ብዛዕባ ሓዳር ትሓስብዶ ኣሎኻ ኢኻ፧
ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርአ ፍትሕ ምስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተድኣ ኣመሳሲልናዮ: ልክዕ ከምቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብሓደ ቦታ ኣቢሉ ዝትኰስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ብፍትሕ ዝመጸ ፍልጥቲ ኢያ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ኣብዛ ሃገር እዚኣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን—ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ብገምጋም ክልተ—ዝኸውን ሓዳር ፈሪሱ ኢዩ። ብግድላት ሓዳር እትፍለጥ ግን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ከም ዘይኰነት ጽቡቕ ገይርካ ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ።
ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ: እቲ ኣብ ካናዳ: ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን: ፈረንሳ: ግሪኽ: ከምኡውን ሆላንድ ዘሎ ናይ ፍትሕ መጠን ካብቲ ብ1970 ዝነበረ ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ ኢዩ።
መብዛሕትኦም ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳር ዝምስርቱ ንሓድሕዶም ስለ ዝፋቐሩን ነቲ ዝተረፈ ህይወቶም ድማ ሓቢሮም ከሕልፍዎ ስለ ዝደልዩን ምዃኑ ዘእምነና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ። ይኹን እምበር: እቲ ሓጐስ ዘለዎ ሓዳር ናይ ምምስራት ባህጎም መብዛሕትኡ ግዜ ሕልሚ ዀይኑ ስለ ዝተርፍ ዘሕዝን ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ባህጎም ከይተፈጸመ ምስ ተረፈ: ኣዝዮም ቀልጢፎም ከም እተመርዓዉ ወይ ጌጋ ምርጫ ከም ዝገበሩ ወይ ድማ ክልቲኡ ጌጋ ከም ዝፈጸሙ ተዛሪቦም ኢዮም።
ብዙሕ ሓዳር ዝፈርስ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓንቲ ብዛዕባ ንመርዓ ዝግበር ምልላይ እትገልጽ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ደራሲት ከምዚ ትብል:- “እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዘይምድላው ኢዩ። ምስቶም ናይ ሓዳር ሽግር ዘለዎም ሰብ ሓዳር ክዘራረብ ከለኹ: ክልተ ስምዒት—ድንጋጽን ሕርቃንን—የለዓዕለለይ። እቲ ዝብህግዎ ዝነበሩ ዘዕግብ ሓድሕዳዊ ርክብ ስለ ዘይተፈጸመሎም እድንግጸሎም። እቲ ሓዳር ዘስዕቦ ሓላፍነት እተሓላለኸ ምዃኑ ብዘይ ምፍላጦም ድማ እሓርቕ።”
አረ ብዙሓትሲ ከመይ ገይሮም ሓዳሮም ዕዉት ከም ዝገብርዎ ከይፈለጡ ኢዮም ሓዳር ዝምስርቱ። እዚ ግን ፈጺሙ ኣየገርምን ኢዩ። ሓደ መምህር “ብዛዕባ ጠባይ ኣንጭዋን ጠበቕን ከጽንዑ ኮሌጅ ዝኣትዉ: ብዛዕባ ጠባይ ሰብኣይን ሰበይትን ግን ካብ ምምሃር ዝሰንፉ መንእሰያት ብዙሓትዶ ኸይኰኑ፧” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ።
ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሕጂ ክትምስርቶ እትኽእል ወይውን ብዛዕባ እቲ ድሮ ዝመስረትካዮ ሓዳር ትሓስብዶ ኣሎኻ፧ ትሓስብ እንተድኣ ኣሎኻ: እቲ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ዘሎ ሰብኣዊ ርክባት ካብቲ ኣብ ፊልምታትን መደብ ተለቪዥንን ናይ ፍቕሪ ልቢ ወለድ ጽሑፋትን ዝግለጽ ርክባት ኣዝዩ እተፈልየ ምዃኑ ክትግንዘብ ኣሎካ። ይኹን እምበር: እቲ ብኽልተ ንሓድሕዶም ብሓቂ ዝፋቐሩ ብሱላት ሰባት ዝቘመ ሓዳር በረኸት ኣምላኽ ገይርካ ክሕሰብ ይከኣል ኢዩ። (ምሳሌ 18:22፣ 19:14) እንተዀነ ግን: ነቲ ሓዳር ዝሓቶ ነገራት ንምምላእ ድሉው ምዃንካ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ናይ መርዓ ብጻይ ክትመርጽ ከሎኻ ክትሓስበሉ ዘሎካ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧ ወይ ድማ ድሮ ተመርዒኻ እንተድኣ ዄንካ: ነቲ ኣብ ሓዳርካ ክትረኽቦ እትኽእል ነባሪ ሓጐስ ከተዛይዶ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧