ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/3 ገጽ 9
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከዋኽብቲ ንህይወትካ ይጸልውዎ ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/3 ገጽ 9

ትፈልጥዶ፧

ኣምላኽ ነቲ ብእስራኤላውያን ዚግበር ዝነበረ ቘጸራ ኸዋኽብቲ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧

ብመሰረት ሓደ መዝገበ ቓላት፡ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ኺበሃል ከሎ፡ “ናይ ከዋኽብትን ናይ ፕላነታትን ቦታ ወይ ኵነት፡ ኣብ ዕድል ሰባትን ምድራዊ ፍጻመታትን ጽልዋ ኸም ዘሎዎ ዚነግር ማሪት” ማለት እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ምድሪ ንጸሓይ ኣብ እትዞረሉ እዋን፡ ኣብ ምድሪ ዄንካ ኺርአ ኸሎ፡ እኩባት ከዋኽብቲ ቦታኦም ይቐያይሩ እዮም። ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ ድማ ሰባት ነዚ ምቅይያራት እዚ ይዕዘብዎን ዓብዪ ትርጕም ይህብዎን ነበሩ።

ቈጸራ ኸዋኽብቲ በቶም ከዋኽብትን እኩባት ከዋኽብትን ዜምልኹ ዝነበሩ ጥንታውያን ባቢሎናውያን ተጀሚሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እስራኤላውያን ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ዘግለሱሉ እዋን፡ ኣብዚ ኣምልኾ እዚ ይካፈሉ ነበሩ። ብግዜ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ እሞ ኸኣ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ዝውቱር ነበረ። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ልማድ እዚ ዝነበሮ ኣረኣእያ ንጹር ነበረ። ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ከዋኽብቲ ዜምልኽ ሰብ ይቕተል ነበረ።—ዘዳግም 17:2-5።

ንጉስ ዮስያስ ንሃይማኖታዊ ተግባራት ኣይሁድ ንምሕዳስ ካብ ዝወሰዶ ሓደ ስጕምቲ፡ “ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይን” ዚግበር መስዋእቲ ምኽልካል ነበረ። እቲ ንጉስ ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ‘ደድሕሪ የሆዋ ኪኸይድን ትእዛዛቱ ኺሕሉን’ ስለ ዝደለየ ምዃኑ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር። (2 ነገስት 23:3-5) እዚ ኸኣ ነቶም ሕጂ ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ኬምልኽዎ ዚደልዩ ኣርኣያ እዩ ዚዀኖም።—ዮሃንስ 4:24።

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 28፡11 ተጠቒሱ ዘሎ “ድዮስቆሮስ” እንታይ ማለት እዩ፧

መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኪኸይድ ከሎ፡ ዕላማ ወይ ምስሊ “ድዮስቆሮስ” ኣብ ዘለዋ መርከብ ተሰቒሉ ኻብ መሊጠ ናብ ጱተዮሉስ ከም እተጓዕዘ ይገልጸልና። ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ እታ “ድዮስቆሮስ” እትብል ቃል፡ “ደቂ ዙስ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። (ግብ. 28:11) ከምዚ ዝኣመሰለ ምልክት ኣብ ጥንታውያን መርከበኛታትን ተጓዓዝትን እተለምደ እዩ ነይሩ።

ብመሰረት ያታ ግሪኽን ሮሜን፡ ዙስን (ጁፒተር ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ) ሊዳን፡ ካስተርን ፓለክስን ዝስሞም መናቱ ደቂ ነበርዎም። ገለ ኻብቲ እዞም “ደቂ ዙስ” ዚፍለጡሉ ነገራት፡ ኣብ ልዕሊ ንፋስን ሞገድን ሓይሊ ዘለዎም ክኢላታት ባሕረኛታት ምንባሮም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ከም ሓለውቲ ባሕረኛታት ተቘጺሮም ዚምለኹ ነይሮም። ገየሽቲ መስዋእቲ የቕርቡሎም፡ ብግዜ ማዕበል ኬዕቍብዎም ድማ ይልምኑ። እዞም ማንታ ኣማልኽቲ እዚኣቶምን እቲ ንምዕቛብ ዚጥቀሙሉ ሓይሎምን በቲ ሓድሓደ ግዜ ኣብ እዋን ማዕበል ኣብ ደቐል እተን መራኽብ ዚርአ ሓዊ ቕዱስ ኤልሞስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኤለክትሪካዊ ማሕታ ኣቢሎም ከም ዚረኣዩ እዩ ዚእመን።

ኣምልኾ ካስተርን ፓለክስን ኣብ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ኣስፋሕፊሑ ነበረ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ኣውራጃ ሳይሪን፡ ሰሜን ኣፍሪቃ ይዝውተር ከም ዝነበረ ሓደ ጥንታዊ መወከሲ ሓቢሩ ኣሎ። እታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሳ ዘላ መርከብ ካብ ከባቢ እስክንድርያ፡ ግብጺ ዝመጸት እያ ነይራ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ቅርጺ “ደቂ ዙስ” ዜርኢ ብ114-113 ቅ.ክ. ዝነበረ ዲናር

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ቅርጺ ንጉስ ናዚማሩታሽን እኩባት ከዋኽብትን ዘለዎ ሓወልቲ ባቢሎናውያን

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Stela: Réunion des Musées Nationaux/Art Resource, NY; coin: Courtesy Classical Numismatic Group, Inc./cngcoins.com

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ