ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 1/3 ገጽ 32
  • ቃል ኪዳኖም ንኸየፍርሱ ሓጊዛቶም ኢያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃል ኪዳኖም ንኸየፍርሱ ሓጊዛቶም ኢያ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 1/3 ገጽ 32

ቃል ኪዳኖም ንኸየፍርሱ ሓጊዛቶም ኢያ

ሓደ ሰብኣይ ኢዱ ዘርጊሑ ንሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር “ኣብ ኣጻብዕተይ እሞ ተመልከቲ፣ እንታይ ፍሉይ ነገር ትርእዪ ኣሎኺ፧” ብምባል ሓተታ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ብኡንብኡ ኣብ ኣጻብዕቱ ረኣየት: እታ ናይ መርዓ ቀለቤቱ ከም ዘየላ ድማ ኣስተብሃለት። ንሱን በዓልቲ ቤቱን ስኒት ስለ ዝሰኣኑ ክፋትሑ ከም ዝወሰኑ ገለጸላ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ “ከምኡ እሞ ኣይትግበሩ!” በለቶ። ኣስዒባ ድማ ከምዚ ብምባል ነገረቶ:- “ነዛ መጽሓፍ ወሲድካ ኣንብባ። ኣብ ሓዳርኩም ከኣ ክትሕግዘኩም ኢያ።” ነታ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ድማ ሃበቶ።a

ድሕሪ ገለ መዓልትታት እቲ ሰብኣይ ፍስሃ ዓሲልዎ ናብታ ናይ የሆዋ ምስክር ተመሊሱ መጸ። ኢዱ ዘርግሓላ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ቀለበት መርዕኡ ገይሩ ነበረ። ንሱን ሰበይቱን ንመጽሓፍ ፍልጠት ከም ዘንበብዋ እሞ ሕጂ ኣዝዮም ሕጉሳት ከም ዝዀኑ ነገራ። ብሓቂ እታ መጽሓፍ: ቃል ኪዳኖም ከም ዘየፍርሱ ገይራቶም ኢያ።

ሰብኣይ ሰበይትን ኣብ ንሓድሕዶም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ንኸርእዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ምዕዶ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። ከመይሲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ፈጣሪና ሓሊፉ ካልእ ከቶ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ፈጣሪ ከምዚ ብምባል ነጊሩ ኢዩ:- “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።”​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ