ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/2 ገጽ 32
  • “ንቘልዓ . . . ኣላምዶ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንቘልዓ . . . ኣላምዶ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/2 ገጽ 32

“ንቘልዓ . . . ኣላምዶ”

ኣታኽልቲ ብጽቡቕ ምሓዝ: ዘርኢ ዘሪእካ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ፍረ ኽትሓፍስ ኢልካ ካብ ምምላስ ንላዕሊ ኢዩ። እቲ ኣታኽልቲ ጽቡቕ ፍረ ምእንቲ ከፍሪ: ነቲ መሬት ንምድላው: ዘርኢ ንምዝራእ: ከምኡውን ማይ ንምስታይን ንምክንኻንን ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ።

እዚ መስርሕ እዚ ንሓቅነት ናይቲ ኣብ ምሳሌ 22:⁠6 ዝርከብ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ዝብል ምኽሪ ብጽቡቕ ይገልጾ ኢዩ። ብርግጽ: ካብ ወለዲ ዝወሃብ ልምምድ ኣብ ኣተዓባብያ ቈልዓ ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ኣብዛ ሎሚ ሸለልትነት ዝመልኣ ዓለም ብዙሓት ወለዲ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣየቕልብሉን ኢዮም። እቶም ወለዲ ቈልዑ ንጸገማቶም ብገዛእ ርእሶም ምፍታሕ ክማሃሩ ኣለዎም ዝብል ልሙድ ኣረኣእያ እንተ ስዒቦም: ደቆም ብዘይ ደገፍ ኢዮም ዝተርፉ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ምስዓብ ከኣ ነቶም መንእሰያት በቶም ቀይዲ በተኽን ስርዓት ኣልቦን ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ንኽጽለዉ እተቓልዑ ምግባሮም ማለት ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 13:⁠20

ወለዲ ደቆም ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ብኣምላኻዊ መገዲ ብምልምማድ ክርስትያናዊ ስርዓታት ክሰርጽሎምሲ ኣየ ክንደይ ዝሓሸ ኰን ኢዩ! ንኣሽቱ ኸለዉ ክበሃል ከሎ መዓስ ማለት ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ካብ ቍልዕነት’ ኣትሒዙ ይብል። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ካብ ቍልዕነቱ ኢዩ ተለማሚዱ። ኣዲኡ ኤውኒቄን ዓባዩ ሎኢስን ጢሞቴዎስ ምእንቲ ‘ክማሃርን ክርዳእን’ ኢለን ነቲ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ሰሪጸናሉ ኢየን። ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምልምማድ ንጢሞቴዎስ ‘ንምድሓን ለባም’ ንኽኸውን ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠5፣ 3:⁠14, 15

ሎሚውን ብተመሳሳሊ: እቶም ‘ንሰናይ ግብሪ ዘይስልክዩ’ ወለዲ ‘እንተ ዘይተጸልኦም’ ብዙሕ ፍረ ክዓጽዱ ኢዮም። (ገላትያ 6:⁠9) እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን “ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስ” በለ።​—⁠ምሳሌ 23:⁠24

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ