ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/7 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • በጃ—ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • የሱስ መድሓኒ ኢዩ—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/7 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንዘለኣለም ብህይወት ምንባር ይከኣልዶ፧

ካብ ሞት ሓራ ኼውጽኣና ዚኽእል መሰናድዎ እንታይ እዩ፧

እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ንዘመናት ብህይወት ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ኣሪጉ ሞተ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ሰባት ንእርጋን ዜወግዱሉ ሓያሎ መገድታት ኬናድዩ ጸኒሖም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ዛጊት ካብ ሞት ኬምልጥ ዝኸኣለ ሰብ የለን። ስለምንታይ፧ ኣዳም፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራሱ ስለ ዝሓጥአ፡ ኣሪጉ ሞይቱ እዩ። ንሕና እውን ካብ ኣዳም ሓጢኣትን እቲ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ዝዀነ ሞትን ስለ ዝወረስና፡ ንኣርግ ኢና።—ዘፍጥረት 5:5፣ ሮሜ 5:12 ኣንብብ።

ደቂ ኣዳም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ግና፡ በጃ ዚኸፍለልና ኣካል የድልየና እዩ። (እዮብ 33:24, 25) በጃ፡ ሓደ ሰብ ሓራ ንኺወጽእ ዚኽፈል ዋጋ እዩ። ንሕና ኸኣ ካብ ሞት ሓራ ኽንወጽእ የድልየና። (ዘጸኣት 21:29, 30) የሱስ ኣብ ክንዳና ምስ ሞተ፡ እቲ በጃ ተኸፍለ።—ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ካብ ሕማምን እርጋንን ሓራ ዚወጽእ፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። እቶም ከም ኣዳም ዝኣመሰሉ ንኣምላኽ ዘይእዘዝዎ ሰባት፡ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣይኪህልዎምን እዩ። ሓጢኣቶም እተሓድገሎም ሰባት ጥራይ እዮም ንዘለኣለም ዚነብሩ።—ኢሳይያስ 33:24፣ 35:3-6 ኣንብብ።

ሓጢኣትና ንኺሕደገልና ድማ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ ንፈጣሪና ኽንፈልጦ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝሓሸ ናብራ ብኸመይ ኪህልወና ኸም ዚኽእል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሞገስ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእል እውን ይምህረና እዩ።—ዮሃንስ 17:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ