ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/9 ገጽ 32
  • “ይቕረ ተባሃሀሉ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ይቕረ ተባሃሀሉ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/9 ገጽ 32

“ይቕረ ተባሃሀሉ”

ኣምላኽ ሓጢኣትካ ዝሓደገልካ ዀይኑ ይስምዓካዶ፧ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ መብዛሕትኦም ዓበይቲ ከምኡ ኢዩ ዝስምዖም። ኣብቲ ብዛዕባ ሕብረተሰብ መጽናዕቲ ዝገብር ትካል ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋን ዝሰርሕ ዶክተር ሎረን ቱሳን ከም ዝገለጾ ካብቶም እተሓተቱ 1,423 ኣመሪካውያን: ልዕሊ 45 ዝዕድሚኦም 80 ሚእታዊት ዝዀኑ ኣምላኽ ንሓጢኣቶም ይቕረ ከም ዝበለሎም ኢዩ ዝስምዖም።

ንኻልኦት ሰባት ይቕረ ከም ዝበሉሎም ዝገለጹ ግን 57 ሚእታዊት ጥራይ ኢዮም። እዚ ኣሃዝ እዚ ነቲ የሱስ ከምዚ ብምባል ኣብ ከረን ዝሃቦ ዝርርብ ዘዘኻኽረና ኢዩ:- “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና: ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።” (ማቴዎስ 6:14, 15) እወ: ኣምላኽ ሓጢኣትና ይቕረ ዝብለልና ንሕና ንኻልኦት ይቕረ ምስ እንብለሎም ኢዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። ከምዚ ብምባል ከኣ ኣተባብዖም:- “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ [“የሆዋ:” NW ] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።” (ቈሎሴ 3:13) እዚ ሓድሓደ ግዜ ከም ዝኸብድ ፍሉጥ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ተሪር ወይ ሃሳዪ ቓላት ምስ ዝዛረበካ ሸለል ኢልካ ኽትሓልፎ ክኸብደካ ይኽእል ኢዩ።

ይኹን እምበር: ንዝበደሉኻ ይቕረ ምባል ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ። ብዛዕባ ማሕበረሰብ መጽናዕቲ ዘካይድ ዶ/ር ዴቪድ ኣር. ዊልያምስ: ነቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ ከምዚ በለ:- “ኣብቶም ማእከላይ ዕድመ ዘለዎምን ሽማግለታትን ኣመሪካውያን ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ እቶም ይቕረ ዝበሉ ሰባት ኣእምሮኦም ጥዑይ ኢዩ።” እዚ ድማ ምስቲ 3,000 ዓመታት ይገብር እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ: ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ዝሰማማዕ ኢዩ። (ምሳሌ 14:30) ይቕረ ናይ ምባል መንፈስ ምስ ኣምላኽን ምስ ብጻይናን ጽቡቕ ርክብ ንኽህልወና ዝሕግዘና ካብ ኰነ ንሓድሕድና ካብ ልብና ይቕረ ኽንበሃሃል ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።​—⁠ማቴዎስ 18:⁠35

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ