ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 15/11 ገጽ 27
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕለተ ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ንኣምላኽ ዜጕህዮ በዓላት
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 15/11 ገጽ 27

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክርስትያናት ነቲ ምስ እተወለድካሉ ወርሒ ይተሓሓዝ ዝበሃል ክቡር እምኒ ዘለዎ ስልማት ምግባር ብኸመይ እዮም ክርእይዎ ዘለዎም፧

ኣብ ገሊኡ ባህልታት ገሊኡ ኽቡር እምኒ ምስ እተወለድካሉ ወርሒ ይተሓሓዝ እዩ። ሓደ ክርስትያን ክቡር እምኒ ዘለዎ ቐለቤት ክገብር ወይ ከይገብር ናይ ብሕቱ ውሳነ እዩ። (ገላትያ 6:5) ነዚ ውሳነ ኽገብር ከሎ ግን ኣብ ግምት ከእትዎ ዘለዎ ኣገዳሲ ረቛሒታት ኣሎ።

ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ “ምስ እተወለድካሉ ዕለት ዝተሓሓዝ ክቡር እምኒ ምግባር ጽቡቕ ዕድል ወይ ጥዕና ንኽህልወካ የኽእል ተባሂሉ ይእመን” ይብል። ብዘይካዚ: እዚ መወከሲ ጽሑፍ እዚ “ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንገሊኡ ኽቡራት ኣእማን ልዕለ-ባህርያዊ ሓይሊ ኣለዎ ይብሉ” ኢሉ ኣሎ።

ብፍላይ ብግዜ ጥንቲ ብዙሓት ሰባት ምስ እተወለድካሉ ወርሒ ዝተሓሓዝ ክቡር እምኒ እንተ ጌርካ ጽቡቕ ዕድል የምጽኣልካ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ነዚ ይኣምነሉ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ የሆዋ ነቶም ንዕኡ ሓዲጎም ‘ዕድሎም ምእንቲ ኺጽብቕ ኣብ ጋድ’ ዝበሃል ኣምላኽ እተወከሉ ዀኒንዎም እዩ።—ኢሳይያስ 65:11

ኣብ ማእከላይ መዋእል ጠንቈልቲ ንነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓደ ኽቡር እምኒ መደቡሉ። ንሰባት ካብ ጕድኣት ዕቝባ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም ነታ እተወልዱላ ወርሒ ዝውክል ክቡር እምኒ ኽገብሩ የተባብዑ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንጠንቆልቲ ስለ ዝዅንኖም ግን ክርስትያናት ነቲ ጠንቆልቲ ዝብልዎ ምስ ዝስዕቡ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ጌጋ እዩ።—ዘዳግም 18:9-12

ክርስትያናት ሓንቲ ቐለቤት ምስ እተወለድካሉ ወርሒ እተተሓሓዘ ኽቡር እምኒ ስለ ዘለዋ ኢሎም ፍሉይ ኣትኵሮ ኽህብዋ ግቡእ ኣይኰነን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር መዓልቲ ልደቶም ኣየብዕሉን እዮም። ከምዚ ዝገበሩ ኸኣ ኣብቲ ውልቀ-ሰብ ብዙሕ ኣትኵሮ ስለ ዝግበርን እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ልደቶም ዘብዓሉ ዘበሉ ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ብምንባሮምን እዩ።—ዘፍጥረት 40:20፣ ማቴዎስ 14:6-10

ገሊኣቶም ሰባት ምስ እተወለድካሉ ወርሒ ዝተሓሓዝ ክቡር እምኒ ዘለዎ ቐለቤት ምግባር ኣብ ባህሪ እቲ ሰብ ጽቡቕ ጽልዋ ኣለዎ ይብሉ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ነዚ ኣይኣምኑሉን እዮም። ከመይሲ: “ሓድሽ ሰብ” ወይ ባህሪ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዘሕድሮ ጽልዋን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ጥራይ ክልበስ ከም ዝከኣል ይፈልጡ እዮም።—ኤፌሶን 4:22-24

ውሽጣዊ ድራኸ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ሓደ ክርስትያን ምስ እተወልደሉ ወርሒ ዝተሓሓዝ ክቡር እምኒ ዘለዎ ቐለቤት ክገብር ወይ ከይገብር ክውስን ከሎ: ንርእሱ ‘እዚ ኽቡር እምኒ እዚ ምስ እተወለድካሉ ወርሒ ዝተሓሓዝ እዩ እኳ ዝበሃል እንተዀነ: እቲ እምኒ ስለ ዝሰሓበኒ ጥራይ ድየ ኽገብሮ ደልየ ዘለኹ ወይስ በቲ ገሊኣቶም ሰባት ብዛዕባ እዚ ኽቡር እምኒ ብዘለዎም ማሪታዊ እምኒ እየ ተጸልየ፧’ ኢሉ ኽሓትት ይኽእል እዩ።

ሓደ ክርስትያን ውሽጣዊ ድራኼኡ ንምፍላጥ ልቡ ኽምርምር ኣለዎ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ይብል። (ምሳሌ 4:23) ነዚ ምስ እተወለድካሉ ወርሒ ይተሓሓዝ እዩ ዝበሃል ክቡር እምኒ ብዝምልከት ሓደ ክርስትያን ውሳነ ኽገብር ከሎ ውሽጣዊ ድራኼኡ ኽምርምር ከምኡውን እቲ ዝውስኖ ውሳነ ኣብ ርእሱን ኣብ ካልኦትን ዝህልዎ ጽልዋ ከስተውዕል ምስ ዝጽዕር ይጥቀም እዩ።—ሮሜ 14:13

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ