ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 1/5 ገጽ 32
  • ‘ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 1/5 ገጽ 32

‘ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ’

“ብዙሓት ሰባት ውሳነታት ክገብሩ ኸለዉ ሕልናኦም ክስዕቡ ኸም ዘለዎም ይስምዖም እዩ። ሕልናና እንተኣማመነሉ መምርሒ ንክዀነልና ግን ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብዝግባእ ክስልጥን ኣለዎ: ድሕሪኡ ነቲ ሕልናና ዝብለና ኽንሰምዖ ኣሎና።

ነዚ ብዝምልከት ዛንታ ናይ ሓደ ዘኬዎስ ዝበሃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ሰብ እስከ ንርአ። ዘኬዎስ ኣብ ያሪኮ ይነብር ነበረ: ሓለቓ ተገውቲ ብምንባሩ ድማ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ። ገንዘብ ካልኦት ብምዕማጽ ሃብቲ ከም ዝደለበ ባዕሉ ተኣሚኑ እዩ: እዚ ኸኣ ንኻልኦት ዝጐድእ ተግባር እዩ። ሕልናኡ ግን በዚ ሕማቕ ተግባራቱ የሳቕዮዶ ነይሩ፧ የሳቕዮ እንተ ነይሩ: ብዘይ​ጥርጥር ዕሽሽ ይብሎ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ሉቃስ 19:1-7

እንተዀነ ግን: ዘኬዎስ ንኣነባብራኡ ዝምርምረሉ ዅነታት ኣጋጠሞ። ሓደ እዋን የሱስ ናብ ያሪኮ መጸ። ዘኬዎስ ሓጺር ዝቝመቱ ብምንባሩ: ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ ንየሱስ ክርእዮ ኣይከኣለን። ስለዚ: ጽቡቕ ገይሩ ምእንቲ ኽርእዮ ጐይዩ ቅድሚት ብምሕላፍ ኣብ ኦም ሓዀረ። የሱስ በቲ ናይ ዘኬዎስ ክቱር ድሌት ተመሲጡ: ናብ ቤቱ ኸም ዝኣቱ ነገሮ። ዘኬዎስ ከኣ ነዚ ክቡር ጋሽኡ ተሓጒሱ ተቐበሎ።

ዘኬዎስ ምስ የሱስ ከሎ በቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ልቡ ስለ እተተንከፈ: መገድታቱ ክቕይር ተደረኸ። “ጐይታይ: እንሆ: ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ: ገለ ዝዐመጽክዎ እንተሎውን: ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ” በለ።​—⁠ሉቃስ 19:8

ሕልና ዘኬዎስ ስልጠና ረኸበ: ነቲ ሕልናኡ ዝብሎ ሰሚዑ ኸኣ ስጕምቲ ወሰደ። እዚ ድማ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየሉ። የሱስ “ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ” ኽብሎ ኸሎ: ዘኬዎስ ከመይ ከም እተሰምዖ እሞ ገምቶ።​—⁠ሉቃስ 19:9

እዝስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኣብነት ኰን እዩ! ኣቐዲምና እንመላለሰሉ ዝነበርና መገዲ ብዘየገድስ: ክንቅየር ንኽእል ኢና። ልክዕ ከም ዘኬዎስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ቃላት የሱስ ክንስዕብ: ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምፍላይ ክእለትና ድማ ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ: ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝበሎ ‘ሰናይ ሕልና ይህልወና።’ ነቲ ዝሰልጠነ ሕልናና ሰሚዕና ድማ ቅኑዕ ንገብር።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ