ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/11 ገጽ 3
  • ትሕትና በዳሂት እትዀነሉ ምኽንያት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትሕትና በዳሂት እትዀነሉ ምኽንያት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓቂ ትሕትና ኣማዕብል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ይርእዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • የሆዋ ኽብሩ ንትሑታት ይገልጸሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ሓቀኛ ትሕትና ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/11 ገጽ 3

ትሕትና በዳሂት እትዀነሉ ምኽንያት

ሓያሎ ሰባት: ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ትሕትና ቦታ ዘይብላ ዀይኑ ይስምዖም። እቶም ንኻልኦት ዚመርሑን ዝያዳ ዕዉታት ዚመስሉን ሰባት: እቶም ንገዛእ ርእሶም ክብ ዜብሉ: ሕቡናት: ድላዮም ኪረኽቡ ኸኣ ጸቕጢ ዚገብሩ ዘበሉ እዮም። ብዙሓት ሰባት: ናብራ ትሑታት ዘይኰነስ: ናብራ እቶም ሃብታማትን ውሩያትን እዩ ዜቕንኦም። እቶም ዕዉታት መብዛሕትኡ ግዜ ብጻዕሮም ከም ዚበጽሕዎ ይሕበኑ። ትሕት ኣብ ክንዲ ዚብሉ: ነቲ ዓወት ምሉእ ብምሉእ ብገዛእ ርእሶም ከም ዝረኸብዎ ብዅርዓት ይዛረቡ።

ሓደ ካናዳዊ ተመራማሪ ኣብ ሃገሩ ብዛዕባ “ምቕልቃል እቲ ‘ንርእሰይ ይጥዓመኒ’ ዚብል ኣረኣእያ” ተዛሪቡ ኣሎ። ገሊኣቶም ከኣ ርእስኻ ምርዋይ ካብ ሓላፍነት ምስካም ንላዕሊ ኣገዳሲ ጌርካ ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ ሕብረተሰብ ንነብር ከም ዘለና ዀይኑ ይስምዖም: ከምኡውን ሎሚ ሰባት ብቐጻሊ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡ ምዃኖም የስተብህሉ እዮም። ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም ትሕትና ኸተርኢ ጽቡቕ መሲሉ ኣይርአን እዩ።

ልክዕ እዩ: ርእሶም ትሕት ዜብሉ ሰባት ብቐሊሉ ምስ ካልኦት ተሰማሚዖም ኪነብሩ ስለ ዚኽእሉ: ትሕትና ንገሊኣቶም ጽቡቕ ምዃኑ ሓያሎ ሰባት ይሰማምዑሉ እዮም። ይኹን እምበር: ኣብዛ እንነብረላ ዘለና መንፈስ ውድድር ዘለዋ ዓለም: ገሊኣቶም ትሕትና እንተ ደኣ ኣርእዮም: ብኻልኦት ከም ድኹማት ከይቝጸሩ ይፈርሁ።

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብዚ ግዜና ዚነብሩ ሰባት “ተጀሃርቲ: ዕቡያት” ኪዀኑ ምዃኖም ይነግረና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) እዚ ትንቢት እዚ ይፍጸም ምህላዉስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ትሑት ምዃን ጥቕሚ ዘለዎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ወይስ ትሑት ሰብ ከም ድኹምን ብቐሊሉ ኽትብለጸሉ እትኽእልን ጌርካ ዚርአ እዩ ዚመስለካ፧

እቲ ሓቂ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ንትሕትና ኣኽቢርና ኽንርእያን ከነማዕብላን ብቑዕ ምኽንያታት ይህበና እዩ። ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ ሚዛናውን ኣወንታውን ርእይቶ ይህብ: ናይ ሓቂ ትሕትና ኸኣ ምልክት ድኽመት ዘይኰነትስ ምልክት ብርታዐ ምዃና ይገልጽ። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ምኽንያቱ ኽትገልጸልና እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ዓወታትና ኸመይ ኪስምዓና ይግባእ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ