ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/5 ገጽ 25-28
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ምንጪ ዘሐይል ደገፍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ምንጪ ዘሐይል ደገፍ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ደገፍን ረዲኤትን
  • ካብቶም ፈቃራት ተዓዘብቲ ዝርከብ ሓገዝ
  • ኣብቲ ግቡእ ግዚኡ ዝርከብ ሓቀኛ ሓገዝ
  • ናይ ላዕሊ ጥበብ
  • ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • እታ ጉባኤ ትተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • እታ ጉባኤ ንየሆዋ ትወድሶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባ ርኸብ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/5 ገጽ 25-28

ክርስትያናዊት ጉባኤ ምንጪ ዘሐይል ደገፍ

ሓንቲ ፖፒ ዝስማ ዕድሚኣ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዝርከብ ጓል ኣንስተይቲ ኵነታት ስድራቤታ ኣዝዩ ዘጕሂ ብምንባሩ ተስፋ ቘረጸት።a ሓደ ካብቲ ዘጕሂ ዝገበሮ ድማ ምስ ወለዳ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክፉት መትረብ ስለ ዘይነበራ ኢዩ። ሽግራ ንሓደ ክርስትያን ሽማግለን በዓልቲ ቤቱን ገለጸትሎም: ደሓር ድማ ከምዚ ኢላ ጸሓፈትሎም:- “ግዜ ወሲድኩም ምሳይ ብምዝርራብኩም ኣዝየ ኢየ ዘመስግነኩም። እቲ ዝገበርኩምለይ ሓልዮት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓገዘኒ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። የሆዋ ክውከሎምን ክዛረቦምን ዝኽእል ሰባት ስለ ዝሃበኒ አመስግኖ ኢየ።”

ኣብዚ ቐረባ ግዜ በዓል ቤታ ዝሞታ: ኣብ ዕድመ ኮተቴ ዘለዉ ክልተ ውሉዳት ድማ ዘለዉዋ ቱላ ዝስማ ሰበይቲ ኣብ ዓዘቕቲ ስምዒታውን ገንዘባውን ሽግራት ወደቐት። ኣብታ ጉባኤኣ ዝርከቡ ክርስትያን ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ስርዓታውያን ኰይኖም ንዓኣን ንደቃን ዘበራትዕ ምብጻሕ ይገብሩሎም ነበሩ። ንዅነታታ ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ምስ ተዋጽኣትሉ: ከምዚ ኢላ ብምጽሓፍ ካርተሊና ለኣኸትሎም:- “ኣብ ጸሎተይ ኵሉ ግዜ ኢየ ዝዝክረኩም። ነቲ ዝሓገዝኩምንን ዝደገፍኩምንን ሓያሎ እዋናት እዝክሮ ኢየ።”

ሓድሓደ ግዜ በቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጥታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ‘ጾር ዝኸበደካ’ ኰይኑዶ ይስምዓካ ኢዩ፧ (ማቴዎስ 11:⁠28) “ጊዜን ኣጋጣምን” ንህይወትካ ብዘሳቒ ተመክሮታት ኣቝሲልዎዶ ኢዩ፧ (መክብብ 9:⁠11) ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ: በይንኻ ዘሎኻ ኰይኑ ክስምዓካ የብሉን። ከምቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እተጨነቑ ሰባት ድሮ ረኺቦምዎ ዘለዉ: ንስኻ እውን ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትርጕም ዘለዎ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ገለ ኣመንቲ ብጾት ንሃዋርያ ጳውሎስ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ‘ዘሐይል ደገፍ’ ኰይኖምዎ ኢዮም። (ቈሎሴ 4:⁠10, 11 NW ) ንስኻውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ደገፍን ረዲኤትን

ኣብቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት: እታ “ጉባኤ” እትብል ቃል ካብታ ሓቢሮም እተኣከቡ ጕጅለ ሰባት ዝብል ትርጕም ዘለዋ ኤክ ·ሊ·ሲያ እትብል ናይ ግሪኽ ስያመ እተተርጐመት ኢያ። እዛ ቓል እዚኣ ሓድነታውን ሓድሕዳውን ደገፍ ዝብል ሓሳባት ዝሓዘት ኢያ።

እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንሓቂ ቓል ኣምላኽ ትድግፍ: ንብስራት እታ መንግስቲ ድማ ትእውጅ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠15፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠9) ይኹን እምበር: እታ ጉባኤ ነቶም ምስኣ ዝተሓባበሩ ሰባት መንፈሳዊ ደገፍን ሓገዝን እውን ተዳልወሎም ኢያ። በዚ መዳይ እዚ ኣቢሉ ሓደ ሰብ ኣብ እዋን ጸቕጢ ንኻልኦት ክሕግዙን ከጸናንዑን ድሉዋትን ፍቓደኛታትን ዝዀኑ ፈቃራትን ተገደስትን ሓለይትን ኣዕሩኽ ዘለዎ ጕጅለ ሰባት ክረክብ ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 7:⁠5-7

ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብታ ጉባኤ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ዕቝባን ድሕንነትን ክረኽቡ ጸኒሖም ኢዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብ ማእከል እኩባት ህዝቢ ኣምላኽ ሓጐስን ናይ ድሕንነት ስምዒትን ከም ዝረኸበ ሓቢሩ ኢዩ። (መዝሙር 27:⁠4, 5፣ 55:⁠14፣ 122:⁠1) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንሓድሕዶም ብዝተሃናነጹን ዝተባብዑን ኣመንቲ ብጾት ዝቘመት ማሕበር ኢያ።​—⁠ምሳሌ 13:⁠20፣ ሮሜ 1:⁠11, 12

ኣባላት እዛ ጉባኤ እዚኣ ‘ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤቶም ሰናይ ክገብሩ’ ተማሂሮም ኢዮም። (ገላትያ 6:⁠10) እቲ ዝረኽብዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ትምህርቲ ኣብ ንሓድሕዶም ሕውነታዊ ፍቕርን ለዋህ ምፍታውን ንኸርእዩ ይድርኾም ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠10፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠8) እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ሕያዎትን ሰላማውያንን ብለዋሃት ዝድንግጹን ንኽዀኑ ተደሪኾም ኢዮም። (ኤፌሶን 4:⁠3) ኣምሰሉ ኣምለኽቲ ክዀኑ ኣይፍትኑን ኢዮም: ኣብ ክንድኡስ ንኻልኦት ፍቕራዊ ሓልዮት ዘርእዩ ኢዮም።​—⁠ያእቆብ 1:⁠27

ስለዚ እምበኣር: ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ እተደቝሱ ሰባት ከም ናይ ስድራ ቤት ዝኣመሰለ ምዉቕ ሃዋሁ ዘለዎ ከባቢ ይረኽቡ። (ማርቆስ 10:⁠29, 30) እቲ ኣባል ናይ ሓንቲ እተኣሳሰረትን ፍቕራዊትን ጕጅለ ከም ዝዀኑ ምፍላጦም ዘምጽኣሎም ስምዒት የተባብዖም ኢዩ። (መዝሙር 133:⁠1-3) እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብጉባኤ ኣቢሉ “በብጊዜኡ” ስቡሕ መንፈሳዊ ‘መግቢ’ የዳሉ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45

ካብቶም ፈቃራት ተዓዘብቲ ዝርከብ ሓገዝ

ኣባላት እዛ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዚኣ ኣብ ውሽጣ መንፈሳዊ ደገፍን ምትብባዕን ዝህቡ ፈቃራትን ዝርድኡን ብቑዓትን ጓሶት ክረኽቡ ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ዘለዎም ጓሶት ልክዕ “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ” ኢዮም። (ኢሳይያስ 32:⁠1, 2) እቶም ብመንፈስ እተሸሙ ሽማግለታት ወይ ተዓዘብቲ ንኣባጊዕ መሰል ህዝቢ ኣምላኽ ይሓልዩለን: ንዝሓመሙን እተጨነቑን የተባብዕዎም: ነቶም በደል ዝፈጸሙ ድማ ንኸቕንዕዎም ይጽዕሩ።​—⁠መዝሙር 100:⁠3፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠2, 3

ርግጽ ኢዩ: ኣካል ሽማግለታት ጉባኤ ነቶም ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ናይ ጥዕና ግድላት ዘጋጠሞም ኣመንቲ ብጾት ክፍውስ ዝኽእል ምሁራት ሓካይም ወይ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሓቘፈ ክፍሊ ኣይኰነን። ኣብዚ ኣገባብ እዚ: ሓደ ሕሙም ገና ‘ሓኪም የድልዮ’ ኢዩ። (ሉቃስ 5:⁠31) እንተዀነ ግን: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጓሶት ነቶም መንፈሳዊ ደገፍ ዘድልዮም ሰባት ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 5:⁠14, 15) እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ንኻልኦት ንምድጋፍ ምቹእ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ እውን ምድላዋት ይገብሩ ኢዮም።​—⁠ያእቆብ 2:⁠15, 16

ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ምድላው ዝገበረ መን ኢዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ኢዩ! ነብዪ ህዝቅኤል ከምዚ ብምባል ብዛዕባ የሆዋ ይገልጽ:- “ነተን ኣባጊዔይ ክአልየንን ክደልየንን እየ። . . . ካብ ኵሉ እቲ . . . ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ። . . . ኣነ ባዕለይ ነባጊዔይ ክወፍረን ባዕለይ ድማ ከስፍረን እየ።” ኣምላኽ ብዛዕባ እተን ድኹማት ኣባጊዕ እውን ይሓሊ ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 34:⁠11, 12, 15, 16

ኣብቲ ግቡእ ግዚኡ ዝርከብ ሓቀኛ ሓገዝ

ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓቀኛ ሓገዝ ይርከብ ድዩ፧ እወ ይርከብ ኢዩ: እዚ ስዒቡ ዘሎ ኣብነታት ነቲ እታ ጉባኤ ሓገዝ እትህበሉ እተፈላለየ መዳያት ዘርኢ ኢዩ።

◆ እተፍ ቅሮ ሰብ ብሞት ምስኣን። ሰብኣያ ንኣና ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ሞተ። ንሳ ድማ ከምዚ ትብል:- “ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው: ካብቲ ክርስትያናዊ ሕውነት ምዉቕ ፍቕሪ ክረክብ ጸኒሐ ኢየ። እቲ ካብ ኣመንቲ ብጾተይ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ዘየቋርጽ ሕያውነት ዝመልኦ ደጋፍን ዘተባብዕን ቃላት ከምኡውን ሕቑፍ ኣቢሎም ዝገልጹለይ ዝነበሩ ፍቕሪ: ብኽቱር ጭንቀት ንኸይዋሓጥ ኣተባቢዑኒ ኢዩ። ንየሆዋ ድማ አመስግኖ ኢየ። እቲ ዘርኣዩኒ ፍቕሪ ብዙሕ ደገፍን ሞራልን ከም ዝረኸብኩ ከምኡውን ብለውሃት ከም እተሓገዝኩ ኰይኑ ንኽስምዓኒ ገይሩ ኢዩ።” ንስኻ እውን እተፍቅሮ ሰብ ብሞት ብምስኣንካ ዘጨንቕ ተመክሮ ኣሕሊፍካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት: ኣባላት እታ ጉባኤ ኣድላዪ ምጽንናዕን ስምዒታዊ ደገፍን ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም።

◆ ሕማም። ሓደ ኣርቱር ዝስሙ ፖላንዳዊ ገያሺ ተዓዛቢ: ነተን ኣብ ማእከላይ እስያ ዝርከባ ጉባኤታት ብመንፈሳዊ መገዲ ንኸሐይለን ስርዓታዊ ዀይኑ ይበጽሐን ነበረ። ሓደ ግዜ ክበጽሕ ኢሉ ምስ ከደ: ኣዝዩ ሓመመ። ክሳዕ ዝሓዊ ድማ ከቢድ ጸገማት ኣሕለፈ። ዓሚቝ ሞሳ ብምርኣይ ከኣ ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “እቶም [ኣብ ካዛኪስታን ኣብ እትርከብ ሓንቲ ከተማ] ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓለዩለይ ክነግረኩም እደሊ ኢየ። ብዙሓት ካብኣቶም ዘይፈልጦም ኣሕዋትን ኣሓትን: ተገደስቲ ሰባት እውን ከይተረፉ ገንዘብ: መግቢ: ከምኡውን መድሃኒት ኣምጺኦምለይ ኢዮም። . . . ነዚ ድማ ኣዝዮም እናተሓጐሱ ኢዮም ገይሮምዎ።

“ገለ ገንዘብን እዚ ስዒቡ ዘሎ ሓሳባትን ዝሓዘት ሓንቲ ጶስጣ ምስ ተቐበልኩ እተሰምዓኒ ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብልዎ:- ‘ፍቑር ሓው: ምዉቕ ሰላምታይ እልእከልካ። ኣደይ መግዝኢ ጀላቶ ኢላ ገንዘብ ሃበትኒ: ኣነ ግን ንመግዝኢ መድሃኒት ክዀነካ ክህበካ ወሰንኩ። በጃኻ ቀልጢፍካ ሕወ። የሆዋ ነዊሕ ግዜ ክንጸንሕ ኢዩ ዝደልየና። ጽቡቕ ትምኒተይ እገልጸልካ። ገለ ትምህርቲ ሓዘል ዝዀነ ጽቡቕ ዛንታታት ድማ ንገረና። ቮቫ።’ ” እወ: ኣብዚ ተመክሮ እዚ ከም እተራእየ: ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ንኣሽቱን ዓበይትን ኣብ እዋን ሕማም ዘሐይል ደገፍ ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ፊልጲ 2:⁠25-29

◆ ጭንቀት። ቴሪ ፓይነር ወይ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይና ንኸተገልግል ልባዊ ባህጊ ነበራ። ሽግራት ስለ ዝነበራ ግን ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከተቋርጽ ተገደደት። “ፓይነር ኰይነ ከገልግል ፈቲነ ኸብቅዕ ሓንቲ ዓመት ከይመላእኩ ግን ብምቍራጸይ ሓያል ናይ ገበን ስምዒት ተሰምዓኒ” ትብል። ቴሪ ስምረት የሆዋ ኣብ ዓቐን እቲ ንዕኡ እትውፍዮ ኣገልግሎት ጥራይ እተመርኰሰ ኢዩ ኢላ ብጌጋ ትኣምን ነበረት። (ምስ ማርቆስ 12:⁠41-44 ኣነጻጽሮ።) ኣዝያ ስለ እተጨነቐት ከኣ ካብ ካልኦት ክትግለል ጀመረት። ድሕርዚ ግን ካብታ ጉባኤ ዘነቓቕሕ ሓገዝ ረኸበት።

ቴሪ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ፓይነር ሓብቲ ከየዕጠጠየት ሓገዘትኒ: ስምዒተይ ክገልጸላ ከሎኹ ድማ ጽን ኢላ ሰምዓትኒ። ካብ ገዝኣ ውጽእ ምስ በልኩ ኸኣ ከቢድ ጾር ዘራገፍኩ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም: እዛ ፓይነር ሓብቲ እዚኣን እቲ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዝዀነ በዓል ቤታን ጠቓሚ ሓገዝ ኣበርከቱለይ። ከመይ ከም ዝዀንኩ ንኸረጋግጹ ኸኣ መዓልቲ መዓልቲ ተሌፎን ይድውሉለይ ነበሩ። . . . ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ናይ ስድራቤቶም መጽናዕቲ ክካፈል ዓዲሞምኒ ኢዮም: እዚ ኸኣ ስድራቤታት ሓቢረን ክቕጽላ ኣድላዪ ምዃኑ ዓሚቝ ስምዒት ገዲፉለይ ኢዩ።”

ብዙሓት ሰባት: ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት እውን ከይተረፉ ክጭነቑ: ተስፋ ክቘርጹ: ከምኡውን ጽምዋ ክስምዖም ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ጉባኤ ኣምላኽ ፍቕራውን ስስዐ ዘይብሉን ሓገዝ ክንረክብ ስለ እንኽእልሲ ክንደይ ኰን ኢና መመስገንቲ ክንከውን ዘሎና!​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠14

◆ ባህርያዊ ዕንወትን ሓደጋን። ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ቦታ እቶም ገዝኦም ምስ ነደደ ዝነበሮም ኵሉ ንብረት ዝጠፍአ ኣርባዕተ ኣባላት ዘለዉዋ ስድራቤት እሞ ግበራ። ድሕሪ ሓጺር እዋን “ንዘለኣለም ዝትንክፈና: ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ሓቀኛ ፍቕሪ ዓሚቝ ጦብላሕታ ዘሕደረልና ዘተባብዕ ተመክሮ” ኢሎም ዝጸውዕዎ ሓገዝ ረኸቡ። ከምዚ ኢሎም ድማ ይገልጹ:- “ዳርጋ ብኡንብኡ እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምድጋፍን ሓልዮቶም ንምግላጽን ዓቕልና ክሳዕ ዝጸበና ይበጽሑና ነበሩ። ብዘይ ምቍራጽ ተሌፎን ይድወለልና ነበረ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓቀኛ ሓልዮትን ፍቕርን ኣዝዩ ዝትንክፍ ስለ ዝነበረ ምስጋናና ብንብዓት ገለጽናዮ።”

ነዊሕ ከይጸንሑ: ሽማግለታት እታ ጉባኤ ንብዙሓት ኣሕዋት ኣወሃሂዶም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ነዛ ስድራቤት እዚኣ ሓድሽ ቤት ሃነጹላ። ሓንቲ ጐረቤት ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ነዚ ክትርእይዎ ኣሎኩም! ኣብኡ ዝሰርሑ ካብ ኵሉ ወገን እተሓዋወሱ ሰባት ማለት ሰብኡት: ኣንስቲ: ጸለምቲ: ደቡብ ኣመሪካውያን ዘለዉዎም ኢዮም!” እዚ ሕውነታዊ ፍቕሪ ከም ዘሎ ዝሕብር ንጹር መርትዖ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠35

ክርስትያናት ብጾት ነታ ስድራቤት ክዳውንትን መግብን ገንዘብን እውን ሂቦምዋ ኢዮም። እቲ ኣቦ “ግዚኡ ዅሉ ሰብ ህያብ ዝህበሉ እዋን ልደት እኳ እንተ ነበረ: ከምቲ ንሕና ዝረኸብናዮ ሓቀኛን ኣዝዩ ብዙሕን ዓይነት ልግሲ ዝረኸበ ሰብ ግን ዋላ ሓደ ኣይነበረን ኢልና ብሓቂ ክንዛረብ ንኽእል ኢና” ብምባል ሓሳብ ይህብ። እታ ስድራቤት ወሲኻ ኸኣ ከምዚ ትብል:- “እቲ ተዘክሮታት ናይቲ ዘጋጠመና ባርዕ ሓዊ ቀስ ብቐስ እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ: ኣብ ክንድኡ እውን በቲ ክቡር ተዘክሮታት ናይቲ ሕያውነት ዝመልኦ ተግባራትን ናይቶም ፍቱዋት ኣዕሩኽን ይትካእ ኣሎ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኣብ ምድሪ ከምዚኣ ዝበለት እተደንቕ: ሕብርቲ ስድራቤት ኣሕዋት ስለ ዝሃበና ነመስግኖ: ክፍሊ እዛ ስድራቤት እዚኣ ብምዃንና ድማ ኣዚና ኢና እነመስግን!”

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነፍሲ ወከፍ ዘሕዝን ፍጻመ ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ክግበር ዘይክኣል ምዃኑ ወይውን እትጽበዮ ነገር ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። እዚ ኣብነት እዚ ግን ነቲ እታ ጉባኤ ከተበርክቶ እትኽእል ደገፍ ብርግጽ ዘብርህ ኢዩ።

ናይ ላዕሊ ጥበብ

ብዙሓት ሰባት ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካልእ ዓይነት ሓገዝን ምትብባዕን ረኺቦም ኢዮም። እዚ እንታይ ኢዩ፧ እዚ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝዳሎ ጽሑፋት ኢዩ። ካብ መንጎ እዚ ውሩይ ጽሑፋት እዚ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኢዩ። እዚ ጽሑፋት እዚ ዓሚቝ ምኽርን ተግባራዊ መምርሕን ምእንቲ ኽህብ: ብቐንዱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝርከብ መለኮታዊ ጥበብ እተመርኰሰ ኢዩ። (መዝሙር 119:⁠105) እቲ ኣብዚ ጽሑፋት እዚ ዘሎ መንፈሳዊ ሓበሬታ ንኸም ናይ ኣእምሮ ጭንቀት: ካብቲ ዝወረደካ ማህሰይቲ ምንጋፍ: እተፈላለየ ማሕበራውን ቍጠባውን ግድላት: መንእሰያት ዘጋጥሞም ብድሆታት: ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘጋጥመን ፍሉይ ሽግራት ንዝኣመሰሉ ጥቁውን ጽፉፍን መጽናዕቲ ዝግበረሎም ኣርእስትታት ዘጣምር ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እዚ ጽሑፋት እዚ መገዲ ኣምላኽ እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ምዃኑ ዝድግፍ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 30:⁠20, 21

ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብኣሽሓት ዝቝጸር ናይ ሞሳ ደብዳበታት ዓመት ዓመት ትቕበል ኢያ። ንኣብነት: ሓደ ኣብ ሩስያ ዝርከብ መንእሰይ ነታ ብዛዕባ ርእሰ-ቕትለት እትገልጽ ዓንቀጽ ዝሓዘት ንቕሑ! ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጭንቀት ክሕዘኒ ይቀራረብ ስለ ዝነበረ: . . . ብዙሕ ግዜ ርእሰ-ቕትለት ክፍጽም ፈቲነ ኢየ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣምላኽ ግድላተይ ንምፍታሕ ክሕግዘኒ ምዃኑ ንዝነበረኒ እምነት ኣደልዲላትለይ ኢያ። ኣምላኽ ብህይወት ክነብር ኢዩ ዝደልየኒ። ስለቲ በዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣቢሉ ዝሃበኒ ደገፍ ከኣ አመስግኖ።”

እቲ ዘየቋርጽ መከራታት እዛ ዓለም እዚኣ ምፍትሑ ዘይከኣል መሲሉ እንተድኣ ተራእዩካ: ኣብታ ክርስትያናዊ ጉባኤ ድሕንነት ዝመልኦ መዕቆቢ ቦታ ከም ዘሎ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብርግጽ: እቲ ምድረ-በዳ ናይዚ ፍቕሪ ዘይብሉ ኣገባብ እዚ ንሓይልኻ የድክሞ እንተድኣ ኣልዩ: ኣብ ማሕበር የሆዋ እተሓደሰ ሓይሊ ዝህብ ገነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ደገፍ ድሕሪ ምርካብካ: ንስኻ እውን ነቲ እታ በዓል ቤታ ሓሚሙ ክሳዕ ዝመውት ብዓወት ዝኣለየቶ ክርስትያን ሰበይቲ ዝጸሓፈቶ ስምዒት ከተቃልሖ ትኽእል ኢኻ:- “በቲ እተገብረልና ፍቕርን ሓልዮትን: የሆዋ ካብዚ ቅልውላው እዚ ባዕሉ ተሰኪሙ ዘውጽኣና ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ኣባል እታ እተደንቕ ማሕበር የሆዋ ምዃነይሲ ክንደይ ኰን ኢየ ዘመስግን!”

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእልታት]

ንዝሓመሙን ሓዘንተኛታትን ካልኦትን ዘሐይል ደገፍ ክንገብረሎም ንኽእል ኢና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ