ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/3 ገጽ 32
  • “ሓንሳእዶ ትስእለና፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ሓንሳእዶ ትስእለና፧”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/3 ገጽ 32

“ሓንሳእዶ ትስእለና፧”

ኣብ መክሲኮ ዚነብር ሆስዌ ዝስሙ ቤት-ኤላዊ፡ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ ድሕሪ ምክፋሉ፡ ኣብ ከተማ ከሬተሮ ኺዛወር ጀመረ። ኻቭየርን ማሩን እተባህሉ ኮሎምብያውያን ሰብ ሓዳር፡ ንሆስዌ ኺስእሎም ሓተትዎ። ሆስዌን እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ኣዕሩኹን ጽቡቕ ክዳን ተኸዲኖም ባጅ ኣኼባ ኣውራጃ ገይሮም ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ንሆስዌን ንኣዕሩኹን፡ ካብ ሓደ ስነ ስርዓት ምረቓ ወይ ካብ ሓደ ፍሉይ ኣኼባ ዝመጹ እንተ ዀይኖም ሓተትዎም። ሆስዌ፡ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪእከቡ ኢሎም ከም ዝመጹ ገለጸሎም፡ ኣብቲ ናይ ሰንበት ኣኼባ ኺመጹ ድማ ዓደሞም።

እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣኼባ እቲ ዚበቅዕ ክዳን ስለ ዘይተኸድኑ ኺመጹ ኸም ዘይክእሉ ገለጹሉ። ሆስዌ ግና ስሙ ነገሮም፡ ቍጽሪ ተሌፎን እቲ ዝሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ ሃቦም።

እቲ ዜገርም ከኣ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኻቭየር ንሆስዌ ደወለሉ። ምስ ሰበይቱ ኣብቲ ኣኼባ እቲ ኸም እተኻፈለን፡ ኣብታ ሽዑ ዚነብሩላ ዝነበሩ ኸተማ መክሲኮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕዎም ከም ዚደልዩን ድማ ገለጸሉ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንኻቭየርን ማሩን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረሎም፣ ብኡንብኡ ኸኣ ናብ ኣኼባታት ኪመጹ ጀመሩ። ድሕሪ ዓሰርተ ወርሒ ድማ ኣስፋሕቲ ዀኑ። ናብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ፡ እኳ እንተ ገዓዙ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ገይሮም ተጠምቁ።

ጸኒሑ ኸኣ፡ ኻቭየር ንሆስዌ፡ ሓቂ ኪቕበል ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ዚገልጽ ደብዳበ ጸሓፈሉ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኣብቲ ኣኼባ እቲ ቕድሚ ምእካብና፡ ኣነን ሰበይተይን መንፈሳዊ መምርሒ ኸም ዜድልየና ተዘራሪብና ነበርና። ኣከዳድናኹም ምስ ረኣና፡ ‘ናብ ሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ኣኼባ መጺኦም ኪዀኑ ኣለዎም’ ኢልና ሓሰብና። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ፡ ኮፍ መበሊ ንኽንሕዝ ብእተገብረልና ፍቕራዊ ተገዳስነት፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንከታተል ብእተገብረልና ሓገዝ፡ ከምኡውን እቶም ተኣከብቲ ብዘርኣይዎ ጠባይ ኣዚና ተመሰጥና። ክዳን ቱሪስት እኳ እንተ ተኸደንና፡ ነዚ ግዲ ዝገበረሉ ሰብ ኣይነበረን።”

ሆስዌ እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን እተዛረቦ ዘረባ ሓቂ ምዃኑ፡ ርእይዎ እዩ። ሰሎሞን “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል፡ እዚ ወይስ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” በለ። (መክ. 11:6) ንሰባት ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ ኣብ ዚመጽእ ዚህሉ ኣኼባ ኣውራጃ ወይ ህዝባዊ መደረ ብምንጋር ዘርኢ ኽትዘርእ ምኸኣልካዶ፧ የሆዋ ነቶም ከም ኻቭየርን ማሩን ዝኣመሰሉ መንፈሳዊ መምርሒ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ሰባት ንኽትስሕቦም ኪጥቀመልካ ይኽእል እዩ።—ኢሳ. 55:1።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ኣለኻንድሮ ቮገሊን፡ ማሩ ፒኔዳ፡ ኣለኻንድሮ ፒኔዳ፡ ኻቭየር ፒኔዳ፡ ሆስዌ ራሚረስ ኣብ ጨንፈር መክሲኮ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ