ለውሃት ንመረረት ተልዝቦ
ኣብ ነዘርላንድስ፡ ጆርጅን ማኖን እተባህሉ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ኣረጋዊት ሰበይቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺነግርዋ ኢሎም ምስ ቀረብዋ፡ ብጽቡቕ ገጽ ኣይተቐበለቶምን። ግናኸ፡ ክልተ ሰብኡትን ሓደ ውሉድን ከም ዝሞትዋን ብኸቢድ ሕማም ሪሕ ትሳቐ ኸም ዝነበረትን ፈለጡ። እታ ሰበይቲ፡ ህድኣት እኳ እንተ ነበራ፡ ምቕልልቲ ግና ኣይነበረትን።
ይኹን እምበር፡ ጆርጅ ንማኖን፡ እታ ሰበይቲ ብጽምዋ ስለ እተበልዐትን ስለ እተመረረትን ዕንባባ ሒዞም ኪምለስዋ ዝሓሸ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕረበላ። ተመሊሶም ምስ ከድዋ፡ እዛ ሪያ ዝስማ ሰበይቲ ኣዝዩ ደንጸዋ። ይኹን እምበር፡ ሽዑ ስለ ዘይጠዓማ፡ ካልእ መዓልቲ ንኺራኸቡ ተቛጸሩ። ጆርጅን ማኖን ኣብ ቈጸራኦም ምስ ከዱ፡ ማዕጾ ዚኸፍተሎም ሰብ ኣይረኸቡን። ኣብ እተፈላለየ እዋናት እኳ እንተ ፈተኑ፡ ኪረኽብዋ ኣይከኣሉን። ክትረኽቦም ከም ዘይደለየት ኰይኑ ድማ ተሰምዖም።
ሓደ መዓልቲ፡ ጆርጅ ንሪያ ኣብ ቤታ ረኸባ። ሪያ ቘጸራ ብዘይምኽባራ ይቕረታ ሓተተቶ፣ ሆስፒታል ኣትያ ኸም ዝነበረት ከኣ ገለጸትሉ። ኣስዒባ ድማ፡ “ክልቴኹም ካባይ ምስ ተፈለኹም ዝገበርክዎ ነገር እንተ ዝነግረካ ምገረመካ። መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመርኩ” በለት። ቀጺሎም ባህ ዜብል ምይይጥ ገበሩ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ጀመረት።
ሪያ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐት፡ ባህርያ ተቐየረ። ቅድም እተመረረት እያ ነይራ፡ ሕጂ ግና ሕጉስትን ለዋህን ኰነት። ዓዲ ውዒል እኳ እንተ ዀነት፡ ንዅሎም እቶም ኪበጽሕዋ ዝመጹ ሰባት ብዛዕባ እምነታ ኽትገልጸሎም ጀመረት። ብምኽንያት ጥዕናኣ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ኣኼባታት ክትከይድ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዚበጽሕዋ ግና ሕጉስቲ እያ። ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኣ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ወረዳ ተረኽበት እሞ፡ ርእሳ ንኣምላኽ ከም ዝወፈየት ንምርኣይ ተጠምቀት።
ደድሕሪ ሞታ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ፡ ዝጸሓፈቶ ግጥሚ ተረኽበ። ኣብቲ ግጥሚ፡ ኣብ ግዜ እርጋን ብጽምዋ ኽትብላዕ ክሳዕ ክንደይ ዘሳቒ ምዃኑ ገለጸት፡ ኣድላይነት ለውሃት ከኣ ኣጕልሐት። ማኖን፡ “ነታ ግጥሚ እቲኣ ምስ ኣንበብክዋ፡ ብሓቂ እየ ተተንኪፈ፣ ንሪያ ለውሃት ከነርእያ የሆዋ ስለ ዝሓገዘና ኸኣ ኣዝየ ሕጉስቲ እየ” በለት።
እወ፡ ኣብነት የሆዋ፡ ከም ፍቕርን ለውሃትን ዝኣመሰለ ባህርያት ንኸነርኢ ይድርኸና እዩ። (ኤፌ. 5:1, 2) ‘ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብለውሃት ርእስና ምስ እነርኢ፡’ ኣገልግሎትና ፍረ ይህልዎ።—2 ቈረ. 6:4, 6።