ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/5 ገጽ 32
  • እትኸፍሎ ነገር ጸብጺብካ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እትኸፍሎ ነገር ጸብጺብካ ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/5 ገጽ 32

እትኸፍሎ ነገር ጸብጺብካ ዲኻ፧

የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት እኳ እንተ ሃቦም: ክርስትያን ብምዃን ዝኸፍልዎ ነገር ክጽብጽቡ ግን ተማሕጺንዎም ኢዩ። ሓሳቡ ብመረዳእታ ከብርሆ ኸሎ “ካባኻትኩምከ: ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ: . . . ንመወድኢኡ ዚአኽሎ ገንዘብ እንተለዎ: ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ: እንታዋይ እዩ፧” በለ። (ሉቃስ 14:28) የሱስ ምጽብጻብ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧

ኵሎም ክርስትያናት ፈተናታት የጋጥሞም ኢዩ። ገሊኡ ፈተናታት ከኣ ከቢድ ኢዩ። (መዝሙር 34:​19፣ ማቴዎስ 10:⁠36) ስለዚ እምበኣር: ምጽራር ወይ ካልእ ግድላት ምስ ዘጋጥመና ምእንቲ ኸይንስንብድ ኣቐዲምና በተሓሳስባናን መንፈሳውነትናን ተዳሊና ኽንጸንሕ ከድልየና ኢዩ። እቲ እንረኽቦ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ናይ ምድሓን ዓስቢ ካብ ዝዀነ ይኹን እዛ ዓለም እዚኣ ኽትህብና እትኽእል ነገራት ኣጸቢቑ ከም ዝዓዝዝ ብምፍላጥ: ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብምዃን ንዘጋጥመና ብድሆታት ዛጊት ጸብጺብናዮ ክንከውን ኣሎና። እወ: ንየሆዋ ምግልጋል እንተደኣ ቐጺልና እቲ ንሱ ዘፍቅዶ ዝዀነ ይኹን ነገራት: ሞት እውን ከይተረፈ ንሓዋሩ ክጐድኣና ኣይክእልን ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠16-18፣ ፊልጲ 3:⁠8

እምነትና ኽሳዕ ክንድዚ ድልድልቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧ ብፍላይ ንኽንለማመጥ ጸቕጢ ኣብ ዝግበረልና እዋን ቅኑዕ ውሳነ ምስ እንገብር: መሰረታዊ ስርዓታት ክርስትና ንምሕላው ጽኑዕ ኣቕዋም ምስ ዝህልወና: ወይ ከኣ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ስጕምቲ ምስ እንወስድ እምነትና ዝያዳ ኢያ እትድልድል። በቲ ዘርኣናዮ ተኣማንነት በረኸት የሆዋ ምስ እንረክብ እምነትና ትድልድል ኢያ። በዚ መገዲ እዚ ኣብነት የሱስን ቀዳሞት ደቀ⁠-​መዛሙርቱን ከምኡውን ኣብነት ናይቶም ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝኽፈሎ ነገር ብልክዕ ዝጸብጸቡ ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ዝነበሩ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ንስዕብ ኣሎና ማለት ኢዩ።​—⁠ማርቆስ 1:⁠16-20፣ እብራውያን 11:⁠4, 7, 17, 24, 25, 32-38

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ