ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 15/6 ገጽ 32
  • ብብልሓት እተረኽበ ፍታሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብብልሓት እተረኽበ ፍታሕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 15/6 ገጽ 32

ብብልሓት እተረኽበ ፍታሕ

ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ሰለስተ መንእሰያት: ኣብቲ ዚቐርቦም ኣኼባ ኣውራጃ ኺርከቡ ደለዩ። እቲ ቦታ ኻብቲ ዚነብሩሉ 90 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ዝነበሮ ዀይኑ: እቲ መገዲ ዘይጥጡሕን ዶሮና ዝመልኦን ነበረ: ኣብ ርእሲኡ ድማ መጓዓዝያ ኣይነበሮምን። ከመይ ገይሮም እዮም ደኣ እሞ ኣብኡ ኺርከቡ፧ ሰለስተ ብሽክለታ ኺልቅሑ እኳ እንተ ወሰኑ: ዚሰማምዖም ግን ኣይረኸቡን።

ኣብታ ዓዲ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ዜገልግል ሓደ ሽማግለ ኸም እተጸገሙ ስለ ዝረኣየ: ነታ ዝኣረገት ግን ከኣ እትሰርሕ ብሽክለታኡ ሃቦም። ንሱን ካልኦትን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባ ምእንቲ ኺርከቡ እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ እውን ገለጸሎም። ሰለስቲኦም ሓንቲ ብሽክለታ ኺጥቀሙ መኸሮም። እዚ ቐሊል ግን ከኣ ጻዕሪ ዚሓትት ፍታሕ እዩ ነይሩ። ሰለስተ ሰባት ሓንቲ ብሽክለታ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ ኸመይ ገይሮም እዮም፧

እቶም መንእሰያት ኣሕዋት መራር ጸሓይ ምእንቲ ኸይትረኽቦም ኣንጊሆም ተራኸቡ: ሳንጣኦም ከኣ ኣብታ ብሽክለታ ጸዓንዎ። እቲ ሓደ ነታ ብሽክለታ ቐቅድሚኦም እናዘወረ ኪኸይድ ከሎ እቶም ክልተ ድማ ብቕልጡፍ ደድሕሪኡ ብእግሮም ሰዓብዎ። እቲ ዝዘወረ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ምስ ተጓዓዘ: ወሪዱ ነታ ብሽክለታ ምስ ሳንጣኣ ኣብ ገረብ ኣጸጊዑ ገደፋ። ከምዚ ኺገብር ከሎ: ምእንቲ ኸይትስረቕ እቶም ክልተ ኣማዕድዮም ኪርእይዋ ኣብ ዚኽእሉ ቦታ እዩ ኣጸጊዕዋ። ደሓር ብእግሩ ጕዕዞኡ ቐጸለ።

እቶም ክልተ ኣብቲ እታ ብሽክለታ ዘላቶ ቦታ ምስ በጽሑ: እቲ ሓደ ነታ ብሽክለታ ዘወራ: እቲ ኻልኣይ ድማ ተራኡ ኽሳዕ ዚበጽሕ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ብእግሩ ቐጸለ። ስለዚ: በቲ ዝገበርዎ ጥበባዊ መደብን ቈራጽነትን ሰለስቲኦም ብእግሮም 90 ኪሎ ሜተር ኣብ ክንዲ ዚጐዓዙ 60 ኪሎ ሜተር ጥራይ ተጓዕዙ። እቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዋጋ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ ምስቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ተራኸቡ: በቲ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ መኣዲ ድማ ተሓጐሱ። (ዘዳ. 31:12) ንስኻኸ ኣብዛ ዓመት እዚኣ: ኣብቲ ንዓኻ ኣብ ዚቐርባካ ዚግበር ኣኼባ ኣውራጃ ምእንቲ ኽትርከብ ዚከኣለካ ዅሉ ክትገብር ዲኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ