ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/5 ገጽ 22-23
  • ካብ ጐዳኢ ምሕዝነት ርሓቕ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ጐዳኢ ምሕዝነት ርሓቕ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/5 ገጽ 22-23

ንመንእሰያት

ካብ ጐዳኢ ምሕዝነት ርሓቕ!

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ-ባህርያት፦ ዲና፡ ሴኬም፡ ያእቆብ፡ ስምኦን፡ ሌዊ

ጽማቝ፦ ሴኬም ንዲና ኣነወራ፣ ኣሕዋታ ስለ እተቘጥዑ ኸኣ፡ ሕነ ንምፍዳይ ተለዓዓሉ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘፍጥረት 34:1-31 ኣንብብ።

ዲና ምስተን ኣብ ከነኣን ዝነበራ መሓዙታ እንታይ ትገብር ዝነበረት ይመስለካ፧

․․․․․

ሴኬም ንዲና ‘ብፍቕሪ እተዛረባ’ ብኸመይ ይመስለካ፧

․․․․․

ኣብ ቍጽሪ 30፡ ያእቆብ ንስምኦንን ንሌዊን ኪግስጾም ከሎ እንታይ ዓይነት ስምዒት ነይርዎ ኢልካ ምገመትካ፧

․․․․․

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

ዲና ኣዘውቲራ ናብ ኣዋልድ ከነኣን እትኸይድ ዝነበረት ስለምንታይ ይመስለካ፧ (ንኣብነት፡ ምሳታተን ዜመሳስላ ነገር እንታይ ነይሩ፧ ካብ ደቂ ከነኣን ክትረኽቦ እትኽእል ኣብ ቤታ ዘየለ ነገር እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧)

․․․․․

ዲና ኻብ ባህርያት ሴኬም ዝሰሓባ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ቍጽሪ 3, 12, 19 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዲና ብፍታዋ ምስ ሴኬም ከም ዘይደቀሰት ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ቍጽሪ 2 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

ስምኦንን ሌዊን ሕነ ንኺፈድዩ ኢሎም ንነበርቲ ኸተማ ሴኬም ምቕታሎም ቅኑዕዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

․․․․․

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

መሓዙትካ ብጥበብ ምምራጽ ዘለዎ ኣገዳስነት።

․․․․․

ዜቘጥዕ ምኽንያት እንተ ሃለወካ እውን፡ ርእስኻ ምቍጽጻር ዘለዎ ኣገዳስነት።

․․․․․

ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

ንስርዓታት ኣምላኽ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት ብጾታዊ መገዲ ንኸይዕምጹኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

․․․․․

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓቶም፡ ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ