽን ዝነበረ ክርክር (ኢ.ሲ.ኤች.ኣር.) (1996) ዘሕለፎ ውሳነ።
◻ ንባንዴራ ወይ ኣርማ ናይታ ሃገር ብኸመይ ኣኽብሮት ከርእዩ ከም ዝኽእሉ ብሕልንኦም ተደሪኾም ናይ ምውሳን መሰል—ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (1943) ነቲ ኣብ መንጎ ወስት ቪርጂንያ ስቴት ቦርድ ኦቭ ኢዱኬሽንን ባርነትን ዝነበረ ክርክር፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፊሊፒንስ (1993)፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ (1986) ዘሕለፍዎ ውሳነ።
◻ ነቲ ክርስትያናዊ ሕልንኦም ዝጥሕስ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናይ ምእባይ መሰል—ኣብ መንጎ ዮርያተስን ግሪኽን ዝነበረ ክርክር ኢ.ሲ.ኤች.ኣር. ዘሕለፎ ውሳነ (1997)።
◻ ንሕልንኦም ዘይግህስ ሕክምናን መድሃኒትን ናይ ምምራጽ መሰል—ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ኦንታርዮ: ካናዳ (1990) ኣብ መንጎ ማሊትን ሹልማንን ዝነበረ ክርክር፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሳን ዡኣን: ፖርቶ ሪኮ (1995) ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (1990) ኣብ መንጎ ፎስማይርን ኒኮላውን ዝነበረ ክርክር፣ ኣብ መንጎ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ኢ.ኤል.አይ. ዝነበረ ክርክር ኣመልኪቶም ዘሕለፍዎ ውሳነ።
◻ ንደቆም ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቶም ናይ ምዕባይ: እቲ እምነቶም ኣብቲ ቈልዓ ምስ መን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ክትዓት ኣካራኻሪ ምስ ዝኸውን እውን ከይተረፈ: ዘለዎም መሰል—ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ (1997) ኣብ መንጎ ሰይንት ላውረንትን ሱሰን ዝነበረ ክርክር፣ ኢ.ሲ.ኤች.ኣር. (1993) ኣብ መንጎ ሆፍማንን ኣውስትሪያን ዝነበረ ክርክር ኣመልኪቶም ዘሕለፍዎ ውሳነ።
◻ ልክዕ ከምቲ እተን ኣፍልጦ እተዋህበለን ካልኦት ሃይማኖታት ዝጥቀማሉ ትካላት ካብ ግብሪ ናጻ ዝዀና: ተመሳሳሊ ናጽነት ዝረክብ ሕጋዊ ትካላት ናይ ምህላውን ምክያድን መሰል—ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (1960) ኣብ መንጎ ህዝብን ሃሪን ዝነበረ ክርክር ኣመልኪቱ ዘመሓላለፎ ውሳነ።
◻ እቶም ኣብ ገለ ዓይነት ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ሰባት ከምቲ እቶም ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ዘለዉ ምሉእ ግዜ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ንግብሪ ዝምልከት ዝግበረሎም ኣረኣእያ ናይ ምርካብ መሰል—ናይ ብራዚል ሃገራዊ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት: ብራዚልያ (1996)።
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ሚኖስ ኮኪናኪስ ምስ በዓልቲ ቤቱ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ኩኒሂቶ ኮባያሺ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
The Complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck