ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/7 ገጽ 24-25
  • ፊልጶስ ቀናእ ወንጌላዊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፊልጶስ ቀናእ ወንጌላዊ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደስቲ ዞባታት ምኽፋት
  • ፊልጶስ ዝረኸቦ ተወሳኺ መሰላት
  • “ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ናይ ፓይነር መንፈስ ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ፊልጶስ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን የጠምቕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ባህርያዊ
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/7 ገጽ 24-25

ፊልጶስ ቀናእ ወንጌላዊ

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቶም እምነቶም ክሰዓብ ዘለዎ ሰብኡትን ኣንስትን ዝገልጽ ብዙሕ ጸብጻባት ዝሓዘ ኢዩ። እስከ ነቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያን ሚስዮናዊ ፊልጶስ ርአ። ሃዋርያ እኳ እንተ ዘይነበረ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ግን ዓቢ እጃም ዝነበሮ ኣገልጋሊ ኢዩ። አረ “ወንጌላዊ” ዝብል ቅጽል ስም እውን ነይርዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:8) እዚ መለለዪ ስም እዚ እተዋህቦ ስለምንታይ ኢዩ፧ ካብኡኸ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

ፊልጶስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ እተጠቕሰ ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ነዊሕ ከይጸንሐ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ እቶም ተዛረብቲ ቛንቋ ጽርኢ ዝዀኑ ኣይሁድ: መበለታቶም ኣብቲ ምምቃል መግቢ ከም እተጐስያ ብምጥራዕ ኣብቶም ተዛረብቲ ቛንቋ እብራይስጢ ዝዀኑ ኣይሁድ ከጕረምርሙ ጀመሩ። እቶም ሃዋርያት ከኣ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ‘ብጽቡቕ እተመስከረሎም ሾብዓተ ሰብኡት’ መዘዙ። ፊልጶስ ከኣ ሓደ ካብቶም እተሓርዩ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6

እዞም ሾውዓተ ሰብኡት እዚኣቶም “እተመስከረሎም” ኢዮም ነይሮም። ትርጕም ጄምስ ሞፋት “ጽቡቕ ስም ዘትረፉ” ምንባሮም ይገልጽ። እወ: ክምዘዙ ኸለዉ ብስለት ኣተሓሳስባ ዝነበሮም መንፈሳውያን ሰብኡት ምዃኖም ኢዮም ዝፍለጡ ነይሮም። ሎሚ እውን እንተዀነ እቶም ክርስትያናት ተዓዘብቲ ዀይኖም ዘገልግሉ ከምኦም ኢዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰብኡት ብታህዋኽ ኣይኰኑን ዝምዘዙ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠22) ንሳቶም ‘በቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጽቡቕ እተመስከረሎም:’ ብክርስትያናት ብጾቶም ከኣ ምኽንያታውያንን ጥቍው ኣእምሮ ዘለዎምን ኰይኖም ክፍለጡ ኣለዎም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠2, 3, 7፣ ፊልጲ 4:5 NW

መርትዖታት ከም ዝሕብሮ ፊልጶስ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሮ መዝነት ከምቲ ዝግባእ ፈጺምዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብኡንብኡ ነዊሕ ከይጸንሐ መሪር መስጐጕቲ ተላዕለ እሞ ንሰዓብቲ ክርስቶስ በታተኖም። ልክዕ ከም ካልኦት ፊልጶስ እውን ካብታ ኸተማ ወጸ: ኣገልግሎቱ ግን ደው ኣየበለን። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብታ ሓዳስ ናይ ኣገልግሎት ዞባ ዝነበረት ሰማርያ ክሰብኽ ጀመረ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:1-5

ሓደስቲ ዞባታት ምኽፋት

ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ክሰብኩ ምዃኖም የሱስ ኣቐዲሙ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ፊልጶስ ኣብ ሰማርያ ክሰብኽ ከሎ ኣብ ፍጻሜ እዘን ቃላት እዚኣተን ኢዩ እጃሙ ዘበርክት ዝነበረ። ኣይሁድ ብሓፈሻ ንሳምራውያን ይንዕቅዎም ነበሩ። ፊልጶስ ግን ኣቐዲሙ ኣይኰነኖምን: ኣድልዎ ብዘይምርኣዩ ኸኣ ተባሪኹ ኢዩ። እወ: ሓደ ስምኦን ዝበሃል ጠንቋሊ ዝነበረ ሰብኣይ ዝርከቦም ብዙሓት ሳምራውያን ተጠሚቖም ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:6-13

ድሕሪ ገለ ግዜ መልኣኽ የሆዋ ንፊልጶስ ናብታ ካብ የሩሳሌም ናብ ጋዛ እተውርድ ባዲማ እትብሃል መገዲ ክኸይድ መርሖ። ኣብኡ ኸኣ ፊልጶስ ንሓደ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን ዝሓዘት ሰረገላ ረኣየ: እቲ በዓል ስልጣን ከኣ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ የንብብ ነበረ። ፊልጶስ ድማ ጐድኒ ንጐድኒ እታ ሰረገላ እናጐየየ ዘረባ ጀመረሉ። እቲ ኢትዮጵያዊ ፍልጠት ኣምላኽን ቅዱሳት ጽሑፋትን ዝነበሮ ጵሮሴሊት እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ዘንብቦ ዝነበረ ንኽርድኦ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ብትሕትና ተኣመነ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ንፊልጶስ ምስኡ ኾፍ ንኽብል ናብታ ሰረገላ ክድይብ ዝዓደሞ። ፊልጶስ ምስ መስከረሉ ኸኣ ኣብ ማይ ዘለዎ ቦታ በጽሑ። እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ብምባል ሓተተ። ፊልጶስ ከኣ ብኡንብኡ ኣጠመቖ: እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ። እዚ ሓድሽ ወደ መዝሙር እዚ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ነቲ ብስራት ዘርጊሕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39

ካብቲ ፊልጶስ ንሳምራውያንን ነቲ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣንን ዝሃቦ ምስክርነት እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ ንውልቀ-ሰባት ዜግነቶም: ዓሌቶም: ወይ ማሕበራዊ ደረጅኦም ብምርኣይ ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት ከም ዘይብሎም ገይርና ክንቈጽሮም የብልናን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣስ: “ንዅሎም ዓይነት ሰባት” (NW ) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጀሎም ይግባእ። (1 ቈረንቶስ 9:⁠19-23) ገዛእ ርእስና ንዅሎም ሰባት ንምስባኽ ድልውቲ እንተድኣ ገይርናያ: የሆዋ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብቲ ‘ንዅሎም [“ካብ ኵሎም:” NW ] ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር’ ዕዮ ክጥቀመልና ይኽእል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 28:⁠19, 20

ፊልጶስ ዝረኸቦ ተወሳኺ መሰላት

ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን ምስ መስከረሉ ኣብ ኣዛጦን: “ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ: ናብ ኵሉ ኸተማታት እናዞረ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠40) ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን: እዘን ክልተ ኸተማታት እዚኣተን ኣዝዮም ብዙሓት ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ተቐማጦ ነበርወን። ፊልጶስ ብወገን ሰሜን ናይ ቂሳርያ እናተጓዕዘ ኸሎ ንኸም ልዳን ዮጴን ዝኣመሰላ ውሩያት ከተማታት ኣይሁድ ዝሰበኸለን ኢዩ ዝመስል። ዳሕራይ ኣብዚ ኸባቢታት እዚ ደቀ መዛሙርቲ ክህልዉ ዝኸኣሉ በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ዝኸውን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠32-43

ፊልጶስ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ገለ 20 ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ። ጳውሎስ ኣብ ምዝዛም ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ ካብ መርከብ ኣብ ጵቶልማዮስ ወረደ። እቲ ንጳውሎስ ኣብ መገሽኡ ዘሰንዮ ዝነበረ ሉቃስ “ንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና: ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ: . . . አቲና ኣብኣ ቐኔና” ብምባል ይገልጽ። ኣብዚ እዋን እዚ ፊልጶስ ‘ትንቢት ዝንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልድ’ ነበራኦ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 21:⁠8, 9

ፊልጶስ ናብርኡ ኣብ ቂሳርያ ዝገበረ ይመስል። እቲ ንሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዝነበሮ መንፈስ ግን ገና ኣይቀሃመን: ከመይሲ ሉቃስ “ወንጌላዊ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። እዚ ኣጸዋውዓ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ብስራት ኣብ ዘይበጽሖ ከባቢታት ንኽሰብኽ ዓዱ ሓዲጉ ዝኸይድ ሰብ ኢዩ ዘመልክት። እቲ ንፊልጶስ ትንቢት ዝንበያ ኣርባዕተ ኣዋልድ ከም ዝነበራኦ ዝገልጽ ጸብጻብ: ንሳተን ኣስኣሰር እቲ ቀናእ ኣገልጋሊ ዝነበረ ኣቦአን ከም ዝሰዓባ ዝሕብር ኢዩ።

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ወለዲ ደቆም እቶም ቀንዲ ደቀ መዛሙርቶም ምዃኖም ክዝክሩ ኣለዎም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ወለዲ ብምኽንያት ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ገለ ቲኦክራሲያዊ መሰላት ክሓድጉ እንተ ተገደዱ እውን ከይተረፈ: ከም ፊልጶስ ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ኣብነታውያን ወለድን ኰይኖም ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠4

እቲ ጳውሎስን ብጾቱን ዝገበርዎ ምብጻሕ: ፊልጶስን ስድራቤቱን ምቕባል ኣጋይሽ ንኸርእዩ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይንዎም ኢዩ። ነቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበረ ምትብባዕ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ሉቃስ ነቲ ዳሕራይ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ ሽዱሽተን ሸሞንተን ዘስፈሮ ብዛዕባ ንጥፈታት ፊልጶስ ዝገልጽ ዝርዝር ሓሳባት ኣብዚ እዋን እዚ ኢዩ ሰሚዕዎ ዝኸውን።

የሆዋ ኣምላኽ ንረብሓታት መንግስቱ ኣብ ምድንፋዕ ንፊልጶስ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ተጠቒምሉ። እቲ ፊልጶስ ዘንጸባርቖ ዝነበረ ሰናይ ቅንኢ: ነቲ ብስራት ኣብ ዘይተዳህሰሰ ዞባታት ንኸብጽሖን ኣብ ቤቱ ጥዑይ መንፈሳዊ ሃዋህው ከም ዝሰፍን ንኽገብርን ኣኽኢልዎ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መሰላትን በረኸትን ክትረክብ ምደለኻዶ፧ ሃየ እምበኣር ነቲ ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ዘንጸባረቖ ባህርያት ቅድሓዮ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ