ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 15/6 ገጽ 32
  • “ስም ኣምላኽ ትፈልጦዶ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ስም ኣምላኽ ትፈልጦዶ፧”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 15/6 ገጽ 32

“ስም ኣምላኽ ትፈልጦዶ፧”

እዛ ሕቶ እዚኣ ስምዒት እታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ማእከላይ እስያ እትነብር ሰበይቲ ዘለዓዓለት ሕቶ እያ። ኣብ ገበር ናይ 22 ጥሪ 2004 ሕታም እታ ብጸይቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀነት ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት እያ። እታ ሰበይቲ ናብቶም ሓተምቲ ኸምዚ ብምባል ጸሓፈት:- “መጽሔትኩም ብኡንብኡ መሲጣትንን ናብ ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንኸተኵር ሓጊዛትንን እያ። ንህይወተይ ዘሎኒ ኣረኣእያ እውን ብዝያዳ ኣወንታዊ ይኸውን ኣሎ። ብዛዕባ ኣምላኽናን ብዛዕባ እዚ ፍልጠት እዚ ዜምጽኦ ሰላምን ንዅሉ ሰብ እዛረብ ኣለኹ።”

ኣብ ብዙሕ ቦታታት: ኣረ “ኽሳዕ ወሰን ምድሪ” ዚርከቡ ሰባት እውን: ነቲ መለኮታዊ ስም ኣምላኽ ይፈልጥዎ ኣለዉ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ንኣብነት: እዚ ስም እዚ ብቛንቋ ቱርክመን የሆዋ ዚበሃል ኰይኑ: እዚ ድማ ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ቱርክመን ኪርከብ ይከኣል እዩ። መዝሙር 8:1 “ዎ የሆዋ: ጐይታና: ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ!” ትብል።

እታ ሰበይቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ብዙሕ ምእንቲ ኽትመሃር: ቅዳሕ እታ 32 ገጽ ዘለዋ: እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም እትበሃል ብሮሹር ሓተተት። ንስኻ እውን ነዛ ብሮሹር እዚኣ ምእንቲ ኽትረክብ ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ