ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/5 ገጽ 32
  • ‘ንልብኹም ሓልውዎ!’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንልብኹም ሓልውዎ!’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/5 ገጽ 32

‘ንልብኹም ሓልውዎ!’

ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ፍረ ነገር ዓርቢ

‘የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ’​—1 ሳሙኤል 16:7።

ፍረ ነገር ቀዳም

“ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ”​—ማቴዎስ 12:34።

ፍረ ነገር ሰንበት

‘ንየሆዋ ብፍጹም ልብኹም ኣገልግልዎ’​—1 ዜና መዋእል 28:9።

መጽሓፍ ቅዱስ ንልቢ ዳርጋ ሓደ ሽሕ ሳዕ ይጠቕሶ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ከኣ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ልቢ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ምሳልያዊ ልቢ እዩ ዚገልጽ። ምሳልያዊ ልቢ እንታይ እዩ፧ እታ ቓል መብዛሕትኡ እዋን፡ ንውሽጣዊ እንታይነትና፡ ማለት ንሓሳባትናን ንስምዒታትናን ንባህግታትናን እያ እተመልክት።

ንምሳልያዊ ልብና ኽንሕልዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ኣምላኽ ንንጉስ ሰሎሞን፡ “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ኢሉ ንኺጽሕፍ ደረኾ። (ምሳሌ 4:23) ሕጂ ዘሎና ህይወትን ኣብ መጻኢ ዚጽበየና ተስፋን፡ ኣብ ኵነታት ምሳልያዊ ልብና እዩ ዚምርኰስ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ እዩ ዚርኢ። (1 ሳሙኤል 16:7) ኣምላኽ ብዛዕባና ዘለዎ ስምዒት፡ ብውሽጣዊ እንታይነትና ወይ ከኣ በቲ “ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ” እዩ ዚውሰን።—1 ጴጥሮስ 3:4።

ንልብና ኽንሕልዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብዚ ወርሒ እዚ ጀሚሮም ኣብ መላእ ዓለም ዚገብርዎ ኣኼባታት ኣውራጃ ኽትምለስ እያ። ኣብቲ እዚ ኣኼባ ኣውራጃ እዚ ዚግበረሉ ሰለስቲኡ መዓልቲ ኽትእከብ ብኽብሪ ንዕድመካ።a እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ትምህርቲ፡ ንልቢ የሆዋ ኣምላኽ ዜሐጕስ ስጕምቲ ንኽትወስድ ኪሕግዘካ እዩ።—ምሳሌ 27:11።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዚግበር ኣኼባ ኣውራጃ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ www.pr418.com ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተዘራርቦም ወይ ናብ ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትጽሕፍ እውን ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo on right: Aus dem Fundus der MÜNCHNER OLYMPIAPARK GMBH, München

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ