“ድኽምቲ ፍጥረት” ዘለዋ ዋጋ
ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ኣቱም ሰብኡት: . . . ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት . . . ጌርኩም እናኽበርኩምወን: ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 3:7) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነንስቲ “ድኽምቲ ፍጥረት” ኢላ ስለ እትጽውዐን ተነኣእሰን ድያ ዘላ፧ እስከ እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ዝጸሓፋ ሰብ ኬመሓላልፎ ደልይዎ ዝነበረ ነገር ንርአ።
እታ ኣብዚ “እናኽበርኩምወን” ተባሂላ ተጠቒሳ ዘላ “ክብሪ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ስም: “ዋጋ: ግምት: . . . ኣኽብሮት” ማለት እያ። ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም ሓደ ተነቃፊ ዝዀነ ኽቡር ኣቕሓ ገይሩ ብምሕሳብ ብሕያውነት ይሕዛ። እዚ ፈጺሙ ዜነኣእስ ኣይኰነን። ንኣብነት: እስከ ነቲ ቲፋኒ ሎቱስ ዚበሃል መብራህቲ ንርአ። እዚ ኣዝዩ ውሕሉል ዝዀነ መብራህቲ ኸም ተነቃፊ ኣቕሓ ጌርካ እዩ ዚርአ። እንተዀነ ግን: ንዋጋ እቲ መብራህቲ ኣሕሲርዎ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣየሕሰሮን። ብ1997 እቲ ፈለማ እተሰርሐ መብራህቲ ቲፋኒ ሎቱስ ብ2.8 ሚልዮን ዶላር ብጨረታ ተሸጠ። እቲ ኣቕሓ ተነቃፊ ምዃኑ: ንዋጋኡ ኸም ዚኸብር እምበር: ከም ዚሓስር ኣይገበሮን።
ብተመሳሳሊ እውን ንሓንቲ ሰበይቲ ድኽምቲ ፍጥረት ኢልካ ምጽዋዕ: ክብራ ኸም ዚንኪ ወይ ከም ዚሓስር ዚገብር ኣይኰነን። “ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ” ኪብል ከሎ: ሓደ ሰብኣይ ነቲ ናይ ሰበይቱ ብርታዐን ድሩትነትን: እትፈትዎን ዘይትፈትዎን: ከምኡውን ኣረኣእያኣን ስምዒታን ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ ማለት እዩ። ሓላዪ ሰብኣይ ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ሰበይቱን ዘሎ ናይ ባህሪ ፍልልይ የለልዮን የኽብሮን እዩ። ‘ጸሎቱ ምእንቲ ኸይዕገት’ ድማ ብዚግባእ ኪግደሰላ ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ሓደ ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ ዘለዋ ኽእለት ዘየኽብሮ እንተደኣ ዀይኑ: ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ። ብርግጽ እምበኣር: ቃል ኣምላኽ ነንስቲ ኣትሒቱ ኣይርእየንን እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣ ኣዝዩ እዩ ዜኽብረን።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© Christie’s Images Limited 1997