ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/10 ገጽ 12-13
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 4 | ንጽልኢ ብሓገዝ ኣምላኽ ስዓሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/10 ገጽ 12-13
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ሓያሎ ሰባት ጸልኡኒ”

ዎልዶ ሞያ ዘዘንተዎ

  • ዓመተ ልደት፦ 1978

  • መበቈል ሃገር፦ ቺለ

  • ታሪኽ፦ ኣዝዩ ዓመጸኛ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ከተማ ሳንትያጎ፡ ርእሰ ኸተማ ቺለ፡ እየ ተወሊደ። ኣብቲ ዝዓበኹሉ ኸባቢ፡ ሓሽሽ፡ ዕውልና፡ ከምኡውን ገበን ልሙድ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ተቐትለ። ድሕሪኡ፡ ኣደይ ምስ ሓደ ጨካን ሰብኣይ ትነብር ነበረት። ንኽልቴና ድማ ኵሉ ሳዕ ይቕጥቅጠና ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝጀመረ ስምዒታዊ በሰላ ኣሎኒ።

እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ ብሰንኪ እቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣዝየ ዓመጸኛ ዀንኩ። ሙዚቃ ሄቪ ሜታል እሰምዕ፡ መስተ አብዝሕ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ሓሽሽ እወስድ ነበርኩ። ምስ ሸየጥቲ ሓሽሽ ኵሉ ሳዕ እበኣስ ነበርኩ፣ ብዙሕ ሳዕ ከኣ ኪቐትሉኒ ፈቲኖም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ተቐናቐንተይ ዝዀኑ ዓዋሉ ንሓደ ዕሉል ሰብ ቈጺሮም ኪቐትሉኒ ወሰኑ። እቲ ሰብ ወጊኡ እኳ እንተ ኣቝሰለኒ፡ ካብ ሞት ግና ከምልጥ ክኢለ እየ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ሸየጥቲ ሓሽሽ ኣብ ግምባረይ ሽጉጥ ኣዐሚሮም፡ ኪሓንቁኒ ፈቲኖም እዮም።

ብ1996፡ ካሮሊና እተባህለት ሰበይቲ ኣፍቀርኩ፡ ብ1998 ከኣ ተመርዓና። በዅሪ ወድና ምስ ተወልደ፡ ብሰንኪ እቲ ናይ ምቝጣዕ ባህርየይ፡ ከምቲ ሰብኣይ ኣደይ ዚገብሮ ዝነበረ፡ ኣነ እውን ንስድራ ቤተይ ከየሳቕዮም ፈራህኩ። ስለዚ፡ ካብ ሓደ ናይ ባህሪ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ዝቘመ ትካል ሓገዝ ኪግበረለይ ሓተትኩ። ሕክምናዊ ሓገዝ እኳ እንተ ተገብረለይ፡ ኪጠቕመኒ ግና ኣይከኣለን። ከም ቀደመይ ብጢጥቅሚጥ እሓርቕ ነበርኩ፣ ነፍሰይ ክቈጻጸር ኣይክእልን ነበርኩ። ንስድራ ቤተይ ምእንቲ ኸይጐድእ ኢለ፡ ርእሰ ቕትለት ኪፍጽም እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ብህይወት ምትራፈይ ዜሐጕስ እዩ።

ንሓያሎ ዓመታት ብኣምላኽ ዘይኣምን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ክኣምን ግና እደሊ ነበርኩ። ስለዚ፡ ንእተወሰነ ግዜ ምስ ሓንቲ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ክሓብር ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰበይተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ነበረት። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እጸልኦም ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ግዜ ብጽዩፍ ቃላት እጭድረሎም ነበርኩ። ንሳቶም ግና ወትሩ ብዘይተጸበኽዎ ኣገባብ፡ ማለት ብሰላማዊ መገዲ ይምልሱለይ ነበሩ።

ሓደ መዓልቲ ካሮሊና መዝሙር 83:18 ካብ መጽሓፍ ቅዱሰይ ከንብብ ሓተተትኒ። እታ ጥቕሲ ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ ምዃኑ ኣነጺራ ትገልጽ። ኣብ ሃይማኖተይ ብዛዕባ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ብዛዕባ የሆዋ ኸም ዘይተመሃርኩ ምስ ተገንዘብኩ ደንጸወኒ። ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2000፡ ኣነ እውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ብፍልጠት እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ የሆዋ ደንጋጽን ይቕረ በሃልን ኣምላኽ ምዃኑ ብምፍላጠይ ተጸናናዕኩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዘጸኣት 34:6, 7 ንየሆዋ፡ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዅራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ፡ ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል” ብምባል ይገልጾ።

ምስናይዚ ግና፡ ነቲ እተመሃርክዎ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ቐሊል ኣይነበረን። ነቲ ሕማቕ ባህርያተይ ፈጺመ ኽቈጻጸሮ ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዓኒ። ስምዒተይ ኣብ ዘይቈጻጸረሉ እዋን፡ ካሮሊና ብፍቕሪ ተደሪኻ ተተባብዓኒ ነበረት። የሆዋ ንጻዕርታተይ ከም ዜስተብህለሉ ተዘኻኽረኒ ነበረት። ሽሕ እኳ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ተስፋ ኸም ዘይብለይ ኰይኑ ይስምዓኒ እንተ ነበረ፡ እቲ ዝገበረትለይ ደገፍ ከይተሓለልኩ ንየሆዋ ኸሐጕስ ክጽዕር ሓይሊ ሂቡኒ እዩ።

ሓደ መዓልቲ እቲ ኣለኻንድሮ ዝስሙ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓለይ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ገላትያ 5:22, 23 ከንብብ ሓተተኒ። እታ ጥቕሲ፡ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ፡ “ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት” ምዃኑ ትገልጽ። ኣለኻንድሮ፡ ነዚ ባህርያት እዚ ንኸማዕብል ኣብ መንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር፡ ኣብ ርእሰይ ክምርኰስ ከም ዘይብለይ ገለጸለይ። እቲ ሓቂ እቲ፡ ንኣመለኻኽታይ ምሉእ ብምሉእ ቀየሮ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣከብኩ። እቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎ ስርዓትን ጽሬትን ምሕዝነትን ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብኩ ኣእመነኒ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ኣብ ለካቲት 2001 ከኣ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

የሆዋ ንዓይ ካብ ዓመጸኛ ሰብ ናብ ሰላማዊ ሰብ ቀይሩኒ እዩ። ካብቲ ውሒጡኒ ዝነበረ ዓዘቕቲ ስሒቡ ኸም ዘውጽኣኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ሓያሎ ሰባት ጸልኡኒ፣ በዚ ግና ኣይወቕሶምን እየ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ፡ ምስ ሰበይተይን ምስ ክልተ ደቀይን ኰይነ ንየሆዋ ብሰላም አገልግሎ ኣለኹ።

ኣዝማደይን ናይ ቀደም ፈተውተይን ክሳዕ ክንደይ ከም እተቐየርኩ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ንምእማኑ የጸግሞም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገለ ኻባታቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኺምሃሩ ተገዳስነት ኣሕዲሮም ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ሰባት እውን ብዛዕባ የሆዋ ንኺፈልጡ ኽሕግዞም መሰል ረኺበ እየ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንህይወቶም እውን ኪቕይሮ ኸሎ ምርኣይ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ