ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/2 ገጽ 3
  • ብዛዕባ ሓዳር ትሓስብዶ ኣሎኻ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ሓዳር ትሓስብዶ ኣሎኻ ኢኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ጽቡቕ ሓዳር ምግባር ይከኣል እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሓዳር ኣብ ደንደስ ምፍራስ ምስ ዝበጽሕ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ ሓዳርካ ጸገም እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/2 ገጽ 3

ብዛዕባ ሓዳር ትሓስብዶ ኣሎኻ ኢኻ፧

ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርአ ፍትሕ ምስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተድኣ ኣመሳሲልናዮ: ልክዕ ከምቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብሓደ ቦታ ኣቢሉ ዝትኰስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ብፍትሕ ዝመጸ ፍልጥቲ ኢያ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ኣብዛ ሃገር እዚኣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን​—⁠ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ብገምጋም ክልተ​—⁠ዝኸውን ሓዳር ፈሪሱ ኢዩ። ብግድላት ሓዳር እትፍለጥ ግን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ከም ዘይኰነት ጽቡቕ ገይርካ ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ።

ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ: እቲ ኣብ ካናዳ: ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን: ፈረንሳ: ግሪኽ: ከምኡውን ሆላንድ ዘሎ ናይ ፍትሕ መጠን ካብቲ ብ1970 ዝነበረ ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ ኢዩ።

መብዛሕትኦም ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳር ዝምስርቱ ንሓድሕዶም ስለ ዝፋቐሩን ነቲ ዝተረፈ ህይወቶም ድማ ሓቢሮም ከሕልፍዎ ስለ ዝደልዩን ምዃኑ ዘእምነና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ። ይኹን እምበር: እቲ ሓጐስ ዘለዎ ሓዳር ናይ ምምስራት ባህጎም መብዛሕትኡ ግዜ ሕልሚ ዀይኑ ስለ ዝተርፍ ዘሕዝን ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ባህጎም ከይተፈጸመ ምስ ተረፈ: ኣዝዮም ቀልጢፎም ከም እተመርዓዉ ወይ ጌጋ ምርጫ ከም ዝገበሩ ወይ ድማ ክልቲኡ ጌጋ ከም ዝፈጸሙ ተዛሪቦም ኢዮም።

ብዙሕ ሓዳር ዝፈርስ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓንቲ ብዛዕባ ንመርዓ ዝግበር ምልላይ እትገልጽ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ደራሲት ከምዚ ትብል:- “እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዘይምድላው ኢዩ። ምስቶም ናይ ሓዳር ሽግር ዘለዎም ሰብ ሓዳር ክዘራረብ ከለኹ: ክልተ ስምዒት​—⁠ድንጋጽን ሕርቃንን​—⁠የለዓዕለለይ። እቲ ዝብህግዎ ዝነበሩ ዘዕግብ ሓድሕዳዊ ርክብ ስለ ዘይተፈጸመሎም እድንግጸሎም። እቲ ሓዳር ዘስዕቦ ሓላፍነት እተሓላለኸ ምዃኑ ብዘይ ምፍላጦም ድማ እሓርቕ።”

አረ ብዙሓትሲ ከመይ ገይሮም ሓዳሮም ዕዉት ከም ዝገብርዎ ከይፈለጡ ኢዮም ሓዳር ዝምስርቱ። እዚ ግን ፈጺሙ ኣየገርምን ኢዩ። ሓደ መምህር “ብዛዕባ ጠባይ ኣንጭዋን ጠበቕን ከጽንዑ ኮሌጅ ዝኣትዉ: ብዛዕባ ጠባይ ሰብኣይን ሰበይትን ግን ካብ ምምሃር ዝሰንፉ መንእሰያት ብዙሓትዶ ኸይኰኑ፧” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ።

ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሕጂ ክትምስርቶ እትኽእል ወይውን ብዛዕባ እቲ ድሮ ዝመስረትካዮ ሓዳር ትሓስብዶ ኣሎኻ፧ ትሓስብ እንተድኣ ኣሎኻ: እቲ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ዘሎ ሰብኣዊ ርክባት ካብቲ ኣብ ፊልምታትን መደብ ተለቪዥንን ናይ ፍቕሪ ልቢ ወለድ ጽሑፋትን ዝግለጽ ርክባት ኣዝዩ እተፈልየ ምዃኑ ክትግንዘብ ኣሎካ። ይኹን እምበር: እቲ ብኽልተ ንሓድሕዶም ብሓቂ ዝፋቐሩ ብሱላት ሰባት ዝቘመ ሓዳር በረኸት ኣምላኽ ገይርካ ክሕሰብ ይከኣል ኢዩ። (ምሳሌ 18:⁠22፣ 19:⁠14) እንተዀነ ግን: ነቲ ሓዳር ዝሓቶ ነገራት ንምምላእ ድሉው ምዃንካ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ናይ መርዓ ብጻይ ክትመርጽ ከሎኻ ክትሓስበሉ ዘሎካ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧ ወይ ድማ ድሮ ተመርዒኻ እንተድኣ ዄንካ: ነቲ ኣብ ሓዳርካ ክትረኽቦ እትኽእል ነባሪ ሓጐስ ከተዛይዶ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ