ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/4 ገጽ 32
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘመናውያን ኣዝቴክ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይዀኑ ኣለዉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • “እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ኣብርሃምን ሳራን ንእምነቶም ክትቀድሓ ትኽእል ኢኻ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ‘ጻድቃን ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/4 ገጽ 32

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ሰሎሞን መለበሚ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

ኣምላኽ ንንጉስ ሰሎሞን ባሪኽዎን ተጠቒምሉን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰሎሞን ንምኽሪ ኣምላኽ ኣይሰዓቦን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነታ ኣረማዊት ዝነበረት ጓል ፈርኦን ተመርዓዋ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ኣእተወ፡ ከምኡውን እተን ኣረማውያን ኣንስቱ ቐስ ብቐስ ናብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኺመርሓኦ ፈቐደለን። ንሕና እውን፡ ቀስ ብቐስ ግጉይ ኣረኣእያ ንኸይነማዕብል ክንጥንቀቕ ኣሎና። (ዘዳ. 7:1-4፣ 17:17፣ 1 ነገ. 11:4-8)—15/12፡ ገጽ 10-12።

ንሳራ ኸም ንኣምላኽ እትፈርህን ፍቕርትን ብዓልቲ ቤት ጌርና ኽንርእያ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ኣምላኽ ንኣብርሃም ካብ ኡር ኪወጽእ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ንስድራ ቤትካን ንፈተውትኻን ንናብራኻን ሓዲግካ ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ ምኻድ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሳራ፡ ኣምላኽ ከም ዚባርኻ ትተኣማመን ስለ ዝነበረት፡ ምስ ሰብኣያ ብፍታው ከደት። ንኣብርሃም ድማ ተኽብሮ ነበረት፣ በዚ ኸምዚ፡ ባህ ዜብል ባህርያት ኣንጸባረቐት።—1/1፡ ገጽ 8።

የሆዋ ንኣብርሃም፡ ነቲ ዚፈትዎ ወዱ ንኺስውኣሉ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ ኪስውኦ ኸም ዘይፈቐደሉ ኽንዝክር ኣሎና። እቲ ንኣብርሃም ዝሓተቶ ሕቶ፡ ነቲ ወዱ የሱስ ዜቕርቦ መስዋእቲ ዜርኢ መርኣያ እዩ ነይሩ።—1/1፡ ገጽ 23።

ካብ ቀዳማይ ዘመን ንነጀው፡ ኵሉ ግዜ እተወሰኑ ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣብ ምድሪ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እቲ “ስርናይ”ን “ክርዳድ”ን፡ እቲ “ጽቡቕ ዘርኢ” ን“ደቂ መንግስቲ” እዩ ዜመልክት። (ማቴ. 13:24-30, 38) እቲ “ኽርዳድ” ክሳዕ እዋን ዓጺድ ምስቲ ስርናይ እዩ ዚዓቢ። ስለዚ፡ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ መን ምዃኖም ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ክሳዕ እዚ ግዜና ዅሉ ግዜ ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያናት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—15/1፡ ገጽ 7።

ኣየናይ ፍጻመታት እዩ ብቐጥታ ናብ ኣርማጌዶን ዚመርሓና፧

ኣህዛብ፡ “ሰላምን ደሓንን” ዚብል ፍሉይ ኣዋጅ ኪእውጁ እዮም። (1 ተሰ. 5:3) መንግስትታት ከኣ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪለዓላ እየን። (ራእ. 17:15-18) ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እውን መጥቃዕቲ ኺወርዶም እዩ። ሽዑ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።—1/2፡ ገጽ 9።

ንናይ ቅንኢ ዝንባለ ኽንዋጽኣሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

እዚ ዚስዕብ ስጕምትታት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ፦ ፍቕሪ ኣማዕብል፡ ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ሕበር፡ ጽቡቕ ግበር፡ ከምኡውን ‘ምስቶም ዚሕጐሱ ተሓጐስ።’ (ሮሜ 12:15)—15/2፡ ገጽ 16-17።

ቋንቋ ናዋትል ዚዛረቡ መን እዮም፧ እንታይከ እዩ ዚግበረሎም ዘሎ፧

ናዋትል፡ ቋንቋ ጥንታውያን ኣዝቴክ እዩ ነይሩ፣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ 1.5 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ይጥቀሙሉ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቛንቋ ናዋትል ይሰብኩ ኣለዉ፣ ብቛንቋ ናዋትል እተዳለወ ጽሑፋት እውን ኣሎ።—1/3፡ ገጽ 13-14።

ምኽሪ ኽንህብ ከለና፡ ነየናይ ስርዓታት ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

ህሉው ኵነታት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ተሃዊኽና መልሲ ኽንህብ የብልናን። ብትሕትና ቓል ኣምላኽ ክንጥቀም ኣሎና። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ቲኦክራስያዊ ጽሑፋት ክንጥቀም ኣሎና። ንኻልኦት ክንውስነሎም የብልናን።—15/3፡ ገጽ 7-9።

የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ” በሎም። (ማቴ. 5:41) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ እስራኤል፡ ሮማውያን ንሓደ ሰብ ግድነታዊ ዕዮ ንኺዓዪ የገድድዎም ነበሩ። ስለዚ፡ የሱስ ንሰማዕቱ፡ ክልተ ምዕራፍ ኪኸዱ ኼተባብዖም ከሎ፡ ብሓደ ብዓል ስልጣን ሕጋዊ ዕዮ ንኺዓዩ እንተ ተገዲዶም፡ ብፍታው ከይተመረሩ ኺፍጽሙ ኸም ዘለዎም እዩ ዚገልጸሎም ነይሩ።—1/4፡ ገጽ 9።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ