ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/8 ገጽ 32
  • ኣሪጉ እምበር ዓዲ ኣይወዓለን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣሪጉ እምበር ዓዲ ኣይወዓለን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/8 ገጽ 32

ኣሪጉ እምበር ዓዲ ኣይወዓለን

ብዙሓት ሰባት ብዕድመ ምስ ደፍኡ: ስንኩላንን ካብ ሕብረተሰብ ግሉላትን ይዀኑ። ኵነታት እቲ ኣብ ጀነቫ: ስዊዘርላንድ ኣብ 95 ዕድሚኡ ዝሞተ ፈርናንድ ሪቮሮል ግን ከምዚ ኣይኰነን ነይሩ። ሰበይቱ ብሙማታ: እታ ምርዕውቲ ጓሉ ድማ ናታ ገዛ ስለ ዘለዋ: ንበይኑ እዩ ዚነብር ነይሩ። ዋላኳ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛኡ እተደረተ እንተ ዀነ: ብጽምዋ እተበልዐ ግን ኣይነበረን። ኣብቲ ኣብ ሳሎን ዚርከብ ሰደቓ ኾፍ ኢሉ: ንሰባት ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገር ንኼዘራርቦም ይድውለሎም ነበረ።

ፈርናንድ ቃል ብቓሉ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንጥፈታት እተደረተሉ እዋን ነይሩ እዩ። ስለምንታይ፧ ብ1939 ንሱን ሰበይቱን ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኰኑ: ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ተባርዐ። ፈርናንድ ካብቲ ንኻልእ ሰብ ንኸይጐድእ ኢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሱ ዝወሰኖ ውሳነ ምንቕ ኣይበለን። በዚ ምኽንያት እዚ ስርሑ ሰኣነ፣ ንሓያሎ ዓመታት: ብድምር ንሓሙሽተ ዓመትን መንፈቕን ድማ ካብ ሰበይቱን ካብታ ንእሽቶ ጓሉን ተፈልዩ ተኣስረ።

ፈርናንድ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኽሓስብ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝነበረኒ ቐዋሚ ስራሕ ከም ዝገደፍኩን ንስድራቤተይ ድማ ራሕሪሐ ዝኸድኩን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም ነይሩ። ስለዚ ድማ ይንዕቁንን ከም ሓደ ገበነኛ ገይሮም ይርእዩንን ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ኣጸጋሚ እዋናት ክሓስቦ ኸለኹ ግን: ልዕሊ ዅሉ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝደገፈናን ከም ዝሓገዘናን እየ ዝዝክር። ዋላኳ እዚ ኻብ ዚኸውን ብዙሕ ዓመታት እንተ ሓለፈ: ኣብ የሆዋ ዘሎኒ ትውክልቲ ግን ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሮ ገና ጽኑዕ እዩ ዘሎ።”

እዚ እምነት እዚ ንፈርናንድ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ተስፋኡ ብተሌፎን ገይሩ ንኻልኦት ሰባት ንኼካፍሎም ደረኾ። ምስ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ዝርርብ እንተ ገይሩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ይሰደሉ። ቀጺሉ ድማ እቲ ዝለኣኸሉ ሰብ እቲ ጽሑፋት ባህ እንተ ኢልዎ ንምርግጋጽ መሊሱ ይድውለሉ። ሓድሓደ ግዜ ናይ ምስጋና ደብዳበ ዚጽሕፉሉ ሰባት ነበሩ: እዚ ድማ ኣዝዩ የሐጕሶ ነበረ።

ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ምስ ሓደ ኸም ፈርናንድ ዝኣመሰለ ሰብ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዚኣምነሉ ነገር እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ: ስለምንታይ ነቲ ዚብለካ ዘይትሰምዖ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወትሩ ብዛዕባ እምነቶም ኬካፍሉኻ ሕጉሳት እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ