ንኣምላኽ ቅረቦ
ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ንጌጋና ይርስዖ ድዩ፧
መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብሓጺሩ፡ ‘እወ’ ዚብል እዩ። የሆዋ ብዛዕባ እቶም ስምረቱ ዚህቦም ሰባት፡ “ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ” ኢሉ ተመባጺዑ ነይሩ እዩ። (ኤርምያስ 31:34) ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም እተነስሑ ሓጥኣን ይቕረ ኺብለሎም ከሎ፡ ንሓጢኣቶም ከም ዘይዝክሮ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ነቲ ይቕረ ዝበሎ ሓጢኣት ኪዝክሮ ኣይክእልን እዩ ማለት ድዩ፧ ቃላት ህዝቅኤል፡ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ ንጌጋና ዚርስዖ ብኸመይ ምዃኑ ይገልጻ እየን።—ህዝቅኤል 18:19-22 ኣንብብ።
የሆዋ ንነብዪ ህዝቅኤል ከም ኣፈኛ ገይሩ ብምጥቃም፡ ነተን ዘይእሙናት ዝነበራ ይሁዳን የሩሳሌምን ፍርዲ ኸም ዚወርደን ገለጸ። እቶም ህዝቢ ንኣምልኾ የሆዋ ሓዲጎም፡ ነታ ሃገር ብዓመጽ መሊኦምዋ ነበሩ። የሆዋ ድማ፡ የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ከም እትጠፍእ ተነበየ። ኰይኑ ግና፡ ምስቲ መልእኽቲ ፍርዲ፡ መልእኽቲ ተስፋ እውን ሂቡ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምርጫ ነበሮ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ብስጕምቱ ተሓታቲ እዩ ነይሩ።—ፍቕዲ 19, 20።
ሓደ ሰብ ነቲ እኩይ ተግባሩ ሓዲጉ ጽቡቕ ኪገብር እንተ ጀሚሩኸ፧ የሆዋ፡ “እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፡ ኵሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር፡ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ” በለ። (ፍቕዲ 21) እወ፡ የሆዋ ንሓደ ኻብ ክፉእ መገዱ ብምምላስ ናይ ሓቂ ንስሓ ዜርኢ ሓጥእ ‘ይቕረ ኺብሎ ድሉው’ እዩ ነይሩ።—መዝሙር 86:5።
እቲ ሓጥእ ዝፈጸሞ ሓጢኣትከ፧ የሆዋ፡ “ካብቲ ዝጋሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ፍቕዲ 22) ሓጢኣት እቲ ሓጥእ “ኣይክትዝከረሉን” ከም እተባህለ ኣስተብህል። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምዝካር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንዝሓለፈ ነገር ምዝካር ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዛ ቓል እዚኣ ኺገልጽ ከሎ፡ “መብዛሕትኡ እዋን፡ ንተግባር እያ እተመልክት፣ ወይ ከኣ ምስ ተግባር ምስ ዚተሓሓዝ ግስታት እያ እትጥቀስ” በለ። ስለዚ፡ “ምዝካር” ኪብሃል ከሎ፡ ገለ ነገር “ምግባር” ኬመልክት ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሓደ እተነስሐ ሓጥእ ኪገልጽ ከሎ ሓጢኣቱ ኸም ‘ዘይዝከር’ ምዝራቡ፡ ነቲ እቲ ሓጥእ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፈጸሞ ሓጢኣት እናኣልዓለ ብምኽሳስን ብምቕጻዕን ገለ ስጕምቲ ኸም ዘይወስደሉ እዩ ዚሕብር ነይሩ።a
እተን ኣብ ህዝቅኤል 18:21, 22 ዚርከባ ቓላት፡ ብዛዕባ ዕቤት ምሕረት ኣምላኽ ዚገልጽ ልቢ ዚትንክፍ ሓሳብ ዝሓዛ እየን። የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሓጢኣትና ዘኪሩ ኣብ መጻኢ ኣይቀጽዓናን እዩ። የግዳስ፡ ንሓጢኣት እቶም ዚንስሑ ሰባት ናብ ዝባኑ ይድርብዮ እዩ። (ኢሳይያስ 38:17) ነቲ ሓጢኣት ከም ዝደምሰሶ ጌርካ ኺርአ ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19።
ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ምሕረት ኣምላኽ የድልየና እዩ። ብዙሕ ሳዕ ከኣ ንሓጥእ ኢና። (ሮሜ 3:23) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ፡ ብሓቂ እንተ ተነሲሕና ይቕረ ንኺብለልና ፍቓደኛ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይደሊ እዩ። ይቕረ ኺብለልና ኸሎ ኸኣ፡ ንጌጋና ይርስዖ እዩ፣ ማለት በቲ ይቕረ ዝበለልና ሓጢኣት ገይሩ እንደገና ኣይከስሰናን ወይ ኣይቀጽዓናን እዩ። ከመይ ዝኣመሰለ ዜጸናንዕ ሓሳብ ኰን እዩ! እሞኸ ምሕረት ኣምላኽ ብዝያዳ ናብኡ ንኽትቀርብ ኣይድርኸካንዶ፧
ንሓምለ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብተመሳሳሊ፡ ‘ንሓጢኣት ምዝካር፡’ ‘ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን ስጕምቲ ምውሳድ’ ኬመልክት ይኽእል እዩ።—ኤርምያስ 14:10።