ዓመጻ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዘለኣለም ከብቅዕ ኢዩ!
“ዓመጻ ንሃገር ኣብ ሓደጋ የውድቓ”—ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ።
“ኣብ ቤት ዝፍጸም ዓመጻ”—ኡ ግሎቡ: ብራዚል።
“ዓመጻ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ የጥቅዐን ኣሎ”—ዘ ግሎብ ኤንድ መይል: ካናዳ።
እዚ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ኣብ ዝሕተም ጋዜጣታት ዝወጸ ኣርእስተ-ዜናታት: ብዓለምለኸ ደረጃ ዘስግእ ዓመጻ ከም ዘሎ ዘብርህ ኢዩ። ከምቲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብዚ ቐረባ ግዜ ገሊጽዎ ዘሎ “ኣብዚ ዝሓለፈ ቐረባ ዓሰርተ ዓመታት በብዓይነቱ ዓመጻ ወሰኽ ገይሩ ኣሎ።”
ገለ ዘሰምብድ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ርአ:-
ቅትለት። ኣብ ደቡብ ኣመሪካን ኣብ ካሪብያንን መዓልቲ መዓልቲ ገለ 1,250 ሰባት ብዓመጽ ይቕተሉ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ “ፍርቂ ናይተን ኣብዚ ከባቢ ዘለዋ ሃገራት: ቅትለት ካልኣይ ጠንቂ ሞት እቶም ዕድሚኦም ካብ 15-24 ዝበጽሑ መንእሰያት ኰይኑ ኣሎ።”
ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ዝፍጸም ዓመጽ። ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ዝፍጸም ኣካላውን ጾታውን ስምዒታውን ማህሰይቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከብ ግድል ኢዩ። ንኣብነት “ኣብተን ብኢንዱስትሪ ኣብ ዝማዕበላ ሓያሎ ሃገራት ዝርከቡ በጽሕታት እተገብረ መጽናዕቲ ካብ 10-15 ሚእታዊት ዝዀኑ ቘልዑ—ካብዚኣቶም መብዛሕትአን ኣዋልድ—ኣደዳ ጾታዊ ማህሰይቲ ምዃኖም ሓሳብ ይህብ።”
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ። ተመራመርቲ ነቲ ኣብ 1997 ኣብ ብዘላ ዓለም እተፈጸመ ምግሃስ መሰል ወድሰብ መርሚሮም ምስ ወድኡ: “እቲ ኣብ ኣባይቲ ዝፍጸም ዓመጻ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቅታት ጕድኣት ደቂ ኣንስትዮ ኰይኑ ኣሎ” ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሑ። (ህዩማን ራይትስ ዎች ዎርልድ ሪፖርት 1998) እቲ ኣስፋሕፊሑ ዝርከብ ግን ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይምዝገብ ግድል ኰይኑ ዘሎ ኣብ ኣባይቲ ዝፍጸም ዓመጻ ሕጂ “ጥርዓን ዘይግበረሉ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ሓደጋ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።—ዘ ግሎብ ኤንድ መይል: ካናዳ።
ኣብ ግዜ ኖህ ብተመሳሳሊ ምድሪ ‘ብዓመጻ መሊኣ’ ነበረት። (ዘፍጥረት 6:9-12) የሆዋ ኣምላኽ “ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ” ግን ነቲ ‘ሰባኽ ጽድቅን’ ስድራቤቱን ኣድሓኖ። ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። ንዓመጽትን እኩያትን ሰባት ብምልጋስ ብመሰረት እታ እተማባጽዓላ ሓዳስ ዓለም ነዛ ምድሪ እዚኣ ገነት ክገብራ ኸሎ “ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር” ከድሕኖም ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:4-9፣ 3:11-13) ዓመጻ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዘለኣለም ከብቅዕ ምዃኑ ምፍላጥካስ ኣየሓጐሰካንዶ፧