መብረስቲ ኣእዋም
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣእዋም ከም ክቡር ንብረት ገይርካ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። ንኣብነት: ኣብርሃም ነታ ዘፍቅራ ሰበይቱ ሳራ ዝቐብረላ ቦታ ኽዕድግ ከሎ ኣብቲ ዝገብሮ ንብረት ናይ ምትሕልላፍ ውዕል ኣእዋም ተጠቒሱ ኣሎ።—ዘፍጥረት 23:15-18
ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ኣእዋም ልዑል ግምት ኢዩ ዝወሃቦ: ምዕቃብ ጫካታት ከኣ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ይስሕብ ኣሎ። እታ ስቴት ኦቭ ዘ ዎርልድ 1998 ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ኣብ ሰሜናዊ ሃገራት ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ትሮፒካዊ ጫካ ዝሻቐሉ እኳ እንተዀኑ: እቲ ኣብ ሃገሮም ዝርከብ ኣብ ማእከላይ ክሊማ ዝበቍል ጫካ: ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጫካ ንላዕሊ ተበታቲኑ ኸም ዝርከብን ብቐሊሉ ኸም ዝጕዳእን ኣይፈልጡን ኢዮም” በለት። ኣብዘን ብወገን ሰሜን ዝርከባ ሃገራት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዘሎ ጫካ ኸይጸንት ዘስግኦ እንታይ ኢዩ፧ ብዙሓት ሰባት ኣእዋም እናተቘርጹ ኸይበርሱ ኢዮም ዝሰግኡ: እንተዀነ ግን ብስዉር መገዲ ነእዋም በብሓንቲ ዘብርስ ካልእ ሓይልታት ኣሎ። እዚ እንታይ ኢዩ፧ ብከላ ኣየርን ኣሲዳዊ ዝናምን ኢዩ። እዚ ንባልዕን ሕማማትን ከም ዝቃልዑ ብምግባር ቐስ እናበለ ዘዳኽሞም ኢዩ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ኣከባቢ ንኽዕቀብ ዝጣበቑን ካልኦት እዚ ጕዳይ እዚ ዘሻቕሎምን ሰባት ንምድርን ኣብኣ ንዘሎን ክንዕቅቦ ኸም ዘሎና ከጠንቅቑ ጸኒሖም ኢዮም። ኣብ 1980ታት ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ሊቃውንቲ ነቲ ብከላ ኣየርን ኣሲዳዊ ዝናምን ኣብ ኣከባቢ ዘምጽኦ ሳዕቤን ድሕሪ ምጽናዕ ‘ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዱ ኣብ ከባቢ ዓመት 2000 ሰባት ንጫካታት ኣብ ስእልታትን ፊልምታትን ርእዮም ጥራይ ኢዮም ከድንቕዎ’ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሑ። እቲ ዘሐጕስ ግን ምድሪ ዘለዋ ናይ ምሕዳስ ሓይሊ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝዀነ: እዚ ጫካታት እዚ ክሳዕ ሕጂ ንመብዛሕትኡ እቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ጕድኣት ተጻዊርዎ ኢዩ።
ውዒሉ ሓዲሩ ግን ንምድርን ኣብኣ ዘሎን ንምዕቃብ ስጕምቲ ዝወስድ ኣምላኽ ኢዩ። ‘ነኽራን ካብ ርሻናቱ ማይ የስትዮ: ንእንስሳ ሳዕሪ: ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ የብቍል ኣሎ።’ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኸጥፍእ’ ምዃኑ እውን ተመባጺዑ ኣሎ። (መዝሙር 104:13, 14፣ ራእይ 11:18) ተቐማጦ ምድሪ ብከላ ኣብ ዘይብላ ዓለም ንዘለኣለም ክነብሩስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ነገር ኰን ኢዩ ክኸውን!—መዝሙር 37:9-11