ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/6 ገጽ 3
  • እከይ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዀይኑ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እከይ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዀይኑ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰናይ ንእከይ ዚስዕሮ ብኸመይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መበል 20 ዘመን ዘመነ-ሰይጣን ድዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ምንጪ እከይ ተቓልዐ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/6 ገጽ 3

እከይ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዀይኑ ድዩ፧

ሓደ ህንጡይ ቈልዓ: ነታ ኣብቲ ጐልጎል ዝነበረት ፈንጂ ኣልዓላ፣ ምሉእ ህይወቱ ድማ ዕውርን ስንኩልን ኰነ። ሓንቲ ኣደ ነቲ ናጽላ ውላዳ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ ዚርከብ ጐሓፍ ብምሕባእ ጠንጢናቶ ኸደት። ሓደ ኻብ ስርሑ እተሰናበተ ሰራሕተኛ: ናብቲ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ቦታ ተመሊሱ ኣብ ቅድሚኡ ንዝረኸቦ ዅሉ ሰብ ድሕሪ ምቕታል: ንርእሱ እውን ቀተለ። ሓደ ዓብዪ ኣኽብሮት ዚወሃቦ ዜጋ: ንመሳኪን ቈልዑ ብጾታ ዓመጾም።

እቲ ዜሕዝን: ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ዝዓይነቱ እከይ ዝመልኦ ጸብጻብ ወትሩ ዜጋጥም ነገር ምዃኑ እዩ። ዓሌታዊ ምጽራይ: ጃምላዊ ቕትለት: ከምኡውን ግብረ-ሽበራ ምብዛሑ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ጸብጻባት ኣብ ግምት ዘይኣቱ ይገብሮ ምህላው ድማ ብዝያዳ ዜሕዝን እዩ። ብ1995 ሓደ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ: “እዚ ዘመን እዚ ዘመነ ሰይጣን እዩ። ደቅሰብ ከምዚ ዘመን እዚ ገይሮም ብሰንኪ ዓሌት: ሃይማኖት: ወይ ደርቢ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ክሳዕ ምቕታል ሃነፍነፍ ዝበልሉ ኻልእ ዘመን ፈጺሙ የልቦን” በለ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ሰባት ንኣየር ይብክልዎ: ንምድሪ የበላሽውዋ: ንሃብታ ይጽንቅቕዎ: ማእለያ ዘይብሎም እንስሳታት ከም ዚጸንቱ ድማ ይገብሩ ኣለዉ። ደቅሰብ ነዚ ዅሉ እከይ ሰጊሮም: ንዓለምና ዝሓሸትን ዕቝባ እትረኽበላን ኪገብርዋ ይኽእሉዶ፧ ወይስ ከምዚ ምግባር ንምልኣት ባሕሪ ብመዀስተር ጌርካ ኽትመልሶ ኸም ምፍታን እዩ፧ ሓደ ብዛዕባ እከይ ኣስፍሕ ኣቢሉ ዝጸሓፈ ፕሮፌሰር: “ኣብዛ ዓለም ሓደ ለውጢ ኽገብር: ማለት ዝሓሸት ክገብራ ብርቱዕ ድሌት ኣሎኒ። እዛ ዓለም ግን ርኡይ ምምሕያሽ ኣይትገብርን እያ ዘላ” በለ። ንስኻ እውን ከምዚ ይስምዓካ ይኸውን።

እቲ እዛ ዓለምና ሒዛቶ ዘላ ኣንፈት: ምስ ሓንቲ ናብቲ እናሓደረ ዚናወጽን ዝያዳ ሓደገኛ ዚኸውንን ክፋል ባሕሪ ጕዕዞ እትገብር መርከብ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ዋላኳ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብዚ ኣንፈት እዚ ኪኸይድ እንተ ዘይደለየ: ነቲ ኣንፈት ንምቕያር ዚግበር ጻዕሪ ግን ፈሺሉ ይተርፍ። እታ መርከብ ድማ ናብቲ ሞት ዜስዕብን ደው ከተብሎ ዘይከኣልን ማዕበል ትኣቱ።

እዚ እናሓደረ ዜንቈልቍል ዘሎ ዅነታት: ብእተወሰነ ደረጃ ብሰንኪ ዘይፍጽምና ሰባት ዝመጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 3:23) ደረጃን ስፍሓትን ቀጻልነትን እከይ ክንርኢ ኸለና ግን: ካብ ዓቕሚ ደቅሰብ ንላዕሊ ምዃኑ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ደቅሰብ ብሓደ ሓያል ዝዀነ ዘይርአ እኩይ ሓይሊ ይድፍኡ ደዀን ይህልዉ ይዀኑ፧ ከምዚ እንተ ዀይኑ: እዚ ሓይሊ እዚ እንታይ እዩ፧ ንርእስናኸ ብኸመይ ከነዕቍባ ንኽእል፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Heldur Netocny/Panos Pictures

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ