ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 15/2 ገጽ 32
  • ኣብነት ሓቀኛነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብነት ሓቀኛነት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 15/2 ገጽ 32

ኣብነት ሓቀኛነት

ኣብ ክሩዜሮ ዱ ሱል: ብራዚል: መሻጢት ኰይና እተሰርሕ ነልማ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንክርስትያናዊ ንጽህናኣ ዚፍትን ፈተና ኣጋጠማ። ኣብ እትነብረሉ ኸባቢ ምዕልቕላቕ ማይ ምስ ኣጋጠመ: ሓንቲ ኻብ ዓማዊላ ኽዳውንቲ ወፈየትላ። ነልማ ነቲ ኽዳውንቲ ኸተወግኖ ኸላ ኣብ ጁባታት ገሊኡ ስረታት ማዕረ 1,000 ዶላር ኣመሪካ ገንዘብ ረኸበት።

እቲ ነልማ ዝረኸበቶ ገንዘብ ክንዲ እቲ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ደሞዛ ኣቢሉ እዩ ዚበጽሕ: ብሓቂ የድልያ ኸኣ እዩ ነይሩ። ቤታ በቲ ምዕልቕላቕ ዓንዩ: መብዛሕትኡ ንብረት ኣቦኣን ኣሕዋታን ከኣ ጠፊኡ ነበረ። እቲ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ቤታ ጸጊና: በቲ ዝተረፈ ንኣዝማዳ ንምሕጋዝ ዜኽእላ እዩ ነይሩ። እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኣ ግን ነቲ ገንዘብ ክትወስዶ ኣይፈቐደላን።—እብራውያን 13:18

ንጽብሒቱ ኣንጊሃ ተንሲኣ: እቲ ልሙድ ሰዓታት ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ንስራሕ ወፈረት እሞ ነታ ኽዳውንቲ ዝወፈየትላ ብዓልቲ ዋኒን ረኸበታ። ነልማ ነቲ ኽዳውንቲ ስለ ዝሃበታ ኣመስጊና: ነቲ ዝረኸበቶ ገንዘብ ግን ክትወስዶ ኸም ዘይክኣለት ገለጸትላ። እታ ሰበይቲ ነቲ ገንዘብ ብምርካባ ኣዝያ ተሓጐሰት። እቲ ገንዘብ ንሰራሕተኛታታ ደሞዞም ክትህቦም ዝመደበቶ እዩ ነይሩ። ሽዑ እታ ብዓልቲ ዋኒን “ሓቀኝነት ብዙሕ ሳዕ ዘይትረኽቦ ነገር እዩ” በለት።

ገሊኣቶም ሰባት ሓቀኛ ምዃን ፍሉይ ዓስቢ የብሉን ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: እቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኼሐጕሱ ዚጽዕሩ ዅሎም ክብ ኣቢሎም ዚምልከትዎ ባህርይ እዩ። (ኤፌሶን 4:25, 28) ነልማ “ኸምኡ እንተ ዘይገብር: ለይቲ ድቃስ ዘይብለይ ምሓደርኩ ነይረ” በለት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ