ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 15/3 ገጽ 32
  • እቲ ካብ ኒው ዮርክ ሲቲ እትናፍቖ ነገር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ካብ ኒው ዮርክ ሲቲ እትናፍቖ ነገር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 15/3 ገጽ 32

እቲ ካብ ኒው ዮርክ ሲቲ እትናፍቖ ነገር

እቲ ኣብዚ ህንጻ ዝርአ ዘሎ ምልክት ካብ 1950ታት ኣትሒዙ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ህንጻታት ፋብሪካ ብጕሉሕ ዝርአ ምልክት ኢዩ። ብእኡ ዝማላለሱ ሰባት: በጻሕቲ ሃገር: ከምኡውን ካልኦት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ከንብቡ ይዘኻኸሩ። እዚ ቐጺሉ ዘሎ ካብ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት መንእሰይ ዝመጸ ደብዳበ: እዚ መዘኻኸሪ እዚ ኣሳልጦ ከም ዘለዎ የርኢ።

“ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ እንታይ ክገብር ከም ዝደሊ ምስ ሓንቲ ጓል ትምህርተይ እዘራረብ ነይረ። ብዛዕባ ቤትኤል እቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዛረብ ምስ ጀመርኩ: ንሳ ኣዝያ ተሓጐሰት። ምሉእ ህይወታ ኣብ ኒው ዮርክ ከም እተቐመጠት ነገረትኒ። ስድራ​ቤታ ክንድቲ ሃይማኖታውያን ኣይነበሩን: እንተ​ዀነ ግን ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ብመስኮት ክትቅልቀል ከላ ‘ቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብ’ ዝብል ብእንግሊዝኛ እተጻሕፈ ምልክት ትርኢ ነበረት። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምኻዳ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ነበረት።

“ካብታ ከተማ ምስ ገዓዘት: እቲ ካብ ኒው ዮርክ ሲቲ እትናፍቖ ነገር ንግሆ ክትስእ ከላ ዝነበረ ኵነታት ምዃኑ ትዛረብ: ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ዘዘኻኽራ ምልክት ኣይትርእን ኢያ። እንተ​ዀነ ግን ሳላ እቲ ኣብ ህንጻ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ምልክት: መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ መዓልታዊ ልማዳ ገይራቶ ኢያ: ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ ኣየቋረጸትን!”

ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ገለ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ካብ ምጅማራ ዝበልጽ የለን! ከምዚ ምግባር ነቲ ‘ቅዱሳት ጽሑፋት ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ከለብመካ ይኽእል’ ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ንኽትርድኦ ከም እትሕገዝ ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠15-17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ