ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/6 ገጽ 7
  • ንሓድሕዱ ዚሳነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓድሕዱ ዚሳነ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ዝዓበየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ኣርእስቲ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ዘርኢ እቲ ተመን—ብኸመይ ተቓልዐ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • እቲ ዅሎም ነብያት ዝመስከሩሉ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/6 ገጽ 7

ንሓድሕዱ ዚሳነ

“ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”—2 ጴጥሮስ 1:21።

መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ተቐራራቢ እዋን እተጻሕፉ ጥንቲ ዝነበሩ ጽሑፋት እውን እንተ ዀኑ፡ ንሓድሕዶም ይጋጨዉ እዮም። ኣብ እተፈላለየ ቦታታትን ኣብ እተፈላለየ እዋንን ብእተፈላለዩ ሰባት እተጻሕፉ መጻሕፍቲ፡ ንሓድሕዶም ስኒት የብሎምን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ደራስን ንሓድሕዱ ዚሳነ ሓደ መልእኽትን ከም ዘለዎ እዩ ዚሕብር።—2 ጢሞቴዎስ 3:16።

ኣብነት፦ እቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ሙሴ ዝስሙ ጓሳ፡ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ፡ ንደቂ ሰብ ዜድሕን “ዘርኢ” ኸም ዚመጽእ ጸሓፈ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ጸኒሓ፡ እቲ ዘርኢ ብኣብርሃምን ብይስሃቅን ብያእቆብን ኣቢሉ ኸም ዚመጽእ ገለጸት። (ዘፍጥረት 3:15፣ 22:17, 18፣ 26:24፣ 28:14) ድሕሪ 500 ዓመት ኣቢሉ፡ ነብዪ ናታን፡ እቲ ዘርኢ ብመስመር ወለዶ ንግስና ዳዊት ከም ዚመጽእ ሓበረ። (2 ሳሙኤል 7:12) ድሕርዚ ሓደ ሽሕ ዓመት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ዘርኢ ብየሱስን ብጕጅለ እቶም እተመርጹ ሰዓብቱን ዝቘመ ምዃኑ ገለጸ። (ሮሜ 1:1-4፣ ገላትያ 3:16, 29) ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ፡ ኣባላት እቲ ዘርኢ፡ ምስክር የሱስ ሒዞም ኣብ ምድሪ ኸም ዜገልግሉ፡ ናብ ሰማይ ከም ዚትንስኡ፡ ከምኡውን ምስ የሱስ ኰይኖም ንሽሕ ዓመት ከም ዚገዝኡ ተነበየት። እቲ ዘርኢ ንድያብሎስ ብምጥፋእ ንደቂ ሰብ ኬድሕኖም እዩ።—ራእይ 12:17፣ 20:6-10።

ወሃብቲ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ በሉ፧ ልዊ ጎሰን ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ 66 መጻሕፍቲ ብዝርዝር ምስ መርመረን፡ መጽሓፍ ቅዱስ “በቶም ሓደ ሸቶ ሒዞም ንዕኡ ንምውቃዕ ዚጽዕሩ ዝነበሩ፡ ማለት በቶም ብዛዕባ እቲ ዓለም ብወዲ ኣምላኽ ኣቢላ እትረኽቦ ድሕነት ዚገልጽ ታሪኽ ኪጽሕፉ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ብዙሓት ጸሓፍቲ ኣብ ውሽጢ 1,500 ዓመት እተጻሕፈ ኽነሱ፡ እቲ ንሓድሕዱ ዘለዎ ስኒት ዜደንቕ እዩ” በለ።—ተኣፕኑስቲ—ዘ ፕለናሪ ኢንስፓይረሽን ኦቭ ዘ ሆሊ ስክሪፕቸርስ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 1,500 ዓመት ብ40 እተፈላለዩ ሰባት እተጻሕፈ መጽሓፍ፡ ምሉእ ብምሉእ ንሓድሕዱ ኺሳነ ምተጸበኻዶ፡ ወይስ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ስለ ዝዀነ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ጽሑፋት ብሓደ ኺጥርነፍ ከሎ፡ ሓደ መጽሓፍ እዩ ዚኸውን። . . . ይትረፍዶ ምስኡ ኺወዳደርሲ፡ ንዕኡ ኺመስሎ ዚኽእል ካልእ ስነ ጽሑፍ ፈጺሙ የልቦን።” —ዘ ፕሮብለም ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት፡ ብጄምስ ኦር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ