ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 15/8 ገጽ 32
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ምዉታት ዘለዎ ኣረኣእያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ብዛዕባ ምዉታት ዘለዎ ኣረኣእያ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 15/8 ገጽ 32

ኣምላኽ ብዛዕባ ምዉታት ዘለዎ ኣረኣእያ

ሞት እተፍቅሮ ሰብ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝስምዓካ ናይ ባዶነት ስምዒት: ጽምዋ: ከምኡውን ሓዘን ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝሞተካ: ሃብትኻ: ስልጣንካ: ወይ ጽልዋኻ ብዘየገድስ እትገብሮ ኽሕርብተካ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ነቲ ዝሞተ እንደገና ህያው ክገብሮ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን።

ይኹን እምበር: ፈጣሪና ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ኣብ ፈለማውን ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ዝገበሮ ንሱ ብምዃኑ: ንሓደ ዝሞተ ሰብ ዳግም ክፈጥሮ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣምላኽ ነቶም ምዉታት ከም ህያዋን ገይሩ ኽርእዮም ይኽእል። የሱስ ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ “ንእኡ [ንኣምላኽ] ዅሎም ህያዋን እዮም” በለ።—ሉቃስ 20:38

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምዉታት ንኸተንስእ ሓይሊ ተዋህቦ። (ዮሃንስ 5:21) ስለዚ: ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ እሙናት ከምቲ ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣረኣእያ ነበሮ። ንኣብነት: ኣልኣዛር ፈታዊኡ ምስ ሞተ: ንደቀ መዛሙርቱ “ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ: ክኸይድ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 11:11) በረኣእያ ሰባት ኣልኣዛር ሞይቱ ነበረ: በረኣእያ የሆዋን የሱስን ግን ኣልኣዛር ደቂሱ ነበረ።

ኣብታ የሱስ ዝንጉሳ መንግስቲ: “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ” ክኸውን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ኣብ መወዳእታኡ: እቶም ዝትንስኡ ብኣምላኽ ክመሃሩ: ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኽነብሩ ድማ ኣጋጣሚ ክኽፈተሎም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

እወ: ሞት እነፍቅሮ ሰብ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሕ ሓዘንን ጓህን ከምጽኣልና ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ንምዉት በረኣእያ ኣምላኽ ምርኣዩ ግን ብዙሕ ከጸናንዓናን ተስፋ ክዀነናን ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ