ካብ መዛግብትና
“ንዕዮ ኮልፖርተር በብመዓልቱ እናፈተኽዎ እኸይድ ኣለኹ”
ብ1886 ሚእቲ ዚኸውን ቅዳሓት ቀዳማይ ጥራዝ ሚሊንያል ዳውን፡ ካብቲ ኣብ ኣሊጌኒ፡ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ባይብል ሃውስ (ቤት መጽሓፍ ቅዱስ) ናብ ቺካጎ፡ ኢሊኖይ ጕዕዞኡ ጀመረ። ቻርለስ ቴዝ ራስል፡ እቲ ሓድሽ ጥራዛት ኣብ ኣብያተ መጻሕፍቲ ኺዝርጋሕ እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ዚገልጽ መጻሕፍቲ ዚዝርግሕ ዓበይቲ ትካላት፡ ነቲ ሚሊንያል ዳውን ብብዝሒ ወሰዶ። ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን፡ ብምሉኡ እቲ መጻሕፍቲ ናብ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ተመልሰ።
ሓደ ህቡብ ወንጌላዊ ነቲ ሚሊንያል ዳውን ምስ መጻሕፍቱ ተዘርጊሑ ምስ ረኣዮ፡ ኣመና ሓረቐ። እቲ ሚሊንያል ዳውን ካብቲ ኸብሒ እንተ ዘይተላዒሉ፡ ንሱን ኵሎም ካልኦት ህቡባት ወንጌላውያን ፈተውቱን ንመጻሕፍቶም ኣብ ካልእ ቦታ ኸም ዚሸጥዎን ንንግዳዊ ርክቦም ከም ዜቋርጽዎን ነቲ ዘርጋሓይ መጻሕፍቲ ብሓርቆት ተዛረቦ። እቲ ዘርጋሓይ መጻሕፍቲ ድማ፡ ሰጋእ መጋእ እናበለ ነቲ ሚሊንያል ዳውን መለሶ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ጋዜጣታት ብዛዕባ ሚሊንያል ዳውን ዚገልጽ መወዓውዒ ወጺኡ እኳ እንተ ነበረ፡ ተጻረርቲ ግና እቲ ምስተን ጋዜጣታት እተገብረ ውዕል ከም ዚፈርስ ገበሩ። እቲ ሓድሽ መጻሕፍቲ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ ኣብ ኢድ ደለይቲ ሓቂ ኺኣቱ ዚኽእል፧
እቶም ሽዑ ኮልፖርተራት ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ፡ ነቲ መጻሕፍቲ ኣብ ምዝርጋሕ ዓብዪ እጃም እዩ ነይርዎም።a ብ1881 ዛዮንስ ዎች ታወር (ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ)፡ ብምሉእ ግዜኦም ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዚዝርግሑ 1,000 ሰበኽቲ ኸም ዚድለዩ ሓቢራ ነበረት። እቶም ኮልፖርተራት ሒደት ኣማእታት ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ ብመልክዕ ጽሑፋት እተዳለወ ዘርኢ ሓቂ ግና ኣብ ኵሉ ዘሪኦምዎ እዮም። ብ1897 ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዚኸውን ሚሊንያል ዳውን ተዘርግሐ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ በቶም ኮልፖርተራት እዩ ተዓይዩ። መብዛሕትኦም በቲ ኻብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኵንትራት ወይ በቲ መጽሓፍ ኣበርኪቶም ዚረኽብዎ ሒደት ገንዘብ እዮም ዚናበሩ ነይሮም።
እዞም ተባዓት ኮልፖርተራት እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ገሊኦም ኣብ ዕድመ ዅትትና እኳ ኮልፖርተራት እንተ ዀኑ፡ ገሊኣቶም ግና ጸኒሖም እዮም ኮልፖርተራት ኰይኖም። ብዙሓት ኮልፖርተራት ዝዀኑ ንጽል ወይ ውሉዳት ዘይብሎም ሰብ ሓዳር ነይሮም እዮም፣ ሓያሎ ኮልፖርተራት ዝዀና ስድራ ቤታት እውን ነይረን እየን። ስሩዓት ኮልፖርተራት ምሉእ መዓልቲ እዮም ዜገልግሉ ነይሮም፣ ሓገዝቲ ኮልፖርተራት ከኣ ኣብ መዓልቲ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት የገልግሉ ነበሩ። ብምኽንያት ጥዕና ወይ ኵነታት፡ ኮልፖርተር ኰይኑ ኼገልግል ዚኽእል ዝነበረ፡ ኵሉ ሰብ ኣይነበረን። ብ1906 ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ግና፡ ነቶም ኮልፖርተራት ኪዀኑ ዚኽእሉ ኣስፋሕቲ፡ “ምሁራት፡ ክኢላታት፡ ወይ ከኣ ቋንቋ መላእኽቲ ዚኽእሉ” ኪዀኑ ኸም ዘየድልዮም ተነግሮም።
ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኽፍለ ዓለም፡ ተራ ሰባት ዜደንቕ ዕዮ ዓይዮም እዮም። ሓደ ሓው፡ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ብገምጋም 15,000 መጻሕፍቲ ኸም ዘበርከተ ተዛረበ። ኰይኑ ግና፡ “ሸያጢ መጽሓፍቲ ምእንቲ ክኸውን ዘይኰነስ፡ ናይ የሆዋን ናይቲ ኻብኡ ዚመጽእ ሓቅን ምስክር ክኸውን ኢለ እየ ኮልፖርተር ኰይነ” በለ። እቶም ኮልፖርተራት ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ዘርኢ ሓቂ ሱር ይሰድድን ጕጅለታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቍጽረን ይውስኽን ነበረ።
ኣቕሽሽቲ ነቶም ኮልፖርተራት፡ ሸየጥቲ መጻሕፍቲ ኸም ዝዀኑ ገይሮም የላግጹሎም ነበሩ። ብ1892 ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ናይ ሓቂ ተወከልቲ ጐይታ ኸም ዝዀኑ ዚፈልጡ ወይ ከኣ ጐይታ ነቲ ንሳቶም ዜርእይዎ ትሕትናን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ዚግንዘቡ፡ ሒደት እዮም” በለት። ከም ሓቂ ኸኣ፡ እቶም ኮልፖርተራት፡ ከምቲ ሓደ ኻብኣቶም ዝገለጾ፡ “ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ” ኣይኰኑን ዚነብሩ ነይሮም። ብቐንዱ ብእግሮምን ብብሽክለታን እዮም ዚጓዓዙ ነይሮም። ገንዘብ ኪውሕዶም ከሎ፡ ንመጻሕፍቲ ብምግቢ ይለዋወጡ ነበሩ። ምሉእ መዓልቲ ኼገልግሉ ምስ ወዓሉ፡ ዋላ እውን እንተ ደኸሙ፡ እናተሓጐሱ ናብ ቴንዳኦም ወይ ናብቲ እተኻረይዎ ኽፍልታት ይምለሱ ነበሩ። ድሕሪኡ ግና፡ ግዜን ገንዘብን እትቝጥብ ኣብ ቤት እተሰርሐት “ዓረብያ ኮልፖርተር” እትብሃል ተጐታቲት ተሰርሐት።b
ካብቲ ብ1893 ኣብ ቺካጎ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ኣትሒዙ፡ ንኮልፖርተራት ዚምልከት ፍሉይ መደብ ይቐርብ ነበረ። ኣብዚ መደብ እዚ ኸኣ፡ ህያው ተመክሮታትን ሜላታት ስብከትን ግብራዊ ምኽርን ይቐርብ ነበረ። ሓደ እዋን፡ ሓው ራስል ነቶም ጻዕራማት ሰበኽቲ፡ ጽቡቕ ቍርሲ ኺበልዑ፡ ምስ ረፈደ ጸባ ኺሰትዩ፡ ሃሩር ኣብ ዚዀነሉ እዋን ድማ ዝሑል መስተ ኺሰትዩ ኣተባብዖም።
መገላግልቲ ዚደልዩ ኮልፖርተራት፡ ኣብ ትሕቲ ኳሌታኦም ብጫ ሸሪጥ ወይ ሪበን ይገብሩ ነበሩ። ሓደሽቲ ኮልፖርተራት ድማ ምስቶም ምኩራት ይቋረኑ ነበሩ። ካብቶም ምኩራት ኮልፖርተራት ዚርከብ ስልጠና ኣገዳሲ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ሓንቲ ሓዳስ ኮልፖርተር ኣመና ስለ ዝፈርሀት፡ ንሓንቲ ብዓልቲ ቤት መጽሓፍ ከተበርክተላ ኸላ፡ “እዚ መጽሓፍ እዚ ኣየድልየክን እዩ፡ ሓቀይ፧” በለታ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እታ ብዓልቲ ቤት ነቲ መጽሓፍ ትደልዮ ነበረት፣ ጸኒሓ ድማ ሓብቲ ዀነት።
ሓደ ሓው፡ “በዚ ሕጂ ዘሎኒ ዜኽስብ ኵነታት እናቐጸልኩ፡ 1,000 ዶላር ኣመሪካ ኽውፍዶ ይሓይሽ ወይስ ኮልፖርተር ክኸውን፧” ኢሉ ሓሰበ። ጐይታ ንኽልቲኡ ኸም ዜማስወሉ፡ ግናኸ ንግዜኡ ብቐጥታ እንተ ሂቡ ብዙሕ በረኸት ከም ዚረክብ ተነግሮ። ሜሪ ሂንድስ ንዕዮ ኮልፖርተርነት፡ “ንብዙሓት ሰባት ብዙሕ ሰናይ ክትገብረሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ” ኸም ዝዀነ ገይራ እያ እትርእዮ ነይራ። ሓንቲ ኣልበርታ ክሮስቢ ዝስማ ሓፋር ሓብቲ ድማ፡ “ንዕዮ ኮልፖርተር በብመዓልቱ እናፈተኽዎ እኸይድ ኣለኹ” በለት።
ሎሚ ዘለዉ ስጋውያንን መንፈሳውያንን ውሉዳት እቶም ቀናኣት ኮልፖርተራት፡ መንፈሳዊ ውርሻኦም ሒዞም ይቕጽሉ ኣለዉ። ኣብ ስድራ ቤትካ ኮልፖርተር ወይ ፈላሚ እንተ ዘይነይሩ፡ ንምንታይ ካብ ስድራ ቤትካ ናይ መጀመርታ ፈላሚ ዘይትኸውን፧ ንስኻ እውን ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት በብመዓልቱ እናፈተኻዮ ኽትከይድ ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ድሕሪ 1931፡ እታ “ኮልፖርተር” እትብል ቃል፡ ብ“ፈላሚ” ተተክአት።
b ብዛዕባ እዛ ተጐታቲት እዚኣ ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ኣብ ዚቕጽል ሕታም ኪወጽእ እዩ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ምሁራት፡ ክኢላታት፡ ወይ ከኣ ቋንቋ መላእኽቲ ዚኽእሉ” ኪዀኑ ኣየድልዮምን እዩ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ከባቢ 1930 ኣብ ጋና ኮልፖርተር ዝነበረ ኣልፍረድ ዊንፍረድ ኦሴ
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
ላዕሊ፦ ኣብ ከባቢ 1918 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበራ ኢዲት ኪንን ገርትሩድ ሞሪስን ዝስመን ኮልፖርተራት፣ ታሕቲ፦ ስታንሊ ኮሳቡምን ሄንሪ ኖንኪስን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ጥቓ እቲ ነቲ ዘበርከትዎ መጻሕፍቲ ሒዙ ዝነበረ ጥርሑ ካርቶናት