ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 1/1 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ ንምብዓል እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ድራር ጐይታ ንዓኻ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣብ በዓል ዝኽሪ እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 1/1 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጳውሎስ “እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ: እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ጳውሎስ ንበዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣመልኪቱ “እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ: እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን: ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ: ሞቱ ትነግሩ ኢኹም” በለ። (1 ቈረንቶስ 11:25, 26) ገሊኣቶም ሰባት እቲ ኣብዚ ‘ብትበልዕዋ: ብትሰትይዋ መጠን’ ዝብል ኣገላልጻ: ሞት ክርስቶስ ብተደጋጋሚ ማለት ብዙሕ ግዜ ክኽበር ዘለዎ ዀይኑ እዩ ዝስምዖም። ስለዚ: ኣብ ውሽጢ ዓመት ብተደጋጋሚ የብዕልዎ። ጳውሎስ ግን ከምኡ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧

የሱስ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ኻብ ዘቕውም ክሳዕ እዚ ግዜና ዳርጋ 2,000 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ: በዓል ዝኽሪ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እንተ ተኸቢሩ እውን: ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ተባዒሉ ኽበሃል ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ከባቢ 1 ቈረንቶስ 11:⁠25, 26 ዘሎ ሓሳባት ክንርኢ ኸሎና: ጳውሎስ በዓል ዝኽሪ ኽሳዕ ክንደይ ብተደጋጋሚ ኽበዓል ከም ዘለዎ ዘይኰነስ ብኸመይ ክበዓል ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ ነይሩ። ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ነታ ፖላኪስ እትብል “ብተደጋጋሚ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቓል ኣይኰነን ተጠቒሙ። የግዳስ: ኦሳኪስ እትብል ሓደ ነገር “ብዝገበርካ መጠን” ወይ ሓደ ነገር “ኣብ እትገብረሉ ግዜ” ወይ “ኽሳዕ ዝገበርካ” ዝትርጕማ ቓል እዩ ተጠቒሙ። ጳውሎስ ‘ነዚ ኽሳዕ ዝገበርኩም: ሞት ጐይታ ኽትነግሩ ኢኹም’ እዩ ዝብል ነይሩ።a

በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ደኣ እሞ ኣብ ከክንደይ እዋን እዩ ክኽበር ዘለዎ፧ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ እዩ ክኽበር ዝግባእ። ከምኡ እንተ ዀይኑ እዩ በዓል ዝኽሪ ኽበሃል ዝከኣል: ከመይሲ መብዛሕትኡ ንዝኽሪ ዝኽበር በዓል ኣብ ዓመት ሓንሳእ እዩ ዝግበር። ብተወሳኺ: የሱስ ኣብታ ኣይሁድ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ፋስጋ ዘብዕሉላ መዓልቲ እዩ ሞይቱ። እቲ ናይ ፈለማ መስዋእቲ ፋስጋ ነቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ በዅሪ ደቂ እስራኤል ካብ ሞት ዘድሓኖምን ካብ ባርነት ሓራ ንኽወጹ ዘኽኣሎምን ካብ ኰነ: መስዋእታዊ ሞት ክርስቶስ ድማ ንመንፈሳውያን እስራኤል መገዲ ህይወት ስለ ዝኸፈተሎም ጳውሎስ “ፋስጋና” ኢሉ ኽጽውዖ ዝግባእ እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:⁠7፣ ገላትያ 6:⁠16) ምስቲ ኣብ ዓዓመት ዝኽበር ፋስጋ ኣይሁድ እተተሓሓዘ ምዃኑ ድማ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ክበዓል ከም ዘለዎ ተወሳኺ መርትዖ እዩ ዝዀነና።

ብዘይ​ካዚ: ጳውሎስ ሞት የሱስ ምስ መዓልቲ ዕርቂ ዝበሃል ዓመታዊ በዓል ኣይሁድ ኣተሓሒዝዎ እዩ። ኣብ እብራውያን 9:⁠25, 26 ከምዚ ዝብል ነንብብ ኢና:- “ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት [ኣብ መዓልቲ ዕርቂ] ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚአቱ: [የሱስ] ብዙሕ ሳዕ ርእሱ ኺስውእ ኣይአተወን። . . . ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ኪስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ጊዜ እተገልጸ።” መስዋእቲ የሱስ ነቲ ዓመት ዓመት ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዝቐርብ መስዋእቲ ኻብ ተክኦ: በዓል ዝኽሩ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እዩ ክኽበር ዝግባእ። ኣብ ዓመት ብተደጋጋሚ ክኽበር ከም ዘለዎ ዝሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ድማ የለን።

ጸሓፍ ታሪኽ ጆን ሎረንስ ፎን ሞሸይም ምስዚ ብምስምማዕ ኣብ ካልኣይ ዘመን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ “ኣብ መበል 14 መዓልቲ ናይታ ፈላሚት ወርሒ ኣይሁድ [ኒሳን]” የብዕሉ ምንባሮም ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣብ ዓመት ብተደጋጋሚ ግዜ ኽበዓል ዝጀመረ: ጸኒሑ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ምስ 1 ሳሙኤል 1:⁠3, 7 ኣወዳድሮ። ኣብኡ እታ ‘በታ እትድይበላ ግዜ’ ዝብል መግለጺ ዓመት ንዓመት ወይ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ኤልቃናን ክልተ ኣንስቱን ናብቲ ኣብ ሺሎ ዝርከብ ድንኳን ኣብ ዝኸዱሉ ግዜ ንዝግበር ነገር እያ እተመልከት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ