ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/10 ገጽ 12-13
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/10 ገጽ 12-13

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓንቲ ኻብቲ ዝዓበየትሉ ሃይማኖታዊ ስርዓት ወጺኣ እትነብር ዝነበረት መንእሰይ፡ ጸኒሓ ንኽትምለስ ዝደረኻ እንታይ እዩ፧ እንታይ ከም ዝበለት እስከ ኣንብብ።

“ሕጂ ህይወተይ ናይ ሓቂ ዕላማ ኣለዋ።”​—ሊሳ ኣንድሬ

ዓመተ ልደት፦ 1986

መበቈል ሃገር፦ ላክሰምበርግ

ታሪኽ፦ ሓሻሽ ውሉድ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላክሰምበርግ እትርከብ በርትሮሽ እትበሃል ጽርይትን ህድእትን ብልጽግትን ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። ካብ ሓሙሽተ ውሉዳት ሕሳስ ልደ እየ ነይረ። ወለደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም፣ ክርስትያናዊ ስርዓታት ኣብ ልበይ ኰነ ኣብ ልቢ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኬስርጹ ኸኣ ይጽዕሩ ነበሩ።

ኣብ ዕድመ ጕርዝውና ኸለኹ፡ ብዛዕባ ትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክጠራጠር ጀመርኩ። ዋላ እኳ ኣብ ፈለማ ነቲ ጥርጣረታት ዕሽሽ እንተ በልክዎ፡ ቀስ ብቐስ ግና እምነተይ ክትደክም ጀመረት። ወለደይ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ንኺመርሑኒ ኢሎም ዚከኣሎም እኳ እንተ ገበሩ፡ ኣነ ግና ንሓገዞም ነጸግክዎ። ንሳቶም ከይፈለጡ ኸኣ፡ ንስልጣን ብዙሕ ኣኽብሮት ምስ ዘይብሎም መንእሰያት ክውዕል ጀመርኩ። ከምቶም መንእሰያት ብናጽነት ክነብር እየ ዝደሊ ነይረ። ናብ ፓርቲታት ንኸይድ፡ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ንፍጽም፡ ሓሽሽ ንወስድ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ነብዝሕ ነበርና። ኣብ ፈለማ፡ ምስቶም ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ዜስተማቕርዋ ዚመስሉ ሰባት ብምዃነይ ተሓጐስኩ።

ከም ሓቂ ግና፡ ሕጕስቲ ኣይነበርኩን። ምስቶም ኣዕሩኸይ ዜሕልፎ ዝነበርኩ ህይወት፡ ዋላ ሓንቲ ዘይረብሕ እዩ ነይሩ፣ ካብቶም ኣዕሩኸይ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ኣርዚኑ ዚሓስብ ሰብ ከኣ ኣይነበረን። ኣነ ግና፡ በቲ ኣብ ዓለም ዜስፋሕፍሕ ዝነበረ ምጕዳል ፍትሒ እሻቐል ነበርኩ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ኸኣ፡ ብዝያዳ ኽጭነቕ ጀመርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ሓደ መዓልቲ ጓል 17 ዓመት ከለኹ፡ ኣዝየ ተጨነቕኩ። ኣደይ፡ ሓጐሰይ ከም ዝጠፍአ ርእያ፡ እንደገና መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ሓተተትኒ። ንትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስ ክምርምሮን ምስኡ ተሰማሚዐ ኽነብር እኽእል እንተ ዀይነ ባዕለይ ክውስንን ኣተባብዓትኒ። እቲ ሽዑ ዝገበርናዮ ናይ ልቢ ዕላል፡ ንዓይ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ምስ ምዕባየይ ሓብተይ ካሮሊንን ምስ ኣኪፍ ሰብኣያን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተሰማማዕኩ። ኣኪፍ ካብ ቍልዕነቱ ዘይኰነስ፡ ምስ ዓበየ እዩ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ። ብምኽንያት ሕሉፍ ህይወቱ ኸኣ፡ ምስኡ ናይ ልበይ ክዛረብ ዝኽእል ኰይኑ ተሰምዓኒ፣ እዚ ድማ ንዓይ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኪህልዎ ዘይግባእ ዓይነት ህይወት እነብር ከም ዘይነበርኩ እፈልጥ ነይረ እየ፣ ኣብ ህይወተይ ዝገበርክዎ ነገራት፡ ውልቃዊ ጕዳይ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ኣኻይዳይ ንስምዒት የሆዋ ኸም ዚጸልዎ ተገንዘብኩ። (መዝሙር 78:40, 41፣ ምሳሌ 27:11) ንኻልኦት ሰባት ከም ዝጸሉ እውን ተረዳእኩ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ምስ መርመርክዎ፡ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዜእምን ርትዓዊ ምኽንያታት ከም ዘሎ ፈለጥኩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ዛጊት እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ብልክዕ ከም እተፈጸመን ተመሃርኩ። ከምዚ ዓይነት ፍልጠት ከኣ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረኒ ጥርጣረታት ንኸወግዶ ሓገዘኒ።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ኣነን ወለደይን ነቲ ኣብ ጀርመን ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወለንታ ዚዓዪ ምዕባየይ ሓወይ ክንበጽሖ ኸድና። ኣዝዩ ሕጉስ ምዃኑ ምስ ረኣኹ፡ ብውሽጠይ ተተንከፍኩ። ከምኡ ዓይነት ሓጐስ ክረክብ እየ ዝደሊ ነይረ። በቶም ኣብኡ ብወለንታ ዜገልግሉ ኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ተተንከፍኩ። ካብቶም ቀጠፍትን ተድላ ጥራይ ዚደልዩን ኣዕሩኸይ ኣመና እተፈልዩ እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ፣ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ንዕኡ ኸም ዘገልግል ከኣ ቃል ኣተኹ። ጓል 19 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ርእሰይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ንምርኣይ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕጂ ህይወተይ ናይ ሓቂ ዕላማ ኣለዋ። ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃርን ብዛዕባ የሆዋን መብጽዓታቱን ንኺፈልጡ ብምሕጋዝን እየ ሓጐስ ዝረክብ። ቤተሰበይ እውን ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባይ ስለ ዘይሻቐሉ፡ ቀሲኖም እዮም።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፈጸምክዎ ጌጋታት እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብኡ ግና ኣየተኵርን እየ። የግዳስ፡ ኣብ ምሕረት የሆዋን ኣብቲ ንዓይ ዘለዎ ፍቕራዊ ተገዳስነትን እየ ዘተኵር። ምስተን ኣብ ምሳሌ 10:22 ዚርከባ፡ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ዚብላ ቓላት፡ ምሉእ ብምሉእ እየ ዝሰማማዕ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ናብ ፓርቲታት ንኸይድ፡ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ንፍጽም፡ ሓሽሽ ንወስድ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ነብዝሕ ነበርና”

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፈጸምክዎ ጌጋታት እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብኡ ግና ኣየተኵርን እየ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ