ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 15/12 ገጽ 28
  • ወለዲ—ንደቅኹም ዘድልዮም ኣማልኡሎም!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወለዲ—ንደቅኹም ዘድልዮም ኣማልኡሎም!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 15/12 ገጽ 28

ወለዲ​—ንደቅኹም ዘድልዮም ኣማልኡሎም!

ቈልዑ ብፍላይ ናይ ወለዶም መምርሕን ፍቕራዊ ተግሳጽን የድልዮም ኢዩ። ብዛዕባዚ እውን ሓንቲ ታንያ ዛጉሪ እተባህለት ብራዚላዊት መምህር ከምዚ ትብል:- “ኵሉ ቘልዓ ኽሕጐስ ኢዩ ዝደሊ። ቀይዲ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። ነዚ ኽገብርዎ ዘለዎም ድማ ወለዲ ኢዮም። ከምዚ እንተድኣ ዘይገይሮም ግን እቶም ቈልዑ ቐይዲ በተኽ ኢዮም ዝዀኑ።”

ይኹን እምበር: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብምኽንያት እቲ ንብሕታዊ ምርጫ ኣዕዚዝካ ናይ ምርኣይ ባህሪ ዘለዎ ሕብረተሰብ: እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ ወለዲ ሓገዝ ካበይ ኢዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ፧ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ውሉዳቶም “ውህበት እግዚኣብሄር” ምዃኖም ይግንዘቡ ኢዮም። (መዝሙር 127:3) ስለዚ ኸኣ ኢዮም ደቆም ንኸዕብዩ መምርሒ ደልዮም ናብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ ቍሊሕ ዝብሉ። ንኣብነት ምሳሌ 13:24 ከምዚ ትብል:- “ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ: ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።”

እታ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕመላ “ሸቦጥ” እትብል ቃል ንኣካላዊ መቕጻዕቲ ጥራይ ከም እተመልክት ገይርካ ክትውሰድ የብላን፣ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንዝወሃብ መአረምታ ኸተመልክት ትኽእል ኢያ። ሓደ ቘልዓ ፋሉል ምስ ዝኸይድ ንምቕንዑ መብዛሕትኡ ግዜ ቓላት ጥራይ እኳ ኣኻሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 29:17 “ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ: ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ” ትብል።

ቈልዑ ነቲ ዘየድሊ ጠባይ ንኸርሕቑ ፍቕራዊ ተግሳጽ የድልዮም ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ጽኑዕን ሰናይን መአረምታ ወለዲ ንውሉዳቶም ከም ዝሓልይሎም ዘርኢ ኢዩ። (ምሳሌ 22:6) ስለዚ ወለዲ ተስፋ ኣይትቝረጹ! ነቲ ርጡብን ተግባራውን ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትስዕቡ: ንየሆዋ ኣምላኽ ከተሐጉሱ ኢኹም: ደቅኹም ድማ ከኽብሩኹም ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ