የሱስ ‘ሓጢኣት ዓለም ኣርሓቐ’
ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ የሱስ፡ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ” ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ። (ዮሃንስ 1:29) እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ የሱስ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ንምድሓን ዘለዎ ግደ ኸም እነተኵር ይገብረና።
የሱስ ንሓጥኣን ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ ኺመውት ዝነበሮ ግን ስለምንታይ እዩ፧
ህይወቱ ብፍቓዱ ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ እንታይ ፍረ እዩ ኣፍርዩ፧
ብሞቱ ዚጥቀሙ መን እዮም፧
እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓዓመት ዝኽሪ ሞት የሱስ የብዕሉ እዮም። ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ እቲ ዝኽሪ፡ ሰንበት 9 ሚያዝያ ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ ወይ 17 ሚያዝያ ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ ድሕሪ ጸሓይ ዕራርቦ እዩ ዚውዕል።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ሞት የሱስ ዘለዎ ኣገዳስነት ንኽትምርምር፡ ምሳታቶም ክትእከብ ብኽብሪ ይዕድሙኻ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ኺወሃቦ እዩ።
ኣብ ዚቐርበካ ቦታ ኽትካፈል ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ንምፍላጥ ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወከሶም።