ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/7 ገጽ 32
  • ዘይሃስስ ጦብላሕታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘይሃስስ ጦብላሕታ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/7 ገጽ 32

ዘይሃስስ ጦብላሕታ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዝነብርሉ ሃገር ክርስትያናዊ ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ንምግባር ይተኣኻኸቡ ኢዮም። ብመንፈሳዊ ሃናጺ ዝዀነ መምርሒ ንምርካብን ሕውነት ንምስትምቓርን ኢዮም ከምዚ ዝገብሩ። እንተ​ዀነ ግን ኣብቲ ኣኼባታቶም ዝርአ ኻልእ ነገራት እውን ናብቲ ኣኼባ ንዝመጹ ሓደስቲ ሰባት ዘይሃስስ ጦብላሕታ ኽገድፈሎም ይኽእል ኢዩ።

ንኣብነት ኣብ ሓምለ 1999 ኣብ ሞዛምቢክ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሐ “ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል” ዘርእስቱ ዝሃንጽ ኣውራጃዊ ኣኼባ ገበሩ። ካብቶም ተኣከብቲ ንመጀመርታ ግዜኦም ኣብ ዓቢ ኣኼባ እተኻፈሉ ብዙሓት ሰባት ነይሮምዎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም በቲ ኻብ መድረኽ ዝሰምዕዎ ዝርርብ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ኣብኡ ዝረኣይዎ ነገራት እውን ተመሲጦም ኢዮም።

ኣብ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ማፑቶ እተኻፈለት ሓንቲ ሰበይቲ ኸምዚ በለት:- “ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህ ዘብል ቦታ ርእየ ኣይፈልጥን! እቲ ዓይኒ ምድሪ ሳሙናን መስትያትን ኣለዎ: ጽሩይ ከኣ ኢዩ። ዝበኣሱ ቘልዑ ዘይብሉ ሰላም ዝሰፈኖ ሃዋሁ ኢዩ ነይሩ። ምድፍፋእ እውን ኣይነበረን! ሕጉሳት መንእሰያት ዘተባብዕ ዕላል ከዕልሉ ሰሚዐ ኢየ። ኵሉ ሰብ ብግቡእ ተኸዲኑ ብምምጽኡ እውን ገሪሙኒ ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል እዋን: ንደቀይ ሒዘዮም ክመጽእ ኢየ: ንበዓል ቤተይ ድማ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ኣኼባ ኽንካፈል ከም ዘሎና ኸእምኖ ኢየ።”

እወ: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእይዎ ቕንዕና: ንጽህና: ከምኡውን ጽሬት ሰባት የስተውዕልሉ ኢዮም። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉያት ዝገብሮም ግን እንታይ ኢዩ፧ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝማሃርዎ ነገራት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ልቦም ስለ ዝጽዕሩ ኢዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ዓድኻ ኣብ ዝግበር ዓቢ ኣኼባ ወይ ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ እትርከብ ጉባኤ ዝግበር ሰሙናዊ ኣኼባታት ብምክፋል ንምንታይ ነዚ ብዓይንኻ ዘይትርእዮ፧

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ዛምብያ

ኬንያ

ሞዛምቢክ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ