ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ጳውሎስ “እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ: እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
ጳውሎስ ንበዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣመልኪቱ “እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ: እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን: ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ: ሞቱ ትነግሩ ኢኹም” በለ። (1 ቈረንቶስ 11:25, 26) ገሊኣቶም ሰባት እቲ ኣብዚ ‘ብትበልዕዋ: ብትሰትይዋ መጠን’ ዝብል ኣገላልጻ: ሞት ክርስቶስ ብተደጋጋሚ ማለት ብዙሕ ግዜ ክኽበር ዘለዎ ዀይኑ እዩ ዝስምዖም። ስለዚ: ኣብ ውሽጢ ዓመት ብተደጋጋሚ የብዕልዎ። ጳውሎስ ግን ከምኡ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧
የሱስ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ኻብ ዘቕውም ክሳዕ እዚ ግዜና ዳርጋ 2,000 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ: በዓል ዝኽሪ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እንተ ተኸቢሩ እውን: ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ተባዒሉ ኽበሃል ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ከባቢ 1 ቈረንቶስ 11:25, 26 ዘሎ ሓሳባት ክንርኢ ኸሎና: ጳውሎስ በዓል ዝኽሪ ኽሳዕ ክንደይ ብተደጋጋሚ ኽበዓል ከም ዘለዎ ዘይኰነስ ብኸመይ ክበዓል ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ ነይሩ። ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ነታ ፖላኪስ እትብል “ብተደጋጋሚ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቓል ኣይኰነን ተጠቒሙ። የግዳስ: ኦሳኪስ እትብል ሓደ ነገር “ብዝገበርካ መጠን” ወይ ሓደ ነገር “ኣብ እትገብረሉ ግዜ” ወይ “ኽሳዕ ዝገበርካ” ዝትርጕማ ቓል እዩ ተጠቒሙ። ጳውሎስ ‘ነዚ ኽሳዕ ዝገበርኩም: ሞት ጐይታ ኽትነግሩ ኢኹም’ እዩ ዝብል ነይሩ።a
በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ደኣ እሞ ኣብ ከክንደይ እዋን እዩ ክኽበር ዘለዎ፧ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ እዩ ክኽበር ዝግባእ። ከምኡ እንተ ዀይኑ እዩ በዓል ዝኽሪ ኽበሃል ዝከኣል: ከመይሲ መብዛሕትኡ ንዝኽሪ ዝኽበር በዓል ኣብ ዓመት ሓንሳእ እዩ ዝግበር። ብተወሳኺ: የሱስ ኣብታ ኣይሁድ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ፋስጋ ዘብዕሉላ መዓልቲ እዩ ሞይቱ። እቲ ናይ ፈለማ መስዋእቲ ፋስጋ ነቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ በዅሪ ደቂ እስራኤል ካብ ሞት ዘድሓኖምን ካብ ባርነት ሓራ ንኽወጹ ዘኽኣሎምን ካብ ኰነ: መስዋእታዊ ሞት ክርስቶስ ድማ ንመንፈሳውያን እስራኤል መገዲ ህይወት ስለ ዝኸፈተሎም ጳውሎስ “ፋስጋና” ኢሉ ኽጽውዖ ዝግባእ እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:7፣ ገላትያ 6:16) ምስቲ ኣብ ዓዓመት ዝኽበር ፋስጋ ኣይሁድ እተተሓሓዘ ምዃኑ ድማ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ክበዓል ከም ዘለዎ ተወሳኺ መርትዖ እዩ ዝዀነና።
ብዘይካዚ: ጳውሎስ ሞት የሱስ ምስ መዓልቲ ዕርቂ ዝበሃል ዓመታዊ በዓል ኣይሁድ ኣተሓሒዝዎ እዩ። ኣብ እብራውያን 9:25, 26 ከምዚ ዝብል ነንብብ ኢና:- “ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት [ኣብ መዓልቲ ዕርቂ] ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚአቱ: [የሱስ] ብዙሕ ሳዕ ርእሱ ኺስውእ ኣይአተወን። . . . ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ኪስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ጊዜ እተገልጸ።” መስዋእቲ የሱስ ነቲ ዓመት ዓመት ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዝቐርብ መስዋእቲ ኻብ ተክኦ: በዓል ዝኽሩ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እዩ ክኽበር ዝግባእ። ኣብ ዓመት ብተደጋጋሚ ክኽበር ከም ዘለዎ ዝሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ድማ የለን።
ጸሓፍ ታሪኽ ጆን ሎረንስ ፎን ሞሸይም ምስዚ ብምስምማዕ ኣብ ካልኣይ ዘመን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ “ኣብ መበል 14 መዓልቲ ናይታ ፈላሚት ወርሒ ኣይሁድ [ኒሳን]” የብዕሉ ምንባሮም ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ዓመት ብተደጋጋሚ ግዜ ኽበዓል ዝጀመረ: ጸኒሑ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ምስ 1 ሳሙኤል 1:3, 7 ኣወዳድሮ። ኣብኡ እታ ‘በታ እትድይበላ ግዜ’ ዝብል መግለጺ ዓመት ንዓመት ወይ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ኤልቃናን ክልተ ኣንስቱን ናብቲ ኣብ ሺሎ ዝርከብ ድንኳን ኣብ ዝኸዱሉ ግዜ ንዝግበር ነገር እያ እተመልከት።