ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/10 ገጽ 32
  • “ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/10 ገጽ 32

“ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ”

ኣብቲ ኣብ ግላስተር: ማሳቹሰትስ: ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ወደብ: ሓደ ዘዋር መርከብ ኣብ ማእከል ማዕበል እናተቓለሰ መርከቡ ኺዝውር ከሎ ዜርኢ ኻብ ብሮንዞ እተሰርሐ ሓወልቲ ኣሎ። እዚ ሓወልቲ እዚ ንመዘከርታ እቶም በሽሓት ዚቝጸሩ ዝሞቱ ገፈፍቲ ዓሳ ግላስተር ንምዝካር እዩ ቘይሙ። ኣብ ትሕቲ እቲ ሓወልትን ኣብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ጽላትን እተን “ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ: ኣብ ዓበይቲ ማያት ዚነግዱ: ንሳቶም ግብርታት እግዚኣብሄር: ኣብ ዓሚቝ ድማ ተኣምራቱ ረአዩ” ዚብላ ቓላት መዝሙር 107:23, 24 ኣለዋ።

ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣትላንቲክ ኴንካ ምስራሕ: ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ኣብዛ ሕጂ 30,000 ዝዀኑ ነበርቲ ዘለውዋ ግላስተር 5,368 ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ኸለዉ ሞቱ። እቲ ናይ መዘከርታ ጽሕፈት ከምዚ ይብል:- “ገሊኦም በቲ ኻብ ሰሜናዊ ምብራቕ እናፋጸየ ዚመጽእ ንፋስን በቲ ኽንዲ እምባ ዚኸውን ማዕበልን እዮም ሞይቶም። ገሊኦም ድማ ካብታ ናብቲ ገምገም ባሕሪ እትመልሶም ዝነበረት መርከብ ኣርሒቖም ከይዶም በተን ዝነበራኦም ንኣሽቱ ጀላቡ ገይሮም ምምላስ ብዘይ ምኽኣሎም እዮም ሞይቶም። ገሊአን መራኽብ ምስቲ ማዕበል ተራጺመን ጠሓላ። ገሊአን ድማ ብኻልኦት ዓበይቲ መራኽብ ተገጭየን እየን ጥሒለን።”

እዚ መዘከርታ እዚ ነቲ ገፈፍቲ ዓሳ ንሓያሎ ዘበናት ዝሰርሕዎ ኸቢድ ስራሕን ዜጋጥሞም ዝነበረ ሓደጋታትን ንምምስካር ተባሂሉ እዩ ቘይሙ። ሰብኡትን ኣቦታትን ኣሕዋትን ውሉዳትን ብሙማቶም ዘስዓቦ ሓዘን እሞ ሕስብ ኣብሎ! ይኹን እምበር: የሆዋ ኣምላኽ ንመበለታት: ንዘኽታማት: ወይ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ኣይርስዖምን እዩ። ነቲ ብድሕሪ ሕጂ ዚፍጸም ብዚምልከት ሃዋርያ ዮሃንስ “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ” ኢሉ ተዛረበ። (ራእይ 20:13) ብርግጽ: “እቶም ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ:” ኣብ ግዜ ትንሳኤኦም “ግብርታት እግዚኣብሄር” ኪርእዩ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ